ን20 መዓልታት ዝዘልቕ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ 3 ለካቲት 2017 ዓ/ም ብዕሊ ተጀሚሩ፡፡
እቲ ወፍሪ መቐፀልታ ንዝሓለፉ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ወርሒ ለካቲት ከካይዶ ዝፀንሐ ሰፊሕ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን እዩ፡፡
ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን እዚ ዓመት ካብ 26 ክሳብ 30 ጥሪ 2017 ዓ/ም ብዜካ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝረከባ ወረዳታት ኣብ ዝተረፈ ወረዳታት ትግራይ ብሽም ሰማእታት እናተሳለጠ ዝፀንሐ እንትኸውን ካብ ሎሚ 3 ለካቲት 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ንኣስታት 20 መዓልቲ ዝቕፅል ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምዝጀመረ ኣባል ማእኸይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓትን ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብፃይ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ ገሊፁ።
እዚ ወፍሪ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፈተ ጀኖሳይዳዊ ወራር ዝተመናመነ ሽፋን ደኒ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ፣ መጠን ፍግረ መሬት ንምቕናስ፣ ብሓፈሻ ፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻ ንምውሳኽ በዚ ኣቢልካ ድማ ኣብ መነባብሮ ህዝብና መሰረቲዊ ለውጢ ንምምፃእ ዕላማ ጌሩ ከምዘሳለጥ ገሊፁ።
እቲ ወፍሪ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ፣ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ መጋብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ዕላዊ መጀመሪ መደረኽ ዝተሳለጠ ኮይኑ ብዜካ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝርከባ ወረዳታት ኣብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ ብተመሳሳሊ እቲ ወፍሪ ተጀሚሩ ኣሎ፡፡


