እቲ ፅርግያ ኣቦ ወንበር ውድብና ህወሓት ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦወንበር ውድብናን ብፃይ ኣማኒኤል ኣሰፋ፣ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ውድብና ህወሓት ብፂት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄር ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይን ካልኦት ኣመራርሓ ውድብናን ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣብ ዝተረኸብሉ ብዕሊ ተመሪቑ።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣሕስኣ ብፃይ ሙዘይ ደበብ ህዝቢ እታ ወረዳ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ንመሰረተ ልምዓት መንገዲ ቅድምያ ብምሃብ በቲ ሓደ ብልሒ ፖሎቲካዊ ቃልሱ ብምሕያል ውድቡ ህወሓት ከድሕን እንዳተቃለሰ በቲ ካልእ ብልሒ ድማ ከከም ዓቕሙ ቅርሺ ብምውፃእ እዚ መንገዲ ሃኒፁ ኢሉ።

ህዝቢ ኣሕስኣ ምርሑና እምበር ሃቡና ኣይንብልን ብዝብል መሪሕ ቴማ ካብ ማእኸል ወረዳ ናብ 8ተ ጣብያታት ዝወስድ መንገዲ ፣ካብ ጣብያ ማእኸል ናብ 5ተ ቁሸታት ዘእቱ መንገዲ ከምኡ እውን ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ 15 ሚልዮን ብር ብምውፃእ ሰሪሑ ኣሎ ኢሉ።

ሰራዊት ትግራይ ብወገኑ 11 ማሽናትን ተሽከርከርትን ብምውፋር ዘይትካእ እጃሙ ስለዝተዋፀአ ብሽም ህዝቢ ነመስግን ኢሉ።

እቲ 102 ኪሎሜትር ዝንውሓቱ ፀፀር መንገዲ ዝበላሾ ዝነበረ ውፅኢት መስኖን ካልኦትን ኣቕርቦትን ዘድሕን ብዓብይኡ ድማ ንነብሰፁራትን ዝሓመሙ ወገናትናን ቅልጡፍ ሕክምና ክረኽቡ ዘኽእል እዩ ኢሉ።

ኣብ ህንፀት እቲ መንገዲ ልዕሊ 84 ሚልዮን 900 ሽሕን ብጉልበት ህዝብን ሰራዊት ትግራይ ብዘቕረቦም ማሽናትን ከምዝተሸፈነ እውን ገሊፁ።