ኣብ ከተማ ዓድግራት ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ወፍሪ እምቢታ መናእሰይ ነቲ መድረኽ መሪሑ ዘመያየጠ ምክትል ኣቦ ወንበር ውድብና ህወሓት ብፃይ ኣማኑኤል ኣሰፋ ህዝብና ልኣላዊ ዋንነት ስልጣኑ ብዝንዕቑን ዘነኣእሱን 'ንሕና ኢና ንፈልጠልካ' ዝብሉ ጉጅለ ስልጣኑ ንምምንጣል ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ንዝሓለፈ 50 ዓመት ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተሃነፀ ስርዓት ኣሎ። እዚ ስርዓት ብደምን ዓፅምን ጀጋኑ ዝተሃነፀ ህዝባዊ ስርዓት እዩ ዝበለ ብፃይ ኣማኑኤል፤ ኣብ ከተማ ዓድግራት ህዝቢ ዝመረፆን ዝወከሎን ሕጋዊ ቤት ምኽሪ እናሃለወ ልኣላዊ ዋንነት ስልጣን ህዝቢ ንዒቕካን ኣናኢስካን 'ንሕና ኢና ንፈልጠልካ' ብዝብሉ ውልቀ ሰባት ህዝቢ ስልጣኑ ንምምንጣል ይፍተን ከምዘሎ ሓቢሩ።
ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ብኣቋራጭ ስልጣን ህዝቢ ንምምንጣል ኩሉ ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባራት ይፍፅም ከምዘሎ ብምግላፅ ንህዝቢ ዘእምን ትኽክለኛ ሓሳብ ዘለዎ ዝኾነ ኣካል ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣይፍፅምን ኢሉ።
መናእሰይ ህዝቢ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝበፅሖ ጨፍጫፍን በደልን፣ ምምዝባል፣ ሃፍቱን ጥሪቱን ምስኣኑ ከይኣኽሎ ሕዚ ድማ ነንባዕሉ ከይተኣማመን፣ ሓድነቱ ክልሕልሕን ናብ ጎንፂ ክኣቱን ይግበር ስለዘሎ "ትግራይ ብኸባቢ ፈላልዮም ክበታትንዋ ንዝደልዩ ኣካላት ክትቃለስዎም ኣለኩም ኢሉ።
ተግባር ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ስለዝኾነ ህዝብና ክቃለሶ ድማ ኣዘኻኺሩ።