ዝኸበርኩም ስድራ ስውኣትን ሃርበኛታት ኣካል ጉዱአትናን!
ዝኸበርኩም ኣመራርሓን ኣባላትን መዘና ኣልቦ ሰራዊት ትግራይ!!
ዝኸበርኩም ኣመራርሓን ኣባላትን ውድብና ህወሓት!!
ዝኸበርኩም ሓለፍቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ!!
ዝኸበርኩም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን!
ዝኸበርኩም ኣመራርሓ ተናሓናሕቲ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን!
ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ!!
ዝኸበርኩም ሰብ ፍሉይ ቅያ ጀጋኑ ነበርቲ 7ተ ሕጉም /ህዝቢ ወረዳ ኣበርገለን የጭላን/ ህዝቢ ተምቤንን!!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!!

ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ናይ ህዝባዊ መኸተ ትግራይና መቐይሮ ነጥብን ብተኸታታሊ ናይ ዝተካየዱ፥ መስተንክር ቅያናን መስደመም ዓወታትን ዘዕተሩና ወፍሪታትን ኣፐረሽናትን እምነ ሰረት ናይ ዝኾነ ወፍሪ ኣሉላ ዝተሰውኡ ሓየታትን ዋዕሮታትን መዘና ኣልቦ ጀጋኑ ደቂ ትግራይና ኣዕፅምቲ ኣተኣኻኺብና ሕላገትና ኣብዝኾነ ክበር መቓብር ሓርበኛታት እንትነዕርፍ ዘይተመለአ ዕላምኦም ኣብ ዳርችኡ ንምብፃሕ ካብ ሕድሕድና ዝድለይ ኩሉ ንምውፋይ ድሉዋት ምዃና ብምርግጋፅ ከምዝኾነ ብስም ውድብና ህወሓትን ብስመይን እንትገልዕ ሓበን ይስመዓኒ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!!
እዚ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብቃላት ምግላፁ ዘፀግም ቅያ ሰሪሖም ናይ ዝሓለፉ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ደቂ ትግራይና፥ ኣዕፅምቲ ብኽብሪ እንትነዕርፍ፥ ብህይወት ዝተረፍና ሕድሮም ዘየዕበርና ተቓለስቲ፥ ጀጋኑ ሓርበኛታትና ትግራይናን ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ ከንቱ ከምዘይተርፍ ብተግባር ብምርግጋፅ ከምዝኸውን ኣየማትእን።
ወፍሪ ኣሉላ ካብ ህዝባዊ መኸተና፥ ብኣፈፃፅምኡ፥ ብመጠኑ ኾነ ብዓይነቱ ፍሉይ እዩ። ዝበዝሕ መሬት ትግራይ ሓራ ብምውፃእ፥ ህዝብና ካብ ሙሉእ ጥፍኣት ጀኖሳይድ ዘድሓነ፥ እነካይዶ ዝነበረ ደባይ ውግእ ናብ መደበኛ ውግእ ዝቐየረ፥ ርእሰ ከተማ ትግራይና ሓራ ኣውፂኡ፥ ብህዝብና ዝተመረፀ መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦትኡ ዝመለሰ፥ ወረርቲ ጭርኦም ደጒሎም ብምህዳም ምስ ህዝቢ ትግራይን ጅግና ሰራዊት ትግራይን ምውጋእ ከምዘየዋፅኦም ዘረጋገፀ ፍሉይ ወፍሪ'ዩ። ነዙይ እዩ ኣብቲ እዋን መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዋና ፀሓፊ ትካል ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒ ጉቴሬዝ ሓዊስካ ናይ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸን ከባቢያውን ትካላት ሓለፍቲ፥ ፍሉይ ፅንዓትን ጅግነንት ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ብወታደራዊ ግጥም ፈፂምካ ምስዓር ኣይከኣልን ጥራሕ ከይኮነስ ምስ ከውሒ ተላቲምካ ፈርከሽከሽ ኢልካ ሞትካ ምቅልጣፍ እዩ ብምባል ምስክርነቶም ብዕሊ ኣብ ኣደባባይ ዝገለፁ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!!
ብሓፈሻ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣንፃር ጀኖሳደራት ኣብዝተካየደ ወታደራዊ ግጥም ብፍላይ ኣብ ወፍሪ ኣሉላ ዝወፈሩን ዝተሰውኡን ደቂ ትግራይ ናይ ኩሎም ስም ኣብዘይ ምዝርዛር ኣፀጋሚ እኳ እንተኾነ ብጥቕልሉ ግን ብዕድመ፥ ብዖታ፥ ብሙያን ስራሕን፥ ብከባቢ፥ ብሃይማኖት፥ ብፖለቲካ፥ ብወታደራዊን ሲቪል መዝነትን ከይተፈላለዩ፥ ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና ኢሎም ናብ ግንባር ዝወፈሩ ምስ ኣብ ከተማን ገጠርን ዝነበረ ደጀን ህዝብና ተኣሳሲሮም ብድማር ካብ ሓንቲ ዋዕሮ ኣዶ ትግራይና ማህፀን ዝተፈጠሩ መሲሎምን ከምኣርቃይ ረቢቦምን ግንባሮም ንዓረር ሂቦምን ብመስዋእቲ፥ ብመውጋእትን መቁስለትን ንትግራይናን ህዝቢ ትግራይን ግቡኦም ዝፈፀሙ እዮም።

ብሓፂሩ ኣብ ወፍሪ ኣሉላ ይኹን ኣብቲ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ምምካት ኲናት ጀኖሳይድ ዝተሳተፉን ዝተሰውኡን ደቂ ትግራይ ወለዶ መስዋእቲ ናይ ዝብሃሉ ምርኩዞም ሒዞም ዝተጋደሉ ፖለቲካዊ መራሕቲ በዓል ስዩም መስፍን ሓዊስካ ጀነራላት፥ ኮለኔላትን ዝተፈላለየ መኣርግ ዝነበሮም ተጋደልቲ፥ ከምኡ'ውን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሲቪል ኣባላት ህወሓትን ናይ ዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተሰብን ደቂ ትግራይ ብዕንዓት እጃሞም ኣወፊዮም ክቡር መስዋእቲ ምእንተ ትግራይ ከፊሎም እዮም። ብመስዋእቶም ድማ ስምምእ ተፃብኦ ደው ምባል ኣብ ፕሪቶርያ ክፍረም ክእሉ እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!!
ዋላ እኳ ኣብ ወፍሪ ኣሉላ ቅድሚኦምን ድሕሪኦምን ብዝተሰውኡ ሃርበኛታት ደቂ ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶሪያ እንተተፈረመ፥ እቲ ስምምዕ ምዒይ ክብል ኣይከኣለን። ናይዚ ቀንዲ ፀገም ነቲ ስምምዕ ክተሓላለኽ ዝገበረ መንግስቲ ብልፅግና እዩ። ብተወሳኺ ድማ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ጠላም ጉጅለ ንኹሎም ስዉኣትናን ኣካል ጉዱኣትናን ዝኸሐደ፥ ንትግራይናን ምልኣተ ህዝብናን ጠሊሙ መኸተና ዘመራሰሐ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብዚ እዋን ደንብኡ ፈልዩ ጎተቱ ዝሃብዎ ከፋፊልካ ግዛእ መምርሒ ተቐቢሉ ብዝተፈላለየ ድሑር ስምዒታት እናለዓዓለ ሕድሕድና ክንዋዳእ ኣደዳ ፀላእን መስሓቂ ጓህማማትን ክገብረና ህርዲግ ይብል ኣሎ።
ስለዙይ ብሓፈሻ ኣብ ውሽጥን ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሃገራትን እትነብር ህዝብና ሽርሒ መንግስቲ ብልፅግና፥ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን መሻርኽቱን ኣፍሺልካ፥ ብድማር ስውኣት ወፍሪ ኣሉላ ሓዊስካ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ውግኣት፥ ከምኡ'ውን ብምድርን ኣየርን ጀኖሳይዳዊ ጨፍጫፍ ናይ ዝሃለቁ ኩሎም ስዉኣት ደቂ ትግራይ ቃል ከየዕበርካ ዕላምኦም ክተዕውት ታሪኽ ሕድሪ ኣሸኪሙካ ምህላዉ ብግቡእ ተረዲእካ ተወሳኺ ሓዱሽ ታሪክ ከምእትፅሕፍ ኣይጠራጠርን።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!!
ኣብዚይ ሕድሪ ስዉኣት ኣይነዕብርን፥ ኣይንጠልምን ክብሃሎ ከሎ ተግባራዊ ምላሽ ብምሃብ ክኸውን ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ሎሚዓንቲ ብኽብሪ እነዕርፎ ዘለና ኣዕፅምቲ ስዉኣት ወፍሪ ኣሉላን ካልኦትን መስዋእቲ ብህይወት እንነብር ዘለና ኩላትና ደቂ ትግራይ ዓዕፅምቶም እሾኽ ኮይኑ ክወግኣና እዩ። ስለዙይ ስዉኣትና ህያው ንክኾኑ ኩልና ኣብዝተዋፈርናሉ ዓውደ ስራሕ ስዉኣትና እናዘከረና ብቅንዕና ህዝብና ክነገልግል ግበእ ከምዘለና ክስመረሉ ይግባእ።

ኣብዚ እዋን ቀንዲ ውራይ ውድብና ህወሓት፥ ጊ/ም/ትግራይ፥ ሰራዊት ትግራይን ብሓፈሻ ምልኣት ህዝቢ ትግራይን፥ ግዝኣታዊ መሬትና ምምላስ፥ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ምውፃእ፥ ተመዛባላይን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ምምላስ፥ ኣብ ትሕቲ ጊ/ም/ትግራይ ዘሎ ግዝኣትናን ህዝብናን ሰላምን ቅሳነትን ረኺበ፥ ዕለታዊ ጣጥኡ ክውግን፥ ሃለዋትናን ድሕንነትናን ውሑስ ምግባር እዩ።

ይኹን ድኣምበር እዞም ዓበይቲ ዕማማት ከይውገኑ፥ ብልፅግናን ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን ዝፈጥሩዎም ፀገማት ጥራሕ እንተይኮነስ፥ ኣብ ውሽጥና እውን ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ዝሽርሽሩን ሓድነትና ዝብትኑን ብዙሓት ካብ ድሕረት ዝብገስ ዝተፈላለዩ ምጭብርባራት ብምፍፃም ህዝቢ ከማርር ዝገብሩ ሕመቓት ጎሊሆም ይራኣዩ ኣለዉ። እዞም ኣብዚ ሕመቕ ዝወፈሩ ኩሎም እከያት፥ ክብሪ ስዉኣትና ዝመራስሑ ብምዃኖም ሕድሕድ ወዲ ትግራይ ከቃልዖምን ክምክቶምን ይግባእ። ስለዙይ ብኣውርኡ መራሕቲ ስድራ፥ መራሕቲ ሃይማኖትን ሲቪክ ማሕበራትን እዞም እከይ ተግባራት ኣብ ምምካት እጃምኩም ክተወፍዩ ብስም ውድብና ህወሓት እንትፅውዕ፥ ተግባራዊ ምላሽ ከምትህቡሉ ብምትእምማን እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!!
ሉኣላዊ ግዝኣትና ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ውሑስ ንምግባር ዝጀመርናዮም ቃልስታት መዕለቢ ክረክብ ዓቕምና ኣሰጣጢምና ክንቅፅል ይግባእ። እንተኾነ ሉኣላውነት ብሙሉእነት ተረጋጊፁ ዝብሃል ግዝኣታዊ መሬትና ብምምላስ ጥራሕ ኣይኮነን። ብውሑዱ ብምግቢ ዓርስና ክንክእል ኣለና። ስለዙይ ኣብዚ ቅጥዑ ጠፊኡዎ ዘሎ ዓለማዊ ኩነታት ዘለና መማረፂ ከምቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ከተማታትናን ኣብ ገፀርን ዝነብር ህዝብና ተረባሪቡ ቆፅለ መፅሊን ካልኦትን ብምፍራይ ህልቂትን ሕማምን ዝነከየ ብተመሳሳሊን ብዝተመሓየሸን ናብ ምፍራይ ምእታው ይግባእ። ሰለዙይ ሓረስታይና ኣትዩ ኣብዘሎ ክረምቲ፥ ጥብ ትብል ማይ እናተከታተለ መዳበሪያን ምሩፅ ዘርእን ኣይረኸብኩን ከይበለ ዱኽዒ፥ ኮምፖስትን ካልኦት ባህላዊመሳሰኒ ምህርቲ ተጠቒሙ ዝከኣሎ ኩሉ ንክገብር ውድብና ፃውዒት እንተቕርብ፥ ካድረን ኣባልን ውድብና ህወሓት እጃሙ ከምዘወፊ ከረጋግፅ ይደሊ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብዚ ዓመት ይረኣይ ዘሎ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ካብ ክባን ዕዕዋን ኣብዘይተናገፈሉ ንመርዓን ኩስምን ዝግበር ዘሎ ልዕል ዝበለ ወፃኢ ብሓደ ወገን ብሕማምን ጥምየትን ዝሳቐይ ዘሎ ህዝብና ምዝንጋዕ እንትኸውን ብኣውርኡ ግና ሕድሪ ስዉኣት ምዕባር ምዃኑ ክስመረሉን ኩሉ ነገር ህሉዊ ኩነታትና ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ፃውዒተይ የቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ሕድሪ ኩሎም ስዉኣትና ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን መንግስቲ ብልፅግና፥ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን መሻርኽቱን በብዕለቱ ዝነዝሕዎ ዘለዉ ናይ ጥፍኣት ፕሮፓጋንዳን መፃእናኩም፥ ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ክነጥፍኣኩም ኢና ብዝብል ዝወቅዑዎ ዘለዉ ነጋሪት ኲናት ብትኹረት ክንከታተሎ ዝግባእ'ዩ። ብሓፂሩ ህወሓት፥ ጊ/ም/ትግራይና፥ ሰራዊት ትግራይናን ህዝብናን ሕዚ'ውን ደማዊ ኲናት ሕርይኦም ከምዘይኮነ ንፈታዊ ሰላም፥ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ፥ ፈታዊን ፀላእን በዚ ኣጋጣሚ ክንገልፅ ንፈቱ።

ኣብ ኲናት ዝተሰውኡ ኩሎም ደቂ ትግራይ ሰላም ንምርግጋፅምበር ኲናት ንምቕፃል ኣይኮነን። ብድማር ስዉኣትና ዝሓደጉልና ሕድሪ'ውን ዘላቒ ሰላም ክነረጋግፅ ምኳኑ ኣሚንና ሎሚ ይኹን ፅባሕ ጉዳይና ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍፃም ክንረባረብ ኢና።

ስለዙይ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንሰላም ዘለና ባህግናን ድሌትናን ተረዲኡ እቲ ንኲናት ዝዳለዉ ዘሎን ኢዱ ዘወጣውጥ ዘሎን መንግስቲ ብልፅግናን ተላኣኣኪኡ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን ኣደብ ንክሕዙ እጃሙ ከወፊ ንፅውዕ። ሕዚ'ውን ዝፀንሐን ዝረአን ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ መበገሲ፥ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምትግባር ክኸውን ኣለዎ። ዘሎ ፀገም ፖለቲካዊ ስለዝኾነ መፍትሒኡ ፖለቲካዊ'ዩ ኢሉ ውድብና ብእምነት ዝቃለስ ምዃኑ ደጊምና ንገልፅ። እዙይ ድማ ሕድሪ ስዉኣት ከየዕበርና ሓድነትና ኣስጢምና ብውሕሉል ኣገባብ ከምእንፍፅም ክነረጋግፅ ይፈቱ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንኩሎም ስዉኣት ሃርበኛታት ደቂ ትግራይና!!

ትግራይ ትስዕር!!