480850738_964151889149101_5168489573455950533_n

"ከም ህዝቢ ናብ ሓደጋ ምብትታን ከእትውና ዝደልዩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡን ሰላማዊ ቃልስና ክንቅፅል ኢና" ክብሉ ካብ ኩለን ወረዳታት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ዝተወከሉ ኣካላት ገሊፆም።

እቶም ተወከልቲ ብቤት ምኽሪ ዝተመረፁ ደኣ እምበር ምስሌኔታት ኣመሓደርቲ ከምዘይቕበሉ ዝገለፁ እንትኾኑ ህዝቢ እዚ ስለዝበለ ልኡዃት ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ኣብ ባይታ ብምስሌነታቱ ኣቢሉ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ክዘርግ ኩሉ መንገድታት ጥፍኣት ይትግብሩ ምህላዎም ገሊፆም። ነዚ ድማ ከምዝቃለስዎን ኣረዲኦም።

ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ጣብያ ኣዲስኣለም ዝተፈፀመ ተግባር ዝኾነኑ እቶም ተሳተፍቲ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ካብ ፀለመ ዝዘለለ ዝበፅሐ መጉዳእቲ ንህዝቢ እታ ጣብያ ዘይገልፅ ምዃኑ ብምሕባር ገበነኛታት ክሕተቱ ፀዊዖም።

ካብዚ ሓሊፎም እቶም ተሳተፍቲ ቀንዲ መፍትሒ ዉሳነታት ኮንፈረስ ህዝቢ፣ ውሳነታት ኣብያተ ምኽርን ሰራዊት ትግራይን ምትግባር ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኣብ መወዳእታ እቶም ተወከልቲ ህልው ኩነታት ከባቢኦምን ሕቶ ዝወከሎም ህዝብን ድሕሪ ምቕራብ ምስ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ክዛተዩ ሕቶ ብምቕራቦም ንፅባሕ 18 ለካቲት 2017 ዓ/ም ክዛተዩ ቆፀሮ ሒዞም ኣለው።

480531082_964151709149119_8294061104500903547_n

480940867_964151779149112_1012841718558561100_n

480787973_964151839149106_6905571785227165843_n

481018822_964152015815755_5921418552797756518_n