ተወከልቲ ብሄረሰብ ኩናማ፣ ነበርቲ ከተማ ሸራሮን ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብን ዝሳተፍሉ ህዝባዊ መድረኽ ይካየድ ኣሎ።

መድረኽ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምምዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ኣባል ፈፃሚት ስራሕን ሓላፊት ቤትፅሕፈትን ውድብና ህወሓት ብፂት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄር ከምኡ እውን ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ብፃይ ወልደ ኣብርሃ ገብረፃዲቕ እናተመርሐ ዝካየድ ዘሎ ዘሎ እዩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መፃኹም ዘስመዐ ኣመሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብፃይ ገብረሂወት ኪዱ እቲ መድረኽ ብውድብና ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ዝተዳለወ ምዃኑ ብምግላፅ ብቐንዱ ውሽጣዊ ኩነታትና ዝፍትሽን ሓድነትና ዘበርኸን ፤ ፀገማትና ንምፍታሕ ዝለዓለ ተበግሶን ድልውነትን ዝውስኸ ፤ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ሕቶታት ህዝቢ ብፍላይ ድማ ናይ ኩናማ ብሄረሰብ መሰረታዊ ሕቶታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ብሓፂር ፣ ብማእኸላይን ነዊሕን ንምፍታሕን ንምርድዳእን ዓበዪ ዕድልን ተስፋ ዝህብን እዩ ኢሉ።

ህዝቢ ሸራሮን ታሕታይ ኣድያቦ ብፍላይ ድማ ብሄረ-ሰብ ኩናማ ህዝቢ ትግራይ በቢመድረኹ ኣብ ዘካየዶም ቃልስታት ልዕሊ ቁፅሩ ከም ብሄር ልዑል ኣስተዋፅእን መስዋእቲን እናኸፈለ ዝመፀ ህዝቢ ከምዝኾነ ብምግላፅ ሳላ ዝተቓለሰ ድማ ባህሉን መንነቱን ክፍለጥን ክኸበርን ፤ ብቛንቑኡ ክምሃርን ክዳነን ዘኽእል ስርዓት ሃኒፁ ካብ ልምዓትን ሰላምን ተጠቓሚ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ ኢሉ።
ህዝቢ ብሄረሰብ ኩናማ ኣብቲ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ ዘእተወ ጀኖሳይዳዊ ወራር እውን ብቲ ሓደ ገፅ ተጋሩ ብምዃኖም ብካሊእ ገፅ ድማ ካብ ድኽነትን ኣብ ልዕሊ መሊኦም ዘይምንጋፎም ውሑድ ቑፅሪ ዘለዎም ብሄር ብምዃኖም እቲ ሓደጋ ብርሰት ዝኸፍአ ከምዝኾነ ብምሕባር ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ንምርግጋፅ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ መኸተ ገዚፍ ኣስተዋፅኦ ብምግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍረም ዋላ እኳ እንተገበሩ በቶም ሓይሊታት ፅንተት ከም ብሄር ተጨፍጪፎምን ተረሺኖምን ፣ ትካላቶም ክዓኑን ጥሪቶም ክዝረፍን ስለ ዝተገበረ ማሕበራዊን ቑጠባዊን ኩነታቶም ናብ ቅድሚ 83 ዓ/ም ዝነበረ ክምለስ ተገይሩ ኢሉ።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብፃይ ገብረሂወት እቲ ፅንተት መልክዑ ሕዚ እውን መልክዑ ቀይሩ ብሰላሕታ ይቕፅል ከምዘሎ ብምግላፅ ሕዚ ብጭበጥ ኣብ ብሄረሰብ ኩናማን ተመዛበልቲ ወገናትናን ከቢድ ጥሜት ፣ ሕማምን ሞትን ጎሊሁ ወፂኡ ከምዘሎ ሓቢሩ።


ku2


medhin


kunama


ብሄረሰብ ኩናማ ባህሉን ቋንቁኡን ከማዕብልን ብበሄራዊ መንነቱ ክኾርዕን ካብቶም ውድብና ህወሓት ዝቃለሰሎም ዕላማታት ሓደ እዩ ኢላ ኣባል ፈፃሚት ስርሕን ሓላፊት በትፅሕፈትን ውድብና ህወሓት ብፂት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄር

ብፂት ፈትለወርቅ ገብረእግዚአብሔር ተወከልቲ ብሄረሰብ ኩናማ ፣ ነበርቲ ከተማ ሸራሮን ካብ ዞባ ምዕራብ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ተመዛበልትን ንዝቐረቡ ሕቶታት ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ህዝቢ ኩናማ ንውድብና ህወሓት ሓብሒቡ ዘዐበየ ብሄረሰብ ምዃኑ ብምግላፅ ካብቶም ወየንትን ሽግ ወየንትን ኮይኖም ንውድብና ህወሓት እግሪ ክትተክልን ምስ ህዝቢ ክትራኸብን ዝተቓለሱ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኩናማ እዮም ኢላ።

ብሄረሰብ ኩናማ ባህሉ፣ ቋንቁኡን ታሪኹን ከማዕብል ብበሄረዊ መንነቱ ክኾርዕ ካብቶም ውድብና ህወሓት ዝቃለሰሎም ዕላማታት ሓደ እዩ ድሕሪ ምባል ብሄረሰብ ኩናማ ዘልዕሎም ናይ ዓርሰ ምሕደራ፣ በቢደረጅኡ ኣብ ዘለው ምምሕዳረዊ ብርክታት ክህልዎ ዝግባእ ተሳትፎን ትኹረት ሂብና ክንሰርሐሉ ኢና ኢላ።

ኣብ ማእኸላት መዕቆቢ ዝነብር ህዝብና ይኣኽለና ናብ መረበትና መልሱና ዝብል ዘቕርቦ ዘሎ ሕቶ ከም ውድብ ይኹን ግዝያዊ ምምሕዳር ግዘ ብዝወሰደ ቑፅሪ በብመዓልቱ ሂወት ዝስእን ዘሎ ህዝብና ዘሰቅቕ ስለዝኾነ ካብዚ ንላዕሊ ከንፅመም ኣይንኽእልን ብዝብል ውሳነ ሉእላውነትና ክኽበር ፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ፣ ብወረርቲ ዝጭፍጨፍ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፀእ ንሰርሕ ኣለና ኢላ።

ህዝብና ንሓሙሽተ ዓመት ዝኣክል ተፃዊሩ ሽግር ሰለ ዝበዝሖ ሕዚ ብቀለልቲ ሕማማት እውን ሂወቱ ዝሓልፈሉ ኩነታት በፂሑ ከምዘሎ ገሊፃ።

ቅድሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ዳግም ምምዕርራዩ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዛዕባ ዝተመዛበሉ ወገናትና ዘይግድሾ ተለኣኣኺን መሳርሒን እቶም ኣብ ልዕሌና ፅንተት ዝፈፀሙ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር ከም ውድብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ተናብብና ምስራሕ ዝጀመረናሉ ድሕሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ምምዕርራዩ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ኢላ።


615547324_1489267615895848_8004985397293218966_n


614358335_1489267729229170_5490954597458231215_n


tandF