514658475_1333989558090322_7338020802319984812_n

ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ነጋሽ (ወዲ መድህን) ኣብ መድረኽ ዝኽሪ ወፍሪ ኣሉላ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ዘተ ወፍሪ ኣሉላ መስተንክራዊ ስርሒት ሰራዊት ትግራይ ዝተመስከረሉ እዩ ፍሪ እዩ ኢሉ።
ቀንዲ ምሽጥራት ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝነበረ ህዝብና ሓደ ኮይኑ ብሓድነት ስለዝተቓለሰ ምዃኑ ገሊፁ።
ወፍሪ ኣሉላ ተተሊሙ ውሳነታት መሰረት ጌሩ ዝተሓንፀፀን ዝተወደበን ውሕሉልን ኣመራርሓን ስለዝተውሃቦን እውን እዩ ዝበለ ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ነጋሽ እቲ ካሊእ ምሽጥር ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ትኣምራዊ ጅግንነት ሰራዊትና እዩ ኢሉ።
መንእሰይ ወሎዶ ኣብ ሓፂር አዋን መራሕቲ ክፍለ ሰራዊትን ኮርን ኮይኖም ተኣምራዊ ጅግንነት ፈፂምም እዩ ዝበለ ሜጀር ጀነራል ወዲ መድሂን ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ብምጉርራስ ወሎዶታት ዝፈፀመ ጅግንነት እዩ ኢሉ።
ነቲ ከም ህዝቢ ዘካየድናዮ መስተንክራዊ ወፍሪ ዘፀልሙ ገሊኦም ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዒ መሳወርቲ ዝነበሩ ወይ ክዓ ማዕዶ ኮይኖም ዝዕዘቡ ዝነበሩ እዮም ዝበለ ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ነጋሽ ካብ ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ንቐስሞ ትምህርቲ ተወዲብካ ምቅላስ ምሽጥር ዓወት ምዃኑ ፈሊጥና ብሰለማዊ ፓለቲካዊ ቃልሲ ብሄራዊ ረብሓታትና ንምዕዋት ሕዚ እውን ሓድነትና ኣጠናኺርና ይግባእ ኢሉ።