ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ዕለት 5 ክሳብ 7 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣኼብኡ ብምስላጥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ፣ ኣብ ጉዳይ ሓራ ዘይወፀ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያን ከም ቦርድ መረፃ ዝበሉ ትካላቱን ኣብ ትግራይ ክፍጠር ዝደልዩዎ ዘለው ኩነታት ኣመልኪቱ ዓሚቕ ዘተ ኣካይዱ፤ መፍትሒታትን ቀፃሊ ኣንፈታት ቃልስን ኣነፂሩ እዩ፡፡

በዚ ኣጋጣሚ ህዝብና፣ ኣባላትና፣ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓና፣ ሓይልታት መኸተን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን እትገብሩዎ ንዘለኹም ድሕነት ትግራይ ናይ ምርግጋፅ ዘይትካእ ተጋድሎን ንእትኸፍሉዎ ዘለኹም መስዋእትን ህወሓት ዘለዎ ልዑል ክብሪ ይገልፅ፡፡ ዕድመ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ዘቑፀረ ውድብኩም ህወሓትን ዕላማታቱን ንኽዕወቱ ብዓብይኡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሕቶ ሃለዋት ወፅዩ እቲ ወትሩ ዝምነዮ ምዕባለ ንኸረጋግፅ ሕድሪ ለካቲት ዓቲርኩም ቃልስኹም ከም እተሕይሉ ህወሓት ይተኣማመን፡፡

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ቀንዲ ሽኻል ቃልሱ ገይሩ እናተጋደለሉ ዝመፅአ ምፍፃም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብፍላይ ድማ ጉዳይ ኣብ ኢድ ሓይልታት ፅንተት ወዲቑ ግዳይ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ዝኸውን ዘሎን ኣብ መዕቖብታት ቁርን ፀሓይን እናተፈራረቑዎ ኣደዳ ጥሜት፣ ሕማም፣ ሞት፣ ዕርቃን፣ ኮታስ ኩሎም ዓይነታት ኣብ ልዕሊ ወዲሰብ ክበፅሑ ዘይግብኦም በደላትን ዝኾነን ህዝቢ ምድሓን ዛጊድ ብዘካየድናዮ ቃልሲ ፍታሕ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ መሪር ሓዘንን ቁጥዐን ይስምዖ፡፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ከይፍፀም ዝገብር ዘሎ መዐንቀፋይ ኣካይዳ መንግስቲ ኢትዮጵያን እዚ ከይፍፀም ተወሳኺ ፀገም ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝቦቐለ ጠላም ሓይሊ እናገበሮ ዝመፅአን ሕዚ እውን ዝቕፅለሉ ዘሎን ተግባር ጥፍኣትን ብመሰረቱ ዝልውጥ ቃልሲ ንምክያድ ብሕራነ ተላዒሉ ኣሎ፡፡ ኣብ ህዝብና ተጀሚሩ ዘሎ ኣብ መሰረታዊ ረብሓታት ትግራይን ተበታቲኑ ዘሎ ህዝባን መሰረት ዝገበረ ወፍሪ “ይኣክል” ትኽክልን እቲ ዝንኣሰ ክግበር ዝግበኦን እንትኸውን ንዚ ዘሐይሉ መፍትሕታትን ኣንፈታትን ብምልላይ እቲ ቃልሲ ፍረ ከፍሪ

ዘኽእል መሪሕነት ንምሃብን ተግባራዊ ንጥፈት ንምክያድን ቆሪፁ ከም ዝተልዓለ ህወሓት የረጋግፅ፡፡

ህወሓት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንፁር ተልእኾ ተዋሂብዎ ንዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክጠናኸር ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናገበረ መፅዩ እዩ፡፡ ብዘይ ውፅኢታዊ ምምሕዳር ድሕነት ትግራይን ህዝባን ምርግጋፅ ኣዝዩ ከም ዝኸብድ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እውን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ጥልመትን ብልሽውናን ነፃ ብዝኾኑ ኣመራርሓ ዳግም ምትዕርራይ ንክግበረሉ ዝተጀመረ ቃልሲን እምቢታን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ክሰርሕ እዩ፡፡

ትግራይ ንምድሓን ዝግበር ቃልሲ ናይ ኩሉ ሓይሊ መኸተ፣ ፈታዊ ህዝቡን ዓዱን ዝኾነ ውዳበን ተሳትፎ ዝጠልብ ምዃኑ ህወሓት ብተደጋጋሚ እናገለፀ መፅዩ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ብስም ሓይልታት መኸተን ዝተፈላለዩ ውዳበታትን ዝግበሩ ዘለው ዕላምኦም ዝስሓቱን ምድሓን ትግራይ ንጎኒ ዝገደፉን ምንቅስቓሳት ክኹነኑ ዝግብኦም እዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ወሳኒ ግጥም ክካየደሉ ዝግባእ ጉዳይ ህልውናን ብሄራዊ ረብሓን ንጎኒ ብምግዳፍ ዘየዛልቕን ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥንን ገበነኛን ንፁህን ኣጃሚልካ ተሓታትነት ብዘየረጋግፅ መልክዑ ናይ ምኻድ ዝንቡዕ ኣረኣእያ ወጊድ ብምባል ህዝብናን መላእ ሓይሊ መኸተን ዝጀመሮ ሰላማዊ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ፡፡ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ዝተሰለፈን ብኣንፃሩ ዝሰርሕን ብማዕረ ዝተኣናገደሉ ኣመኽንዮ ክህሉ የብሉን፡፡ ሕዚ እውን ኩሎም ተቓለስቲ “እምቢ ንሓይልታት ጥልመት፣ ምልክን ብተናን” ክብሉ ይግባእ፡፡

ዓርሞሸሽ ሰራዊት ትግራይ ንክህነፅ ውድብና ህወሓት፣ መንግስቲ ትግራይን ካልኦት ሓይልታት መኸተን ግቡእ መሪሕነት ከም ዝሃቡ፣ ተጋድሎ ከም ዘካየዱን ገዚፍ መስዋእትነት ከም ዝኸፈሉን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ድሕንነት ህዝብና ምስተረጋገፀን ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ምስ ወፅኡን ዲዲኣር ክፍፀም ዘለዎ እኳ እንተኾነ፤ ብሽርሒ ሰራዊት ትግራይ ናይ ምፍራስ ውዲታት ተቐባልነት የብሎምን። ሰራዊት ትግራይ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ካብ ምርግጋፅ ወፅዩ መሳርሒ ውልቀሰባትን ምልኪን ንክኸውን ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ደው ክብል ይግባእ፡፡ ሰራዊት ትግራይ ሕገመንግስቲ ትግራይ ንክኽበር ከይገብር፣ ንሰላምን ሓድነትን ዝዘርጉ ናይ ዕጡቓት ምንቅስቓሳት ስርዓት ከየትሕዝን ሰብኣዊ መሰላት ንክረጋገፁ ከይሰርሕን ከበድቲ ፀቕጥታት ይፍፀሙሉ ከም ዘለዉ ግሁድ እዩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ንፖለቲከኛታት ብጅምላ ብምፅላም ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ምልኪ ኣገዛዝኣ ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ ውልቀ ሰባት ንዕዘብ ኣለና፡፡ ቃልስና ከምዚኦም ንዝበሉ ግጉያት ተግባራት ደው ኣቢሉ ትግራይ ናብ ንቡር ኩነታት ንምምላስ ዘኽእል ንክኸውን ክስራሕ እዩ፡፡

ውዳበታት ተጋሩ ብምድስካል ትግራይ ግዳይ ንምግባር ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ሕዚ እውን ተጠናኺሩ እዩ ዝቕፅል ዘሎ፡፡ ካብዚኣቶም ሓደ ኣብ ጉዳይ ሕጋዊ ኣፍልጦ ውድብና ዝካየድ ዘሎ ሽርሒ እዩ፡፡ ከም ዝፍለጥ ውድብና ፈራሚ ስምምዕ ፕሪቶሪያ እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ግዝያዊ ምምሕዳር ብኣብዝሓ ድምፂ ዘጣየሸ እዩ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ካልኦት ከም ሕብረት ኣፍሪካ ዝበሉ ኣካላት ዘራኽብዎ ጉዳያት እናነጠፈ ዝመፅአ ፖለቲካውን ሕጋውን ኣፍልጥኡ ሕቶ ክልዓለሉ ዘይኽእል ውድብ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝተኸፈተ ፅንተታዊ ኲናት ስዒቡ ንኽምክትን መኸተ ንክመርሕን ብቖራፅነት ዝተጋደለ ሓይሊ ብምዃኑ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ሰብነቱ ኣብ 10 ጥሪ 2013 ዓ.ም ሰሪዝዎ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ እቲ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ህወሓት ከም ዝሓተተ ዝፍለጥ ኮይኑ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ግን ንዚ ሕቶ ንጎኒ ብምግዳፍ ትግራይ ኣብ ዘይተሳተፈትሉ ብዝወፅአ ንቲ ቦርድ ድላዩ ክገብር ስልጣን ብዝህብ ሕጊ “ንህወሓት ካብ ነሓሰ 03፣ 2016 ዓ.ም ጀሚረ መዝጊበዮ ኣለኹ” ከም ዝበለ ዝዝከር እዩ፡፡ እዚ ውሳነ ሽዑ ንሽዑ ብህወሓት ዝተነፀገን እቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ዕልባት ንክግበረሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈልጦ ዝተገበረን እኳ እንተኾነ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ሕጊ ንህወሓት “ጉባኤ ግበር” ዝብል ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሽርሕታት ዝተመልኦም ትእዛዛት ንምሃብ ካብ ምፍታን ክቑጠብ ኣይክኣለን፡፡ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት እዚ ጉዳይ ብዕምቆት ዝዘተየሉ እንትኸውን ብትኽክለኛ ሕግን ፍትሓዊ ከይድን ማለት እውን ንማንም ፓርቲ ብዝሰርሕን ፍትሓዊ ብዝኾነን ሕግን ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያን ዝመፅእ ውሳነ ንምኽባር ኩሉ ግዜ ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊፁ እዩ፡፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምእላይ ተጀሚሮም ዘለዉ ዝርርባት ንምቕፃል እውን ብትኹረት እናሰርሐ እዩ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ንዝመፅእን ንመኸተን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ዘራኽሱን በይናዊ ውሳነታትን ትእዛዛትን ግን ሎሚ ይኹን ፅባሕ ከምዘይቕበል የረጋግፅ፡፡

ውድብ ህወሓት ኩሉ ግዜ ተምሃራይ ውድብ እዩ፡፡ ኣብ ኣድላይነት ለውጥን ንትግራይ ዘድሕኑ ስትራቴጂታትን ናይ ሓሳብ ንፅረት ዘለዎ እዩ፡፡ ቅድሚ ኩሉ ሓድነት ህዝብና ምድልዳል፣ ወሰንቲ ትሕዝቶታት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምፍፃም፣ ሓይልታት መኸተ ምጥንኻርን ፀጥታዊ ዓቕሚ ምህናፅን፣ ስራሕቲ ሕውየትን ዳግመ-ህንፀትን ምስላጥ፣ ንምምሕዳርና ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ውዳበታትና ምጥንኻር፣ ህንፀት ትካላት ምስላጥ፣ ከባቢያዊ ሰላም ምጥንኻር፣ ፍትሒ፣ ልዕልነት ሕግን መሰላትን ምርግጋፅ፣ ርክባትን ዓለምለኸ ተደማፅነትን ምሕያልን ትግራይ ካብቲ ሕዚ ኣትያቶ ዘላ ፀገም ንምውፃእ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ህዝብና ዝብህጎ ኩለመዳያዊ ልምዓት ንምርግጋፅ እውን ወሰንቲ ስትራቴጂታት ከም ዝኾኑ ብምእማን ዘይተኣደነ መጥቃዕቲ እናበፅሖ ድንብርፅ ከይበለ ዝቃለስ ዘሎ ውድብ እዩ፡፡ ሓቀኛን ህዝባውን ቃልሲ ክሳብ ዘካየደ ድማ ከም ዝዕወት ዘጠራጥር የብሉን፡፡ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ብምፅባእ ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣብ ትግራይ ሕግን ስርዓትን ከይህሉ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ግሁድ እዩ፡፡ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ሃደሽደሽ ብዘብል መልክዑ ስልጣን ኣብያተ ምኽሪ ብምሕዳግ ፍፁም ስርዓት ኣልቦነት ንክፍጠር ይወፍሩ ኣለዉ፡፡ ሕዚ እውን እንተኾነ መድሕን ውልቀሰብ ይኹን ህዝቢ ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ብኣብያተ ምኽሪ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ንክሕይልን ልዕልና ሕጊ ንክረጋገፅን መላእ ህዝብናን ምስ ህዝቦም ዝወገኑ ሓይልታትን ዝክኣሎም ኩሉ ዓይነት ሕጋዊ ምንቅስቓስ ንክገብሩ ህወሓት ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ናይ መሪሕነትን ተግባርን ግዲኡ ከም ዝፃወት የረጋግፅ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ተደናጊሩ ዘላቒ ረብሕኡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ንከውርድ ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት ኣብ ምግባር ዝርከቡ ኣካላት ኣለው፡፡ ካብቶም ንምድንጋር ዝቐርቡ ጉዳያት ምጥያሽ ኣማኻሪ “ካውንስል” ዝምልከት እዩ፡፡ ብርግፅ መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓላፍነቶም ብትኽክል እንተዝዋፅኡ ነይሮም ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባ ብመረፃ ብድሌቱ ዘጣይሾ ቤት ምኽርን መንግስትን ድኣ እምበር ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ኣጀንዳታት ክዘራረብ ኣይምተገበኦን

ነይሩ፡፡ ህወሓት ካብ ሰናይ ጒሓቱ ጀሚሩ ረብሓ ትግራይ ዘረጋግፅ ወይ ንምርግጋፅ ዝሕግዝን ፍትሓዊ ዝኾነን ንካውንስል ሓዊሱ ዝኾነ ዓይነት ውዳበ ብሓንጎፋይ ከም ዝቕበል ፍሉጥ እዩ፡፡ ይኹን እምበር እቲ ሕዚ “ካውንስል” ተባሂሉ ዝቐርብ ዘሎ ንህዝቢ ዘግለለ፤ ተልእኾታቱን ኣሳታፋይነቱን ሽግር ዘለዎን ብምዃኑ ህወሓት ናይ ከምዚ ዝበለ ኣወዳድባ ኣካል ክኸውን ከምዘይኽእል ንኹሉ ግልፂ ክገብር ይደሊ፡፡

ኣብ መወዳእታ፤ ህወሓት ትማሊ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ፀገማት ተጋሩ ብተጋሩ ክፍትሑ ዝኽእሉን ዝግብኦምን እዮም ኢሉ ከም ዝኣምን ይምልከተኒ እዩ ንዝብል ኩሉ ክገልፅ ይፈቱ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ መዳይ ምስ ኩሎም ደቂ ትግራይን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ሓቢሩ ንምስራሕ ዘለዎ ቅርቡነት ሕዚ እውን ደጊሙ ከረጋግፅ ይደሊ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብቕኑዕ ልቦና ክፍፅምን ካብ ዘይግባእ ኢድ ምትእትታው ተቖጢቡ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ክሰርሕን ፃውዒትና ነቕርብ፡፡

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!

ለካቲት 11 ንዘላቒ ዓወት!

8 ጥሪ 2017 ዓ.ም

መቐለ፣ ትግራይ

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ስሩዕ ኣኼብኡ የካይድ ኣሎ።

473337954_1212411340248145_8757711152466660408_n

473357221_1212411426914803_333892498785744125_n

473222740_1212411433581469_165568304425747895_n

473379633_1212411430248136_1723942911583094180_n