መግለፂ ቅዋም ኣባላት ህወሓት ሰራሕተኛታት ትካላት ትእምት

ሓደጋ ብሄራዊ ክሕደት፣ ምልክን ብተናን ዝምከት ብመሪሕነት ህወሓት እዩ !

መእተዊ

ንሕና ኣብ መቐለ ንርከብ ኣባላት ህወሓት ሰራሕተኛታት ትካላት ትእምት "ሓደጋ ብሄራዊ ክሕደት፣ ምልክን ብተናን ዝምከት ብመሪሕነት ህወሓት እዩ" ብዝብል መራሒ ሓሳብ ሎሚ 27 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም ዕዉት መድረኽ ምይይጥ ወፍሪ እምቢታ ኣካይድና ኣለና፡፡


ኣብዚ እዋን፤ ህዝብና ብውሽጥን ብግዳምን ከቢድ ናይ ሃለዋት ሓደጋ ገጢምዎ ከምዘሎ ኣብ ዘተና ብዝርዝር ርኢና ኣለና፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝተኣወጀሉ ወፍሪ ጀኖሳይድ ብፀንዓት መኪቱ እዩ፡፡ ህዝብና ሕዚ እውን በቲ ዝተፈፀመን ሕዚ እውን ዝቕፅል ዘሎ ሓደጋ ጀኖሳይድ ንኸቢድ ናይ ደሕንነትን ኢኮኖምያዊን ፀገማት ተቓሊዑ ይርከብ፡፡ ህዝብና ሳላ ዘካየዶ ቓልሲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምኽታም ኣንፃራዊ ዝኾነ ሰላም እኳ እንተተረጋገፀ ዛጊድ ካብ ፀላእቲ ሓራ ኣብ ዘይወፁ ከባብታት ዝነብር ህዝብና ፣ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ሕዚ እውን ኣብ ሞትን ስቓይን ይርከብ፡፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ህዝብና ብቓልሱ ዝበፅሖ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንጎኒ ብምግዳፍ ዓቕምታት መኸተ ህዝብና ንምፍራስ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ይካየድ ከምዘሎ በዘርዝር ርኢና ኣለና፡፡


ብፍላይ ድማ ንሕና ከም መጠን ሰራሕተኛታትን ኣባላትን ውድብና ህወሓት ትካላት ትእምት፤ ኣብ ትካላትና ዘንፀለላለወ ሓደጋ ተመያይጥና ኣለና፡፡ እቲ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ሃፍቲ ትእምት ኣብ ክንዲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ገጢሙ ዘሎ ኩለመዳያዊ ፀገማት ህዝብና ንምፍታሕን እተን ትካላት ካብ ዝበፅሐን ዕንወት ሓውየን ኣፍረይትን ፈጠርቲ ዕድል ስራሕ ዝኾናን ሃፍተን ንኽሕደት ፣ ምልክን ብተናን ክውዕል ክዳኸማ ብምግባር ኣንፃር ህልውንአን ይስራሕ ኣሎ፡፡ እዘን ብደምን ኣዕፅምትን ህዝብና ዝተጠረያ ትካላት ሕዚ ናይ ውልቀ ሰባት መጥቀምን ከም ትካል ንምፍራስን ዝግበር ሽርሒ ኣትሪርና እናተቓወምና እዚ ዝስዕብ ቅዋም መግለፂ ኣውፂእና ኣለና፡፡

መግለፂ ቅዋም

  1. ንሕና ኣባላት ህወሓት ሰራሕተኛታት ትካላት ትእምት በቢትካላተን ዘሎ ሃፍቲ ብምስሳንን ብምዕቃብን ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብፅሒትና ክንፃወትን ኣብ ልዕሌና ዝግበር ዘሎ ፅዕንቶን ምፍርራሕን ደው ክብል ተሪርና ከይተሰኮና ከምንቃለስ ቃል ንኣቱ፡፡
  2. ሃፍቲ ትእምት መጥቀሚ ውልቀ ሰባት ይኸውን ስለ ዘሎ ብኣግባቡ ክመሓደር ቤት ምኽሪ ትእምት ተፀዊዑ ናይ ኣመራርሓ ምትዕርራይ ክግበር እናፀዋዕና ንሕና ኣባላት ህወሓት ንተግባራውነቱ ኣትሪርና ከምንቃለስ ቃል ንኣቱ፡፡
  3. ሚድያታት ትግራይ ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣንፃር ብሄራዊ ዕብለላን ወፅዓን ኣብ ዝተገበረ መኸተ ልሳን ህዝቢ ኮይነን እናገልገላ መፅየን እየን፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፈተ ናይ ፅንተት ወራር ኣብ ምምካት ዝገበርኦ ኣብርክቶ ታሪኽ ዘይርስዖን እንዳተዘከረ ዝነብርን እዩ፡፡ ይኹን እምበር ኣብዚ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ሚድያታት ልሳን ህዝቢ ካብ ምዃን ወፅየን ኣገልገልቲ እቲ ዝጠለመን ዝኸድዐን ሓይሊ ተጨውየን ኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፈን ዘለዋ ምዃነን ተረዲእናን ተገንዚብናን ኣለና ፡፡ ኣብዘን ሚድያታት ዘሎ ዝበዝሐ ሓይሊ ሰብ ሕዚ እውን ኣብ ጎኒ ህዝቡ ብምዃን ንምቅላስ ይረባረብ እኳ እንተሃለወ ብስንኪ ናይ መሪሕነት ጥልመትን ጭውያ እተን ትካላትን ክንድቲ ዝድለ ስለዘይኮነ ብፍላይ ደምፂ ወያነ ትግራይ ከም መጠን ትካል ትእምት ካብ መሳርሒ ጥልመት ፣ ክሕድትን ብተናን ወፅዩ ናብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮ ቅዋም ተመሊሱ ንዝቖመሉ ዕላማ ከገለግል ንፅውዕን ንተግባራውነቱ ድማ ንድግፍን ኣትሪርና ንቃለስን፡፡
  4. እቲ ዝጠለመ ጉጅለ ንውድብና ህወሓት ሓዊሱ ንኹሎም ትካላዊ ዓቕምታትና ዝብሃሉ ሓድነት ህዝብና ፣ ዓቕምታት መኸተናን ክብርታት ምግዳልናን ዘንቋሽሽን ዝብትንን እቲ ብቓልስና ዝተኸልናዮ ስርዓት ኣፍሪሱ ኣብ ትግራይ ውልቀ ምልክነት ንምትካል ይንቀሳቐስ ስለዘሎ እምቢ ንብሄራዊ ክሕደት ፣ እምቢ ንምልኪ፡ እምቢ ንብተና ኢልና ብመልክዕ ወፍሪ እምቢታ ንዘተደገሰልና ጥፍኣት ንምብርዓን ኩሉ ዓቕምና ዘነቓንቕ ወፍሪ እምቢታ ክነካይድን ቃልስና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክነሰጋገርን ወሲና ኣለና፡፡
  5. እቲ ኣብ ኣመራርሓ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዝርከብ ናይ ክሕደት ጉጅለ ክፍፅሞም ዝተውሃብዎ መደባት ኣይፈፀመን ጥራሕ ዘይኮነስ ሕዚ ድማ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ጉጅለ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ ብመሰረት እቲ ህወሓት ኣብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ዝወሰኖ ውሳነ ቀልጢፉ ክመዓራረ እናተሓሳሰብና ኣብቲ ጉጅለ ዘለዉ ብገበን ዝጥርጠሩ ኣካላት ድማ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ንፅውዕ፡፡
  6. ብመሰረት ውዕሊ ፕሮቶርያ ዛጊድ ብሓይሊ ህዝብናን ልኡላውነትናን ዝጎበጡ ወረርቲ ሓይልታት ኣይወፁን ፣ ህዝብናን ሉኡላውነትናን ሓራ ኣይወፅእን ፤ ተመዛበልትናን ዝተሰደዱ ወገናትናን ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን ፡፡ ስለዝኾነ እቲ ውዕል ከይተሸራረፈ ክፍፀም ተመዛበልትና ብመሰረት እቲ ውዕሊ ሙሉእ ምሕደረኦም ተማሊኡ፡ ውሕስ ሰላምን ድሕንነቶም ተረጋጊፁ ናብ መረበቶም ክምለሱ ንሓትት ፡፡ ውዕሊ ፕሪቶርያ በዓል ዋና ዘይብሉ ንምትራፍ ህወሓት ንምፍራስ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ድማ ብትሪ ንኹንን ፡፡
  7. ሃለዋት ሰራዊትና ምስ ሙሉእ ትግበራ ውዕሊ / ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ ነዚ ናይ መኸተ ብሄራዊ ዓቕምና ብሽም DDRን ካልኦት ተንኮላትን ንምብታን ይግበሩ ንዘለዉ ወፍሪ ፀለመን ናይ ተግባር ምንቅስቓስን ኣትሪርና ንኹንን ፤ ኣብ ጎኑ ተሰሊፍና ኩለ መዳይ ቃልሲ ከምእንገብር እውን ነረጋግፅ ፡፡
  8. ሰራዊትና ንሃለዋትን ድሕንነትን ዓዱ ንዝኸፈሎን ዝከፍሎ ዘሎን መዘና ኣልቦ ዋጋ ልዑል ኣኸብሮተ ነቕርብ ፡፡ ኣብዚ እዋን ንውሕስ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ይሰርሖ ንዘሎ ስራሕቲ እውን ዝለዓለ ኣፍልጦ ንህብ ፡፡ እንተኾነ እውን ብፍላይ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፀጥታና ብሰንኪ እቲ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ጉጅለ ፖለቲካ ትግራይ ብፍላይ ድማ ሃለዋትን ድሕንነትን እዚ ብሄር ካብ እዋን ናብ እዋን ናብ ሓደጋ ዘይኣትወሉ ኣብዘሎ እዋን እግሪ ምጉታት ስለዘይድሊ ነቲ ኩነታት ዝተረደአ እወንታዊ ተራኦም ክፃወቱ ንሕና ኣባላት ትእምት ንፅውዕ !
  9. ኣብያተ ምኸሪና ንምፍራስ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣብዘን ኣብያተ ምኽርና ይረአ ዘሎ ኢድ ኣታውነት ንኹንን ! ኣትሪርና ከም ንቃለስ ድማ ቃል ንኣቱ ፡፡
  10. እቲ ኣንፃር ብሄራዊ ሃለዋት ትግራይ ተሰሊፉ ዘሎ ዝጠለመ ጉጅለ ፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ዲያስፖራን ዝርከብ ህዝብና ብድሕረትን ብኸባብን ሓድነቱ ኣብ ምክፍፋል ተፀሚዱ ፀኒሑን ኣሎን ፡፡ ሕዚ ድማ ኣብ ትግራይ ብመልክዕ ሕብራዊ ናዕቢ ህዝብና ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ንምእታው ብግልፂ ይሰርሕ ኣሎ ፡፡ ስለዝኾነ እውን እዚ ዝጠለመ ጉጅለ ነቲ መሰረታዊ ዓቕሚ ትግራይ ዝኾነ ሓድነትናን ስምረትናን ብምብታን ናብ ቅሉዕ ሓደጋ ከእትወና ቆሪፁ ዝተልዓለ ስለዝኾነ እምቢ ንብተና ኢልና ብትረት ንምቅላስን ብሄራዊ ስምረትና ንምድልዳልን ቆሪፅና ተላዒልና ኣለና ፡፡
  11. መሰረታዊ ረብሓታት ትግራይ ንጎኒ ገዲፉን ኣሀጊሩን ፣ ሉእላውነትና ኣብ ትሕቲ ፀላእቲ ህዝብና ኣብ መዓስከርን ስደትን ኮይኑ እናሃለቐ በጀት ህዝብን ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝተለመነ ናይ ለገስቲ ዓድታት ገንዘብን ሰንበት ሰንበት ኣዳራሻት እናፀባበቐን ፀላእቲ ውድብናን ህዝብናን ዝኾኑ ውሕዳትን ተመሳሰልትን ሰባት እናኣከበ ስርዓትን ዓድን ንምፍራስ ከምኡ እውን ክብሪ ምግዳልናን ታሪኸ ውድብናን ፀለሎ ንምልካይ ይካየዱ ዘለዉ ዘይሕጋውን ዘይትግራዋይን መድረኻት ደው ክብሉን ህዝቢ ትግራይ ነዚ ጥልመት ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዓው ኢሉ ክኹንኖን ክቃለሶን ንፅውዕ !
  12. ምብሳር ሽግ ሓርነት ብርታዊ ቃልሲ ህወሓት ለካቲት 11 መበል 50 ዓመት ንፍርቂ ክፍለ ዘበን ንህዝቢ ትግራይ መሪሑ ዘቃለሰ ውድብና ህወሓት ምዃኑ ንመላእ ህዝብና ግልፂ እዩ ፡፡ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀር ካብ ጉባኤ ዝሃደመ ናይ ሕመቕን ክሕደትን ጉጅለ ህወሓት ክኸውን ኣይኽእልን ፡፡ እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እናሃለወ እቲ ካብ ጉባኤ ዝሃደመን ሕዚ ድማ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመን ጉጅለ ብሽም ህወሓትን መንግስትን ብክሕደት ንህወሓት ፣ ክብርታት ህወሓት ፣ ህዝቢ ትግራይን ጠሊሙ እንተብቅዕ ለካቲት 11 ከኽብር እየ እንትብል ንሰምዐ ኣለና ፡፡ እዚ ክሕደትን ምጭብርባርን ደው ክብል እናፀዋዕና ፣ እዚ በዓል ናይ ውድብና ሀወሓት ልደትን ምጅማር ዝተወደበ ቃልሲ ህዝብናን ስለዝኾነ ኣብ ጎኒ መሪሕ ውድብና ህወሓት ኮይና ብድመቀት ከምእነኽብሮ ቃል ንኣቱ ፡፡ እቲ ናይ ክሕደት ጉጅለ ጥልመቱ ከይኣክል ብሽርሒ ተማቒሉ ወርቃዊት በዓልና ንምህሳስን ንምድያንን ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ብትረት ከምአንቃለሶ እውን ቃል ንኣቱ፡፡
  13. ኣብ ወፃኢ ዓዲ ኮይነን ኣብ እዋን መኸተና ኣብ ጎኒ ህዝበን ተሰሊፈን ዓቕሚ መኸተና¸ኮይነን ዝሰርሓ ትካላት ሚድያ ሕዚ እውን ኣብ ጎኒ ህዝበን ተሰሊፈን ጉጅለ ብሄራዊ ክሕድት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍፅሞ ዘሎ ጥልመት ኣብ ምቅላዕ ዝገብርኦ ዘለዋ ፃዕሪ ብሽም ህዝብና እናነኣድና ቃልሰን ኣበርቲዐን ክቕፅላ ንፅውዕ፡፡

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!

ሓደጋ ብሄራዊ ክሕደት፣ ምልክን ብተናን ዝምከት ብመሪሕነት ህወሓት እዩ !

እምቢ ንብሄራዊ ክሕደት! እምቢ ንምልኪ ! እምቢ ንብተና!

ኣባላት ውድብ ህወሓት ትካላት ትእምት
መቐለ
27 ታሕሳስ 2017