ንትግራይ ዘግለለ ዛዕባ ትግራይ ብኣግኡ ክእረም ይግባእ
ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተበፅሐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ድምፂ ቶኽሲ ከብቅዕ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንዘላቒ ሰላም ባይታ ከንፅፍን ከመቻቹን ዕላማ ጌሩ ዝተበፅሐ ስምምዕ ምዃኑ ኣብ ዓንቀፅ ሓደ ተቐሚጡ ይርከብ፡፡ ህዝቢ ትግራይን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን እውን ብመሰረት እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕን ዝፀንሐ ኣብ ሰላም ዘለዎም ዘይነቓነቕ ቅዋምን እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ዘላቒ ምቁራፅ ቶኽሲ ናብ ዘላቒ ሰላም ክሰጋገር ልዕሊ ግቡእ ትዕግስቲ ጌሮም ዋጋ እናኸፈሉ ንሰላም ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብኣንፃሩ ነቲ ስምምዕ መቐፀልታ ዝጀመሮ ጀኖሳይድ ይጥቀመሉ ኣሎ፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ዝቕፅል ዘሎ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ ጠጠው ክብል ብኣግኡ ሓላፍነቱ ብዘይምውፅኡ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ካብ ዘይምትግባር ሓሊፉ ብግልፂ ናብ ምጥሓስ ካብ ዝሰጋገር ፀኒሑ ኣሎ፡፡
እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኢርቪን ማሲንጋ ኣብቲ ዝዛዘምናዮ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝገበርዎ ዑደትን ድሕሪ እቲ ዑደት ዝሃብዎ መግለፅን ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ክፍፀም ዝፀንሐን ዝፍፀም ዘሎን ጀኖሳይድ ኣብ ግምት ዘየእትወን ስቓይን መከራን ህዝብና ዘየገናዘበን እዩ፡፡
ኣሜሪካ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኽፍረምን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ከብቅዕን ዝገበረቶ ፃዕሪ ዝነኣድ እዩ፡፡ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እዚ ዝተበፅሐ ስምምዕ ክፍፀም ኣሜሪካን ካልኦት እቲ ስምምዕ ክፍፀም ፃዕሪ ዝገበራ ሃገራትን እጃመን ክዋፅኣ ኣብ ዝምሕፀንሉ እዋን እቶም ኣምባሳደር ዝገበርዎ ዑደትን ዝሃብዎ መግለፅን ሃገሮም ኣብ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ንዘቕረበቶ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ምፅፃይ ዓሌት /ethnic cleansing/ https://edition.cnn.com/.../blinken-tigray-ethnic-cleansing? ክምኡ እውን ከምኒ ኣሜኔሰቲ ኢንተርናሽናል ዝበሉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰል ዘውፅዎ ፀብፃባት https://www.amnesty.org/.../ethiopia-new-wave-of.../? ኣብ ግምት ዘየእተወን ንፈፀምቲ እዚ ተግባር ኣፍልጦ ዝህብን እዩ፡፡
ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ምምላስ ተመዛበልቲ ኮነ ካልኦት ዝፍፀሙ ተግባራት ብኣፍለጦ ክልቲኦም ተፈራረምቲ ኣካላት እምበር ብተናፀል ዝምራሕ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ኣምባሳደር ማሲንጋ ሃገሮም መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝመርሖ ምምላስ ተመዛበልቲ ክምትድግፍ ዘቐመጥዎ ኣገላልፃ ካብቲ ስምምዕ ወፃኢ ዝኾነ ኣካይዳ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ፡፡ ጉዳይ ውሑስ ምምላስ ተመዛበልቲ ክልቲኦም ተስማዕማዕቲ ኣካላት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝፍፅምዎ እምበር እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ብምምራሕ ዝፍፀም ኣይኮነን፡፡ እቲ ተመዛበልቲ ከይምለሱ ሓዊሱ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከይፍፀም ዘዐንቅፍ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ተግባሩ ክቑጠብ ፀቕጢ ክግበረሉ እምበር ካብቲ ስምምዕ ወፃኢ ተወሳኺ ሓላፍነት ዝህብ ኣገላልፃ ንሞትን ስቓይን ኣብ ትሕቲ ወረርትን ኣብ ማእኸላት መዕቖቢን ዝነብር ዘሎ ህዝብና ምንዋሕ እዩ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣምባሳደር ማሲንጋ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ምዕራብ ትግራይ ዝብል ኣገላልፃ ንዘይምጥቃም ዝኸድዎ ርሕቐት ትኽክል ኣይኮነን፡፡ ሑመራ ኣካል ምዕራብ ትግራይ ዝኾነት ሓንቲ ከተማ እያ፡፡ እቲ ዛዕባ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ስለዝኾነ ንሕገመንግስታዊ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ብዘኽበረ ኣገላልፃ ክግለፅ ይግባእ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን ነቶም ምዕራብ ትግራይ ወሪሮም ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኩሉ ዓይነት ገበናት ዝፈፀሙን ይፍፅሙ ዘለዉን ገበነኛታት ኣፍልጦ ብዝህብ መልክዑ ዝቐረበ ኣገላልፃ ምስቲ ኣሜሪካ ጠጠው ዝበለትሉ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝቃዶ እዩ ኢልና ኣይንሓስብን፡፡
ኣብ መወዳእታ ኣምባሳደር ኢርቪን ማሲንጋ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍፀምን ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ ህዝቢ ትግራይ ከብቅዕን ታሪኻዊ እጃሞም ከምዘዋፅኡ ብምትእምማን ትግራይ ኣግሊልካ ዝግበር ምንቅስቓስ ንመትከላት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ተወሳኺ ዕድል ዝፈጥርን ብምዃኑ ብኣግኡ ክእረም ይግባእ ንብል፡፡
ብሄራዊ ሓድነት ንምኽባር ሉእላውነት
ዘለኣለማዊ ዝኽርን መጎስን ንስውኣትና!