ብፃይ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ ነዚ ዝበለ ብምኽንያት ዝኽሪ ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ መቐለን ኣርሚ 22 ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ እዩ።
ኣብቲ ዝተኻየደ መኸተ ኩሉ ትግራዋይ ነቲ ጀኖሳይዳዊ ወራር ንምምካት ዓሲሉ መኪቱ እዩ ዝበለ ዶ/ር ረዳኢ፣ ኣብ ዓወት 21 ሰነ 2013 ዓም ወሳኒ ግደ ዝነበሮ ኲናት ወፍሪ ኣሉላ ረዚን መስዋእቲ ተኸፊልዎ ወሳንን ኣንፀባራቕን ዓወት ዝተሓፈሶን ጀግንነት መሪሕነትን ሰራዊት ትግራይን ከምኡ እውን ሓድነት ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዓለም ጎሊሁ ዝተርኣየሉ ከምዝነበረ ገሊፁ።
ግዝኣታዊ መሬት ትግራይን ተመዛበልትናን ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ድሕንነቶም ተሓልዩ ብሰላማዊ መንገዲ ብህፁፅ ናብ መረበቶም ክምለሱ ተወዓዐልትን መወዓዐልትን ንተግባራውነት እቲ ውዕል ክሰርሑ ይግባእ ድማ ኢሉ።