ኣምባሳደራትን ልኡኻትን ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብና ህወሓት ዘትዮም።

ኣምባሳደራትን ኣብ ዝተፈላለየ ብርክታት ሓላፍነት ዝሰርሑ ዲፕሎማሰኛታትን ዓባይ ብሪታንያ ፣ ኣሜሪካ፣ ጀርመን፣ ጣልያን፣ ፈረንሳይ፣ ዴንማርክን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ህልዊ ፓለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያን ኣድሂቦም ምስ ኣቦወንበር ውድብና ህወሓት ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ምክትል ኣቦወንበር ውድብና ብፃይ ኣማኒኤል ኣሰፋን ሓላፊት ቤትፅሕፈት ውድብና ብፂት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄርን ዘትዮም።

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ኣመራርሓ ውድብና ስምምዕ ፕሪቶርያ ዛጊድ ብዘይምትግባሩ ስቓይ፣ ሞትን ምንግልታዕን ህዝቢ ትግራይ ቀፂሉ ከምዘሎ ነቶም ኣምባሳደራት ገሊፆምሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ንዘላቒ ሰላም ወሳኒ ምዃኑን ህዝብና ብሰንኪ እቲ ስምምዕ ዘይምትግባሩ ኣብ መዕቖቢ ማእኸላትን ስደትን ብጥሜትን ሕማምን ይሃልቕን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ክይኑ ይሳቐን ከምዘሎ ብምግላፅ እዚ ፀገም ከብቅዕ ይግባእ ኢሎም።

ወረርቲ ሓይልታት ዛጊድ ካብ መሬት ትግራይ ከምዘይወፁ፣ ዝተፈናቐለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ከም ዘይክኣለ፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ክንድዝግባእ ከም ዘይተጀመረን ብምግላፅ መንግስቲ ኢ/ያ ብዝኣተዎ ስምምዕ መሰረት ነቲ ውዕሊ ከተግብርን ንውሑስ ሰላም ብቕንዕና ክሰርሕን ማሕበረሰብ ዓለም እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ ኢሎም።

d

a

f

477430845_1231854681637144_5764847734797637567_n