
"ከም ህዝቢ ናብ ሓደጋ ምብትታን ከእትውና ዝደልዩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡን ሰላማዊ ቃልስና ክንቅፅል ኢና" ክብሉ ካብ ኩለን ወረዳታት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ዝተወከሉ ኣካላት ገሊፆም።
እቶም ተወከልቲ ብቤት ምኽሪ ዝተመረፁ ደኣ እምበር ምስሌኔታት ኣመሓደርቲ ከምዘይቕበሉ ዝገለፁ እንትኾኑ ህዝቢ እዚ ስለዝበለ ልኡዃት ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ኣብ ባይታ ብምስሌነታቱ ኣቢሉ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ክዘርግ ኩሉ መንገድታት ጥፍኣት ይትግብሩ ምህላዎም ገሊፆም። ነዚ ድማ ከምዝቃለስዎን ኣረዲኦም።
ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ጣብያ ኣዲስኣለም ዝተፈፀመ ተግባር ዝኾነኑ እቶም ተሳተፍቲ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ካብ ፀለመ ዝዘለለ ዝበፅሐ መጉዳእቲ ንህዝቢ እታ ጣብያ ዘይገልፅ ምዃኑ ብምሕባር ገበነኛታት ክሕተቱ ፀዊዖም።
ካብዚ ሓሊፎም እቶም ተሳተፍቲ ቀንዲ መፍትሒ ዉሳነታት ኮንፈረስ ህዝቢ፣ ውሳነታት ኣብያተ ምኽርን ሰራዊት ትግራይን ምትግባር ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ኣብ መወዳእታ እቶም ተወከልቲ ህልው ኩነታት ከባቢኦምን ሕቶ ዝወከሎም ህዝብን ድሕሪ ምቕራብ ምስ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ክዛተዩ ሕቶ ብምቕራቦም ንፅባሕ 18 ለካቲት 2017 ዓ/ም ክዛተዩ ቆፀሮ ሒዞም ኣለው።



