ዋና ቤትፅሕፈት ህወሓት ንመሐከሚ ኣብ መኸተ ጀኖሳይዳዊ ወራር ዝቖሰሉ ጀጋኑ ዝውዕል 1 ሚልዮን ብር ንኮምሽን ሃርበኛታት ኣረኪቡ
ዋና ቤትፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብምኽንያት መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ልደት ውድብና ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን 11 ለካቲት ንመሐከሚ ኣብ መኸተ ጀኖሳይዳዊ ወራር ዝቖሰሉ ጀጋኑ ዝውዕል 1 ሚልዮን ብር ንኮምሽን ሃርበኛታት ኣረኪቡ፡፡
ሓላፊት ቤትፅሕፈት ውድብና ህወሓትን ኣካቢት ዓብዪ ኮሚቴ ምድላው 11 ለካቲትን ብፂት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄር ኣብ እዋን እቲ ርኽክብ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ እዚ ብሸም 11 ለካቲት ነረክቦ ዘለና ውሱን ሓገዝ ንጉዱኣት ኲናት ሓርበኛታትና ዘለና ክብሪ ንምግላፅ ዝተገበረ እዩ ኢላ፡፡
ናይ ውድብና ናይ ፋይናንስ ፀገም ዝፍለጥ ስለዝኾነ እዚ ነረክቦ ዘለና ሓገዝ ዓብዪ ነገር ኣይኮነን ዝበለት ብፂት ፈትለወርቅ እዚ ውሱን ሓገዝ ሓርበኛታትና ሰላኹም ኣብዚ በፂሕና፣ ሳላኹም ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ክዕገት ክኢሉ፣ ሳላኹም እዩ ውድብ ህወሓት እውን ከም ውድብ ክቕፅል ክኢሉ ዘሎ እሞ እቲ ዝገበርኩሞ ተጋድሎ ኩሉ ግዘ ካብ ሕልናና ከምዘይወፅእን በቢዕለቱ ንዓኹም እናዘከርና ሕደርኹም ንምዕዋት ንሰርሕ ምዃና ምልክት ክኾነና ኢልና ንገብሮ ዘለና እዩ ኢላ፡፡
ተወካሊ ኮምሽን ሓርበኛታት ተጋዳላይ መሓሪ ኣሰፋ ብወገኑ እቲ ውድብ ዘለዎ ፈያናሳዊ ፀገም ከይገደቦ ንሓርበኛታትና መሳኹም ኣለና ኢና ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍ ሓገዝ ምግባሩ ብምምስጋን ከም ኣመራርሓን ከም ውድብን እዚ ሓገዝ ቀፃሊ ከምዘኾን ንኣምን ኢሉ፡፡
እቲ ርኽክብ ዓብዪ ኮሚቴ ምድላው መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ኣብ ዝተረኸበሉ ተኻይዱ ኣሎ፡፡

