ማሕበር ሳይክል ንጥዕና ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤል 11 ለካቲት ልደት ውድብና ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ሽረ በፂሕኻ መልሲ ጉዕዞ ሳይክል የካይዱ ኣለው።

መበገሲኡ ሎሚ 5 ለካቲት ካብ ከተማ መቐለ በሪ ሓወልቲ ስውኣት ዝገበረ እቲ ጉዕዞ ሳይክል ሽረ በፂሕኻ መልሲ ዜጋታት ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ዝሳተፍሉ እዩ።

እቲ ጉዕዞ ካብ ከተማ መቐለ ተበጊሱ ውቕሮ፣ ዓድግራት፣ዓድዋ ፣ኣኽሱም ጌሩ ሽረ ብምብፃሕ መቐለ መዛዘሚ ዝገበረ እዩ።

ተወካሊ እቶም ተጉዓዝቲ ኣይተ ብርሃነ መስቀል ኣካል ድምቀት መበል 50 ዓመት ምዃኖም ዝተሰመዖም ሓጎስ ብምግላፅ ኣብ ዝሓልፍሎም ከባብታት ህዝቢ ከተባብዖምን ኣቀባብላ ክገብረሎምን ብምዕዳም ንመላእ ህዝቢ ትግራይ እንኳዕ ኣብፀሐካ ኢሉ።

477015377_1232392188250060_7011955326411369454_n

477457992_1232392144916731_8347767627141132094_n

478052868_1232391948250084_7370908496516843035_n (1)