ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ሓርበኛታት፣ ስድራ ስውኣትን መናእሰይን ተረባሕቲ ዝገብሩ ፕሮጀክታት ልምዓት ነቲ ሕሉፍ ብዘከሓሕስ መልክዑ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ፡፡
ዶ/ር ረዳኢ በርሀ ሎሚ ምስ ካብ 33 ጣብያታት እታ ኸተማ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ኣብ ህልው ፓለቲካዊ ኩነታት ትግራይ፣ መናእሰይ ኣንፃር ብሄራዊ ክሕደት ዘካይድዎን ዘካይድዎ ዘለውን ቃልሲ፣ ኣብ ተጠቃምነት መናእሰይ ከምኡ እውን መናእሰይ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ፀጥታን ክህልዎም ዝግባእ እጃምን ቀፃሊ ኣንፈትን መሰረት ጌሩ ኣብ ዝመኽረሉ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ መበገሲ ምይይጥ፤መናእሰይ ከተማ መቐለ ከም ህዝቢ ህልውናና ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ኣብ ዝተኣወጀ ሕብራዊ ናዕቢ ነቲ በቢእዋኑ ኣጀንዳታት ብምቅይያር ዝግበር ዝነበረ ጎሰጓስ ብምንፃግን ብምቅላስን ክብርዕን ንዝነበረኩም ወሳኒ ተራ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ይንእድን የመስግንን ኢሎም፡፡
ትግራይ ናይዚ መንእሰይ እያ ዝበሉ ከንቲባ ዶ/ር ረዳኢ እዚ መድረኽ ኣብቶም ተጀሚሮም ዘይተዛዘሙ ፕሮጀክትታን ቀፀልቲ ዝሓዝናዮም መደባትን መሰረት ጌርና ምስ መናእሰይና ክንመኻኸር ዝፀዋዕናዮ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ቀፀልቲ ኣዋርሕ ነቲ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ብዘከሓሕስ ቀትርን ለይትን ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ ሓርበኛታት፣ ስድራ ስውኣትን መናእሰይን ተረባሕቲ ዝገብሩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ተታሒዞም ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡
ኣብ ተጠቃምነት መናእሰይ ስራሓቲ ኮብልስቶንን ጋራጋንትን ከምዝጅምሩ ብምግላፅ ካብ ሰራዊት ዝተመለሱ ፣ ስድራ ስውኣትን ጉድኣት ኣካልን መንበሪ ንምዕዳል ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡
ካብ 1996 ዓ/ም ጀሚረን ናብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝኣተዋ ጣብያታት ዘሎ መጠሻ ዝሓትት መንእሰይ ክሳብ ሚያዝያ መጠሻ ክረከብ ትልሚ ተታሒዙ ከምዝነበረ ብምግለፅ እንተተኻኢሉ በቲ ዝተተሓዘሉ እዋን ክውዳእ ተዘይተኻኢሉ ድማ ኣብዚ ዓመት ናይ ኤልዲፒ ስርሓቲን መጠሻን ክውዳእ ክንረባረብ ኢና ኢሎም፡፡
ምስ ኮምሽን ሓርበኛታት ብምትሕብባር ን4200 ስድራ ስውኣት ኣብ ኩለን ክፈላተ ከተማ ናይ መንበሪ መሬት ክንህብ ኣብ ምድላው ኣለና ዝበሉ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ ኣካል ጉድኣትን ተመለስቲ ሓርበኛታትን ብፍትሓዊ መንገዲ ሕግን ኣሰራርሓን ተኸቲልና ኣብ ዝሓፀረ እዋን መንበሪ ንኽረኽቡ ክግበር እዩ ኢሎም፡፡
እዚ መንእሰይ እናሃለወ ኣብ ከተማ መቐለ ስግኣት ፀጥታ ክህሉ ከምዘይግባእ ብምግላፅ ኣብ መቐለ ዘሎ ስግኣት ፀጥታ መንእሰይና ምስ ኣካላት ፀጥታ ተዋዲዱ ጠጠው ከብልዎ ይግባእ ኢሎም፡፡
እቲ ሕዚ ዘሎ ፀገም ፀጥታ መናእሰይ ስለ ዘይተሳተፍሉን ኮሚኒቲ ፖሊስን ማሕበረሰብ ፎረምን ብውልቀ ሰባት ክፈርሳ ስለዝተገበረን እዩ ዝበሉ ዶ/ር ረዳኢ እዚ መንእሰይ ምስ ዘሎ ናይ ፀጥታ ኣካልና ተዋዲዱ ብምንቅስቓስ ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚርና ስግኣት ፀጥታ ከተማ መቐለ ጠጠው ክነብሎ ይግባእ ኢሎም፡፡
ሕዚ እውን ኮነ ተባሂሉ ህዝብና ከይረጋጋዕ መሰረት ዘይብሎም ወረታት ብምንዛሕ ኣብ መሰረታዊ ሸቐጣት ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ትኽክል ከምዘይኮነን ነዚ ተበሊፆም ዋጋ ዝውስኹ ነጋዶ ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ከምዝግባእን ብምትሕስሳብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ቁፅፅር ከምዘካይድ ገሊፆም፡፡
ድሕሪ ደጊም ዘድልየና ሰላም፣ ልምዓትን ሓድነትን ብምዃኑ ከም ትግራይ ተርኒዕና ክንወፅእ ብሓድነት ክንንቀሳቐስ ይግባእ እውን ኢሎም፡፡

