መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዩ ምስረታ ጋዜጣ ወይን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር እዩ።

ዋና ዳይሬክተር ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ብፃይ ተወልደብርሃን ተኽሉ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ወይን ፤ ኣብ 50 ዓመት ሰለስተ ምዕራፍ ተቓሊሳ ዘቃለሰት ልሳን ከምዝኾነት ብምግላፅ ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ መለዓዓሊት መድረኽን መሳርሒ ቃልሲን ከምኡ እዉን ልምዓት ዘሳልጥ ልኡኽ ሒዛ ብሉፅ ተሞክሮታት ልምዓት ኣብ ምግፋሕ ናይ ባዕላ ኣስተዋፅኦ ከምዝፈፀመት ገሊፁ።

ወይን ኣብ ኣብ ትግራይ ቦኳሪት ጋዜጣ ከምዝኾነት ወርሒ ጥሪ 1968 ዓ/ም ኣብ እዋን ዕጥቂ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ሳዕሲዕ ዳይማ ማርዋ ኣብ ንእሽተይ ጎጆ ብሓንቲ ታይፕራይተርን ሓንቲ መራብሒትን ሕትመት ስራሕ ከምዝጀመረት ኣዘኻኺሩ።

ወይን፤ ካብ ትምስረት ክሳብ 1972 ዓ/ም ልሳን ህወሓት ኮይና ተቓሊሳ ዘቃለሰት ከምዝኾነትን ድሕሪ ምምስራት ድምፂ ወያነ ትግራይ ድማ ምስ ድወት እናተሓጋገዘት ቃልሳ ከምዝቐፀለት ብፃይ ተወልደብርሃን ገሊፁ።

ወይን ኣብ መዋእላ ኣብ 2013 ዓ/ም ንሸሞንተ ኣዋርሕ ስራሓ ኣቋሪፃ ምንባራ ድሕሪ ምሕባር ድሕሪ 21 ሰነ 2013 ዓ/ም ስሩዕ ሕትመት ከምዝጀመረት ሓቢሩ።

ብሄራዊ ህልዉና ናይ ምርግጋፅ መኸተ እዉን ምንቅስቓስ ደጀንን ግንባርን ማእኸል ዝገበሩ ስራሕቲ ብምስላጥ ከምኡ እዉን ኣብ "ቃልሲ ድሕንነት ውድብ ህወሓትን ምቅላዕ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት " ናይ ባዕላ ተራ ተፃዊታ እያ ዝበለ ብፃይ ተወደብርሃን ወይን ብሕትመት ስራሕ ዓብዪ ታሪኽ ዝሰርሐት ብዲጂታል ሚድያ ኦንላይን ሓበሬታ ስራሕ ዳግም ክትዕወት ምዃና ገሊፆም።

ሕዚ እዉን 50 ዓመት ዕድመ ቃልሲ ወይን እንትትብዓል መዛዘሚ ዘይኮነስ መጀመሪ ሓዱሽ ምዕራፍ ቃልሲ ከምዝኾነ ብምግላፅ ብዝበለፀ ተጠናኺራ ክትሰርሕ ንስነ ፅሑፍ ትግርኛን ቀፃሊ መድረኽ ቃልሲን ዝግደስ ሓይሊ ኣብ ጎኒ ወይን ክዓስል ፃዉዒት ይግባእ ኢሉ።

ጉዕዞ 50 ዓመት ታሪኽ ቃልሲ ወይን ብዝተፈላለዩ መደባት ከምተኽብርን ብቀፃሊ ጥንካረታት ንምዕቃብ ጉድለታት ንምእራም ከምትሰርሕን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።