መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ንምድማቕ ዝተዳለወ ንሕንሕ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ክፍለ ከተማ ኲሓ ንመጋጥምታ ብምስዓር ተዓዋቲት ዋንጫ ለካቲት ኮይና።
ኣብዚ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣባል ስራሕ ፈፃሚ ውድብና ህወሓትን ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ረዳኢ በርሀን ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓትን ከምኡ’ውን መፍቀርቲ ስፖርት እታ ኸተማ ዝተረኸብሉ መበል 50 ዓመት ልደት ህወሓትን ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን በዓል 11 ለካቲት ንምድማቕ ኣብ መንጎ 14 ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ እናተኻየደ ዝፀንሐ እንትኾን፤ ሎሚ ኣብ ስታድዮም ከተማ መቐለ ንፍፃመ ዝበፅሐት ጋንታ ክፍለ ከተማ ኲሓ ተዓዋቲት ፅዋዕ ኮይና ኣላ።
ብመሰረት’ዚ ንፍፃመ ዝበፅሓ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ክፍለ ከተማ ኲሓን ፋብሪካ ቆርቆሮ ሰላምን ተጋጢመን ሙሉእ ፀዋታ ሓደ ብሓደ ዝተፈላለያ እንትኾና፤ ጋንታ ክፍለ ከተማ ኲሓ ቅድሚ ዕረፍቲ ሓደ ተፃዋቲ ብቐይሕ ካርዲ ዋላ’ኳ እንተሰኣነት ብመንፈስ ሰዓራይነት ገጢማ ሓደ ንባዶ እንተመርሐት ድሕሪ ምፅናሕ ማዕረ ብምፍልላያ ስዒቡ ብዝተወሃበ ብፍፁም ቅላዕ ሽዱሽተ ንሓሙሽተ ብዝኾነ ውፅኢት ክትዕወት ክኢላ’ያ።
ነዚ ስዒቡ ፅዋዕ ዝዓተረት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኲሓ ካብ ኢድ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ ፅዋዕን ወርቂ ሜዳሊያን ዝተቐበለት እንትትኮን፤ ተዓዋቲት ፅዋዕ ፀባይ ዝኾነት ጋንታ ኩዕሶ ፋብሪካ ቆርቆሮ ሰላም ድማ ካብ ኢድ ኣብቲ መድረኽ ዕዱም ጋሻ ኮይኑ ዝተረኸበ ሓላፊ ውዳበታት ህዝቢ ውድብና ህወሓት ብፃይ ገብረትንሳኤ ፍሰሃ ተቐቢላ’ያ። ከምኡ’ውን ጋንታ ፋብሪካ ቆርቆሮ ሰላም ካልኣይ ብርኪ ኮይና ብምዝዛማ ካብ ኢድ ኣብቲ መድረኽ ዕዱም ጋሻ ኮይኑ ዝተረኸበ መተሓባበሪ ኮሚቴ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዩ 11 ለካቲት ዳያስፖራ ትግራይ ብፃይ ኣባዲ ገብረስላሰ ሜዳልያ ብሩር ረኺባ።
ብተወሳኺ ኣብዚ ንሕንሕ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኮኾብ ተፀዋቲ ሮቤል ፍፁምን ኮኾብ ኣሰልጣኒ ሙሉ ገዙ ካብ ጋንታ ኲሓ፣ ብ6 ጎል ኮኾብ ሸቶ መቑፀሪ ሳይመን መብራህቱ ካብ ቀመር ልቓሕን ዕቋርን ኮኾብ ሓላዊ ልዳት መዓርግ ተስፋይ ካብ ጋንታ ፋብሪካ ቆርቆሮ ሰላምን ካብ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዩ 11 ለካቲት መተሓባበሪ ኮሚቴ ስፖርትን ካልኦት ንሕንሓትን ዝኾነ ብፃይ ካሳሁን ሙሉን ዝተፈላለዩ ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተዳለወሎም ሜዳሊያ ተረኪቦም ኣለው።
ኣብዚ ንሕንሕ ዝተሳተፉ ካብ ክልቲአን ንፍፃመ ዝተነሓናሓ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ተፃወትትን ኣሰልጠንትን ዝኾኑ ተፃዋትቲ ኩዕሶ እግሪ ኣሌክሳንደር መብራህቱ፣ እምባቁም ገብሬሃንስ፣ ናሆም መሰለን ሮቤል ፍፁምን ከምኡ’ውን ኣሰልጣኒ ኣንዋር ሓዱሽ ኣብዝሃብዎ ርኢቶ ኣብ ታሪኻዊ መበል 50 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ዝተዳለወ ንሕንሕ ብምርካቦምን ንፍፃመ ብምፅዋቶምን ዓብዪ ሓጎስ ከምዝተሰመዖም ገሊፆም።
እዚ ንሕንሕ ኩዕሶ እግሪ ድማ ጋንታታት ዓቕመን ንኸዕብያን ንትግራይና ኢሉ’ውን ኣብ መድረኽ ዓለም ስም ዓዶም ከፀውዑ ዓብዪ መንፈስ ምልዕዓል ከምዝፈጠረሎም ብምሕባር፤ ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ፈተውቲ ቃልስን እንኳዕ ናብ መበል 50 ዓመት ልደት ህወሓትን ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን በዓል 11 ለካቲት ኣብፀሐና ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።





