መግለፂ ቅዋም ኣመራርሓ ጣብያታት 01፣ 03፣04 ከተማ ኣላማጣ

መእተዊ

ምኽንያት ሓርነት ህዝብታት ኢትዮጵያን ትግራይን ዝኾነ በዓል ጉንበት 20 ንመበል 34 ዓመትኣብ እነኽብረሉ እዋን ኮይንና ውድብና ውድብ ህውሓት ድማ ካብ ምስርታ ልደት 1967 በረኻ ደደቢት ክሳብ ሎሚ ዕለት ናይ ዕድመ ብዓል ፀጋን መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዩቤልዮ 11 ለካቲት ኣብ ቀረባ ከምዘክበርና ዝፍለጥ እዩ።ሐዚ እውን ውድብና ውድብ ህውሓት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ውሽጣዊ ፀገማታ እናገምገመትን እናፈተሐትን ኣብዛ ሃገር ኣብዝነበሩ 27 ናይ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ዓመታት ዝለዓለ ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባለ ዝሃነፀት ውድብ እያ ። ይኹን እምበር ነዞም ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ንድሕሪት ብምግዳፍ ኣብ ልዕሊ ፍልፍል እዞም ዓወታት ዝኾነት ትግራይናን ህዝባን ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ጆኖሳይዳዊ ፅንትት ኩናት ተኸፊቱ፡፡ ከም ህዝቢ 360 ዲግሪ ተዓፂና ድማ ሰፍ ዘይብል ማእለያ ዘይብሉ በደል ኣብ ተጋሩ ተፈፂሙ።

እዙይ ከምዚ እናሃለወ ናይ ትግራይ ኢኮኖሚ ፣ ህይወት ደቂ ሰባት ፣ ብጥምየትን ሕማምን ካብዛ ምድሪ ንክንጠፍእ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዘራያት ካብ ደገ ተዓዲሞም ተላፊኖምን ኣብ ልዕሌና ተፈጥሮኣውን ሰብ ሰራሕ ብዝኾነ መሳርሒ ኩናት ተኣዊጁ ከፅንቱና ፈቲኖም እዮም! ነገር ግን ክንፀንትን ክንጠፍን ከምቲ ድሌቶም ክሰምረሎም ኣይክኣለን። ምኽንያቱም ብዓል ተሪር ቅዋምን መስተንክራዊ ታሪኽ ዘለዎ ወረጃ ህዝብንዝኾነትግራዋይ ነቲ ህላወኡ ዝፃባእ ወራር ፅንተት ብዝለዓለ ሓድነትን ፅንዓትን መኪትዎ።

እቶም ኣብ ፅንተት ትግራይ ዝተሳተፎ ዓደምትን ተዓደምትን ቅድም ክብል ኢህኣዴግ መሲሎም ብምእታው ን ኢህኣዴግ ዘፍረስሉ ታክቲክ ተጠቒሞም ኣብ ውሽጥና ህወሓት መሲሎም ብምእታው ህውሓት ንምፍራስተረባሪቦም፡፡ ብተመሳሳሊ ብዓፅምን ደምን ዓበይቲን ኣናእሽተይን ዝተሰዉኡ ዝተፈጠረን ብስትራቴጅካዊ መርሕነት ዝምራሕን በቢ ዝፈጠሮ መድረኽ እናተምሃረ፣እናተሃደሰ፣ፀገማቱ እናኣረመ ዝኸይድ ውድብ ካብ ኢትዮጵያያ ሓሊፉ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ፖለቲካ ተፅዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ግሁድ ሓቂ ምኻኑ እናተፈለጠ ህውሓት ብምምሳል ሓድነትና ንምፍርራስ ዝጀመርዎ ቃልሲ ገና ብዙሕ ስድሪ ከይሰደሩ ምስተነቐሐሎም እቶም ናይ ክሕደት ጉጅለ ናብቲ ዝኣመንዎ ጉጅለ ምልኪ ከደምቲ ኾይኖም ተሰንዮም ዝተረፉ ድማ ኣብ ዞባና ዞባ ደቡብ ትግራይ ናይ ምድንጋር ስራሕቲ እናሰርሑ ዒንክልል ይብሉ ኣለዉ ። እዙይ ማለተ ብስሩዕ ንመበል 14 ግዜ ዝካየድ ጉባኤ ህወሓት ጉባኤ ድሕነት ንክካየድ ከም ዞባና ፤ወረዳና ፣ጣብያና ገንዘብ ኣዋፂኢና ኣብ ፅባሕ እቲ መድረክ ዞባ ህዝቢ ዝወሰኖ ዉሳነ ብምዕፃፍ ሰብ ከይሳተፍ ተገይሩ ብኣፈ ቀላጢታት ክሕመስን ሰብ ንከይሳተፍ መናሃርያ እናዓፀወ ዝወዓለ ናይ ክሕደት ካድረታት ከም ዝነበሩ ህዝቢ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ንሕና ካብ ጣብያ ኣመራርሓ ፣ቀጠና ኣመራርሓ ፣ ሓፋሽ ውድባት ማለት እውን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ፣ ማሕበር መንእሰይ ፣ ማሕበርጉዱኣት ኩናት፣ ማሕበርተጋደልቲ ህውሓት ፣ ማሕበር ደቂ ስውኣትን ሊጋትን ልምዓት ጉጅለን ዝኾና መርሕነት ዝተሳተፍናሉ በዝሕና ኣብዚ መድረኽ ዝተሳተፍና ተባ 187 ኣነ 112 ድምር 299 ዝኾንና ጠቕላላ ኣመራርሓ ጣብያታት 01፣03፣04 ከተማ ኣላማጣ እዘን ዝስዕባ ብዓል 9 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ኣውፂኢና ኣለና ።

መግለፂ ቅዋም ነጥብታት

  1. ዉድብና ዉድብ ህወሓት መበል 14 ግዜ ዝካየድ ጉባኤ ንክንሳተፍ ከም ህዝቢ ራያ ወፈያ ዘወፈና ኮይኑ ንክንሳተፍ ኣብ ምድላዉ ዝነበረና ኣባላት ዉድብ ብክሕደት ሓይሊ ከይንሳተፍ ብምኩላፉ ፍሉጥ ኮይኑ ብሽም ህዝቢ ራያ ኣይዉክልን ኢሎም ዝሞገቱ ኣካላት ንዓና ዘይዉክሉ ምኻኖም እናፍለጥና ኣብ ከይዲ ድማ ከም እንቃለሶም ቃል ንኣትዉ።
  2. ጠቕላላ ኣመራርሓ ከተማ ኣላማጣ ጣብያ 01፣03፣04 ውድብና ውድብ ህውሓት ዘካየደቶ መበል 14 ጉባኤን ጉባኤ ድሕነት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዘውፅእዎ ቅዋም ብምድጋፍ ተፈፃምነቱ ንክቀላጠፍ እናበልና ቃል ንኣትዉ።
  3. እቲ ትማሊ ህውሓት እየ ዝብል ዝነበረ ሐዚ ድማ ስበር ፣ ትሊዲፓ ፣ስምረት እናበለ መደናገርቲ ቅዋማት ሒዙ ዝቃለሰና ዘሎ ጉጅለ ክሕደት ሓይሊ ናይ ውድብና ፀለመን ናይ ሰራዊትና ፀለመን ብተወሳኺ እውን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንከይምለስ ናይ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ማእኸል ራያ ይእተው እናበለ ብሽም ህዝቢ ራያ ዝሽቅጦ ዘሎ ፖለቲካዊ ቁማር ነቶም ጉጅለ ክሕደት እምበር ንውድብናን ንህዝበናን ህዝቢ ራያ ሰለዘይውክል ሰላማዊ ቃልስና ወሊዕና ክንቃለሶም ቃል ንኣትዉ።
  4. ከምዝፍለጥ ሉኣላውነት ግዝኣት ትግራይ ኣብ ትምክሕትን ተስፋሕፋሕቲ ወረርትን ሓይልታት ኣምሓራ ወዲቑ ይርከብ ። ስለዚ ድማ እቲ ኣብ ፀላእቲ ዘሎ መሬት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብፍላይ ድማ ህዝቢ ከተማና ከም ልቡ ከይንቀሳቐስን ብሰላም ስራሑ ከይኣትዉን ከይሰርሕን ንድሕሪት ዝመልስ ስለዝኾነ ውዓል ሕደር ዘይብሉ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ መሬትና ናብ ቦትኡ ንክምለስ ቃልስና ክነሐይል ቃል ንኣትዉ።
  5. ናይ ውድብና ኣፍልጦ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝሃበና እንትኾን ብሄራዊ መረፃ ቦርዲ ኢ/ያ ዝገብሮ ዘሎ ስኮና ነቲ ውዕሊ ሙሉእ ብሙሉእ ንክይፍፀም ኣፍሪሱ ከም ብሓድሽ ኩናትን ዕግርግርን ክልዓል መንግስቲ ኢ/ያ ብዓልዋና ኢድ ምዃኑፍሉጥ እዩ። ስለዚህ ድማ ኣፍልጦ ዉድብና ወሃብን ኻላኢን ብዓል ዋና ህዝቢ ትግራይ እዩ ስለዚህ ድማ ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ዝሃበና ኣፍልጦ ብማንም ንኹለፍ ኣይኸእልን ነዚይ ድማ ንዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ ብቅልጡፍ ተገንዚቡ ኣፍሊጥና እቲ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ተፈፃሚ ንክኾን ብተግባር ድማ ጉዕዞ ንክጅመር ሰላማዊ ቃልሲ ክንቃለስ ቃል ንኣትው።
  6. ንሕና ጣብያ 01፣02፣03 መርሕነትና ብምስሌነ ብካሕዳም ሓይሊ ን ህዝቢ ራያ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውፅእ ልኡክ ብልፅግና ቦኸሪ ዉላድ ዝኾነ ሐዚ ድማ ስምረት ፓርቲ ብምባል ተለኣኣክቲ 4 ኪሎ ካብዛ ዕለት ጀሚሩ ተቐባልነት ዘይብሎምን ንጣብያ 01፣03፣04 ከምዘይውክሉን እናፍለጥና ዝነበሮም ሙሉእ ውክልና ህወሓት ከም ዝተለዓለ ተፈሊጡ ዝሓደረ ሓቂ እዩ።በዚ መሰረት ኣመራርሓ 3ቴና ጣብያ ድማ ብቅኑዕ መትከላዊ ውድብ ህውሓት መስመር ከምንቃለሶም ቃል ንኣቱ።
  7. መርሕነት ነሰይ 3ትኤን ጣብያታት፣ወረዳ ከተማ ኣላማጣ፣ ዞባ ደቡብን መርሕነት ተልእኾ ብልፅግና ብምሓዝ ኣሰላልፈኦም ብዕሊ ከም ዘፍለጡ ፀረ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህውሓትን ፣ህዝባዊ ሰራዊትና ሰራዊት ትግራይ ምዃኖም ብግልፂ ኣርእዮምና ብዕሊ ስምረት ዉድብ ብምባል ስለዚህ እዚኦም ንውድብ ዝክሓዱ ፀረ ውድብና ከደዓትን ዝኾኑ ክመርሑና ስለ ዘይክእሉ ነዚኦም ተቓሊስና ውሕስ ህልውናና ከም ነረጋግፅ ቃል ንኣቱ ።
  8. ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ንኣስታት ምክንያት ን5ተ ኸረምቲ ዝተመዛበለ ህዝብና ሐዚ እውን መሕደሪኡ መዉዐሊኡ ኣብ ኬንዳ ካብ ዝኮነ ፀኒሑ እዩ ። መረበቱ ገዲፉ ዝብላዕ ዝቁርጠም ሲኢኑ ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣትው ብጥሜት ይመውትን ይሳቀ ኣሎ ሐዚ ድማ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃላዕን ይመዉትን ስለዘሎ ዝምልከተኹም ኣካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብቑልጡፍ ንክተብፅሑልና ንሓትት እናበልና ቃልሲና ክነሐይል ቃል ንኣትዉ።
  9. ሐዚ ኣብ ትግራይና ዝተፈጠረ ጭላንጭል ስላም፣ምርግጋዕ ማሕበረሰብ ተፈፃምነቱ ግዚያዊ ምምሕዳርን ዉድብና ዉድብ ህወሓት ብሓባር ኩሎም መደባትን ድማ ከም ዝፍለጥ ዞባታትን ትሕቲኡ ዘለዉ ወረዳን ጣብያን ዉድብ ብዝኣመነሉ ስለ ዝምራሕ ኣብ ዞባና ጠጠዉ ዝበለ ምትዕርራይ መርሕነት ቀልጢፉ ናብ ተግባር ኣትዩ እቲ ዉድብ ዝሓረየቶ ኣካል ናብ ቦታኡ ንክኣትዉን ግልጋሎት ሰናይ ምምሕዳር ፃምእ ንዘለዎ ህዝብና ንክወሃበና እናበልና ፃዉዒትና ብምቅራብ ንተግባራዉነቱ ድማ ክንቃለስ ቃል ንኣትዉ።

ክብርን ሞገስን ነቶም ዝኾነ ጉርዲ ዘይለግቦም ጀጋኑ ትግራይ !!

ፅንዓት ንዘይተርፍ ዓወት!


ኣመራርሓ ጣብያ 01፣03፣04 ከተማ ኣላማጣ
ግንቦት 2017 አ.ግ