መግለፂ ቅዋም ክልላዊ መድረኽ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ
ሓዳጋ ብሄራዊ ክሕደት፣ ምልክን ብተናን ዝምከት ብመሪሕነት ህወሓት እዩ!!
መእተዊ
ንሕና ኣብዚ ክልላዊ መድረኽ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ክሳተፋ ካብ ዝግባእ 1500 ተሳተፍቲ 99% ኣብዚ “ወፍሪ እምቢታ” ብዝብል ስያመ እናተምረሐ ዕለት 12 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ተረኺብና ዕውት ምይይጥ ኣካይድና ኣለና።
ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ቅድሚ እቲ ብቓልሰን ዝተኸለኦ ህዝባዊ ስርዓት ውድብና ህወሓት ከም ደቂ ኣነስትዮ መጠን ተወሳኺ ወፅዓ ዝበፅሐንን ካብቲ መሰተአን ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ዝኸፍአን ዝተጎሳቐለን ህይወት ክመርሓ ይግደዳ ዝነበራ እየን፡፡ ማጀት እምበር ኣደባባይ ኣይምልከተክንን ተባሂለን ካብ ኩሎም ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ጉዳያት ሙሉእ ንሙሉእ ዝተገለላ ነይረን፡፡
ደቂ ኣነስትዮ ብዝተሸከምኦ ማሕበራውን ቤተ ሰባውን ሓላፍነት ዓብዪ ክብሪ ክወሃበን እናተገበኦ ብኣንፃሩ ዝናሸዋሉን ከም ሰብ ዘይቑፀራሉን ስርዓት ኣሕሊፈን እየን፡፡ ብድምር ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ከም ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዝነበረ ብሄራውን ደርባውን መፅቀጥቲ ከም ደቂ ኣነስትዮ መጠን ድማ ፆታዊ ኣድልዎ ይበፅሐን ስለዝነበረ ንድርብ ወፅዓ ብድርብ ቃልሲ ንኸወግድኦ ካብ ፈለማ ምጅማር ዕጥቂ ቃልሲ ጀሚረን ንህወሓት ሓንጎፋይ ኢለን ተቐቢለን ኣብ ፅላል ህወሓት ተሰሊፈን ብዕቱብ ተቃሊሰን ተዓዊተን እየን፡፡ እዚ ኮይኑ እንተብቅዕ ነቲ ብሳላ ምግዳለንን መስዋእተንን ዝረኸበኦ ዴሞክራሲያዊ መሰል ተጠቒመን ዝደለየኦ ሓሳብ ክድግፋ ንዘይደለየኦ ድማ ክቃወማን እንትንቀሳቐሳ ኣብዚ ዓመት ንደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ዝተፈላለየ መነወሪ ቃላት ብምጥቃም ከናሽወና ዝፀንሐ እቲ ጉጅለ ገዛኢ ደርቢ ሕዚ ድማ ኣንፃር ብሄራዊ ሃለዋት ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ጠቕሊሉ ክሒዱ ኣሎ፡፡
እዚ መርአይኡ ስልጣንን ብስልጣን ዝርከብ ረብሓን ጥራሕ ዝገበረ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ሓይሊ ኩሎም ትካላዊ ዓቕምታት ትግራይ በቲኑ ከም ብሄር ይኹን ከም ደቂ ኣነስትዮ ናብ ሓደጋ የእትወና ከምዘሎ ብምእማን እዚ ሓደጋ ብፍላይ ንደቂ ኣነስትዮ ድማ ዕድኡ ከቢድ ምዃኑ ብምእምን ነዚ ናይ ጥፍኣት ድግስ ንምብርዓን ብመሪሕ ውድብና ህወሓት “ወፍሪ እምቢታ” ብዝብል ተሰይሙ ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ድሕነት ተፀንቢርና ናይ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዓቕሚ ብዘነቓንቕ ወፍሪ ቃልሲ እምቢታ ኣንፃር ክሕደትን ምልክን ክነካይድን ቃልስና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክነሰጋግርን ወሲና ኣለና፡፡
ዝተመያየጥናሎም ኣጀንዳታት
ኣብዚ ክልላዊ መድረኽ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ብቐዳምነት ዝተመያየጥናሉ ዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ዝምልከት እዩ፡፡ ብኻልኣይ ብርኪ ዝረአናዮ ሓድነትን ትካለዊ ዓቕምታትን ትግራይ ንምድኻምን ንምፍራስን ዝካየድ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ሽርሒ ዝምልከት እንትኾን እቲ ጉጅለ ክሕደት ሓድነት ህዝብና ብኸባቢ ንምብትታን ክሰርሕ ድሕሪ ምፅናሕ ሕዚ ድማ ኣብ ትግራይ ብመልክዕ ሕብራዊ ናዕቢ ህዝብና ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ንምእታው ብግልፂ ይሰርሕ ምህላዉ እዩ፡፡
መድረኽ ላዕለዎት ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ብትኹረት ካብ ዝረአዮ ካልእ ነጥቢ እቲ ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዘሎ ብሄራዊ ክሕደትን ጥልመትን ዝፈፀመ ጉጅለ ስልጣኑ ብምንዋሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስርዓት ምልኪ ክተክል ይንቀቀሳቐስ ከምዘሎ እዩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ብትኹረት ዝተመያየጥናሉ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ በቲ ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዘሎ ክሕደትን ጥልመትን ዝፈፀመ ጉጅለ ቅሉዕ ብሄራዊ ክሕደት ዝተፈፀመሉ ምዃኑን ሓደጋ ብሄራዊ ክሕደት፣ ምልክን ብተናን ንምምካት ብወፍሪ እምቢታ ተሰይሙ ቃልስና ክነብርኽ ወሲና ክንኣቱ ከምዝግባእ ዝምልከት እዩ፡፡ ብምዃኑ እውን ነዚኦምን ካልኦትን ነጥብታት ከም መበገሲ ብምውሳድ ኣብዚ መድረኽ ዝወሰድናዮም ቅዋማት ዘንፀባርቑ በዓል 06 ነጥቢ ዝሓዘ መግለፂ ቅዋም ኣውፂእና ኣለና፡፡
መግለፂ ቅዋም
- እቲ ዝጠለመ ጉጅለ ንውድብና ህወሓት ሓዊሱ ንኹሎም ትካላዊ ዓቕምታትና ዝብሃሉ ሓድነት ህዝብና፣ ዓቕምታት መኸተናን ክብርታትናን ዝብትን፣ እቲ ብቓልስና ዝተኸልናዮ መሰልን ረብሓን ደቂ ኣነስትዮ ንድሕሪት ዝመልስ፣ ንደቂ ኣነስት ዘናሹን ብድምር ኣብ ትግራይ ውልቀ ምልክነት ንምትካል ይንቀሳቐስ ስለዘሎ እምቢ ንብሄራዊ ክሕደት፣ እምቢ ንምልኪ፣ እምቢ ንብተና ኢልና ብመልክዕ ወፍሪ እምቢታ ንዘተደገሰልና ጥፍኣት ንምብርዓን ኩሉ ዓቕምና ዘነቓንቕ ወፍሪ እምቢታ ክነካይድን ቃልስና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክነሰጋገርን ወሲና ኣለና፡፡
- ብመሰረት ውዕሊ ፕሮቶርያ ዛጊድ ብሓይሊ ህዝብናን ልኡላውነትናን ዝጎበጡ ወረርቲ ሓይልታት ኣይወፁን፣ ህዝብናን ሉኡላውነትናን ሓራ ኣይወፅአን፤ ተመዛበልትናን ዝተሰደዱ ወገናትናን ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን፡፡ ስለዝኾነ እቲ ውዕል ከይተሸራረፈ ክፍፀም ተመዛበልትና ብመሰረት እቲ ውዕሊ ሙሉእ ምሕደረኦም ተማሊኡ፣ ውሕስ ሰላምን ድሕንነቶም ተረጋጊፁ ናብ መረበቶም ክምለሱ ንሓትት፡፡ ውዕሊ ፕሪቶርያ በዓል ዋና ዘይብሉ ንምትራፍ ህወሓት ንምፍራስ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ድማ ብትሪ ንኹንን፡፡
- እቲ ኣብ ኣመራርሓ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከብ ናይ ክሕደት ጉጅለ ክፍፅሞም ዝተውሃብዎ መደባት ኣይፈፀመን ጥራሕ ዘይኮነስ ሕዚ ድማ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ጉጅለ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ብመሰረት እቲ ህወሓት ኣብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ዝወሰኖ ውሳነ ቀልጢፉ ክመዓራረ እናተሓሳሰብና ኣብቲ ጉጅለ ዘለዉ ብገበን ዝጥርጠሩ ኣካላት ድማ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ንፅውዕ፡፡ ብሰንኪ በብእዋኑ እናዓበየ ዝመፅእ ዘሎ ስርዓት ኣልቦነት ኣብ ደቂ ኣነስትዮ ዝበፅሕ ዘሎ ተደጋጋሚ ጥቕዓት ካብ ስሩ ክቕረፍን ኣብ ኣሕዋትና መጥቃዕትን መቕተልትን ዝፈፀሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ኣሕዋትና ፍትሒ ክረኽባ እናፀዋዕና ብዝተወደበ መንገዲ ከምእንቃለስ ቃል ንኣቱ።
- ሃለዋት ሰራዊትና ምስ ሙሉእ ትግበራ ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ ነዚ ናይ መኸተ ብህራዊ ዓቕምና ብሽም DDRን ካልኦት ተንኮላትን ንምብታን ይግበሩ ንዘለዉ ወፍሪ ፀለመን ናይ ተግባር ምንቅስቓስን ኣትሪርና ንኹንን፤ ኩለ መዳይ ቃልሲ ከምእንገብር እውን ነረጋግፅ፡፡
- ኣብያተ ምኽርና ንምፍራስን ኣብዘን ኣብያተ ምኽሪ ይረአ ዘሎ ኢድ ኣታውነት ንኹንን! ኣትሪርና ከምእንቃለስ ድማ ቃል ንኣቱ፡፡ ውላድ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነት ትእምት ትግራይ ንምፍራስ ትውዕል ከምዘላን ውሕዳት ሰባት ብዘይኣግባብ ይምዝምዝዋን ኣለዉ፡፡ ስለዝኾነ እውን ትእምት ካብ ኢድ ውሕዳት ጠላማት ድሒና ናብ ብዓል ዋናኣ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ክትምለስ እናሓተትና ንሕና ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ድማ ብትረት ከምእንቃለስ ቃል ንኣቱ፡፡
- እቲ ኣንፃር ብሄራዊ ሃለዋት ትግራይ ተሰሊፉ ዘሎ ዝጠለመ ጉጅለ፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ዲያስፖራን ዝርከብ ህዝብና ብድሕረትን ብኸባብን ሓድነቱ ኣብ ምክፍፋል ተፀሚዱ ፀኒሑን ኣሎን፡፡ ሕዚ ድማ ኣብ ትግራይ ብመልክዕ ሕብራዊ ናዕቢ ህዝብና ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ንምእታው ብግልፂ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ እውን እዚ ዝጠለመ ጉጅለ ነቲ መሰረታዊ ዓቕሚ ትግራይ ዝኾነ ሓድነትናን ስምረትናን ብምብታን ናብ ቅሉዕ ሓደጋ ከእትወና ቆሪፁ ዝተልዓለ ስለዝኾነ እምቢ ንብተና ኢልና ብትረት ንምቅላስን ብሄራዊ ስምረትና ንምድልዳልን ቆሪፅና ተላዒልና ኣለና፡፡
ዘልኣለማዊ ክብሪ ንኹሎም ሰውኣትና!!
ሓደጋ ብሄራዊ ክሕደት፣ ምልክን ብተናን ዝምከት ብመሪሕነት ህወሓት እዩ!!
እምቢ ንብሄራዊ ክሕደት! እምቢ ንምልኪ! እምቢ ንብተና!
ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ!
ታሕሳስ -2017 ዓ/ም
![medrek_deki_anstio](/media/images/medrek_deki_anstio.width-800.jpg)
![deki-anstio](/media/images/deki-anstio.width-800.jpg)