ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሳወር ዘሎ ካሊእ ዙር ደማዊ ኲናት ደው ይበል! - ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ንሰላም ካብ ዘለዎም ዘይንቕነቕ መትከል ዋጋ እናኸፈሉ እውን እንተኾነ ኩሎም ኣፈላላያት ብዝርርብን ሰለማዊ መንገድን ክፍትሑ ክሰርሑን ክምሕፀኑን ፀኒሖምን ኣለውን። ቅድሚ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ እንትእወጅ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ መፍትሒ ክኾን ከምዘይኽእልን ኩሎም ኣፈላላያት ብሰለማዊ ፓለቲካዊ ዘተ ክፍትሑ ከምዘለዎምን ብምእማን ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብሩ ፀኒሖም እዮም። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ክባር ዋጋ እናኸፈሉ ንሰላምን ዝርርብን ቀዳምነት ብምሃብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍፀም፣ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ክፅዋዕን ህልው ኩነታትን ከይድን እቲ ስምምዕ ክግምግም ብተደጋጋሚ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።

ብኣንፃሩ ድማ እቲ ብዝወደቦምን ዘዋፍሮምን ዕጡቓት ኣርብዓ ሚኢታዊ ሕገመንግስታዊ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ወሪሩ ብምሓዝ ህዝብና ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ክሃልቕ ዝገብር ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣተዎ ስምምዕ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝጀመሮ ጀኖሳይድ ዘቐፅሉ ተግባራት ክፍፅም ፀኒሑ እዩ። መቐፀልታ እዚ ተግባሩ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን ሰለማዊ ህዝብናን ቶኽሲ ብምኽፋት ብሰማይን መሬትን ብዝፈፀሞ ደብዳብ ሂወት ወገናትና ስኢና ኢና።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዚ ድማ መጠነ ሰፊሕ ናይ ኣፅዋርን ሰራዊትን ምንቅስቓስ ብምግባር ገዚፍ ወታደራዊ ዓቕሙ ናብ ትግራይ ብምፅጋዕ ናብ ካሊእ ዙር ደማዊ ኩናት ንምእታው ኣብ ምህንዳድ ይርከብ። ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራፅ ቶኽሲ ናብ ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ክሰጋገር ብዘይምርብራብ ክቃለሱ ፀኒሖም እዮም። ሕዚ እውን እዚ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ ወታደራዊ ምድላዋት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ኢሉ፤ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ልዝብ ክእቶ እምበር ናብ ካሊእ ደማዊ ኩናት ክኣትው ፍፁም ድሌት የብሎምን።

ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ብህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክኽበር ዝግበር ዝነበረ ፃውዒት ፀማም እዝኒ ክህቦ ፀኒሑ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪካን ኣሜሪካን ነቲ ሕዚ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቶም ዘውፅእዎ መተሓሳሰቢ ፅቡቕ ጅማሮ ኮይኑ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ መተሓሳሰቢ ዝሰገረ ጭቡጥ ምንቅስቓስ ብምግባር እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሳወር ዘሎ ካሊእ ዙር ደማዊ ኲናት ጠጠው ክብል እጃሞም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ክነዘኻኽር ንፈቱ።

ብሄራዊ ሓድነት ንምውሓስ ሉእላውነት!

ዘለኣለማዊ ዝኽርን መጎስን ንስውኣትና!