ኣብ መኽፈቲ መድረኽ ወፍሪ እምቢታ ነባር ዓቕሚ ከተማ ውቕሮ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ተጋዳሊት ኪሮስ ሓጎስ ዘልዐለቶም ቀንዲ ነጥብታት፦
- እምቢታ ማለት ኲናት ምእዋጅ ማለት ኣይኮነን። እምቢ ንብል ዘለና ንብሄራዊ ክሕደት እዩ። እዚ ማለት ብሄራዊ ረብሓናን ክብርናን ኣሕሊፍና ክንህብ ስለዘይብልናን በዚ ዝደራደር ኣካል ኣይንቕበልን ማለት እዩ።
- "ትማሊ ዕድመን ፆታን ከይፈለየ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ዕላማ ምስ ናይ ደገን ውሽጥን ሓይልታት ተሻሪኹ ንድሕሪት ክምልስ ንዝደሊ ሓይሊ ኣይንቕበልን" ኢና ንብል ዘለና። "ትኽክል ኣይኮነን ህዝብና ፍለጦ ውዳበታትና ፍለጥዎ" ኢና ንብል ዘለና። "ብሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን እምበር ብናይ ውልቀ ምልኪ ኣይንግዛእን ከምዚ ዓይነት ስርዓት ዘይብሉ ኣካይዳ ኣይንቕበልን። እዚ ምቅዋም ኲናት ምፅዋዕ ኣይኮነን። ናይ ህዝብታት ውሳነ ይከበር" ኢና ዝበልና።
- እምቢ ንብተና እንትንብል ፀላእቲ ንህዝቢ ትግራይ ብኲናት ከፅንትዎ ፈቲኖም ኣይኮነሎምን። መሪሕነቱ ኣፍሪሶም ህዝቢ ትግራይ ንምብታን ብኸባብያውነት እናለዓዓሉን እናመቓቐሉን ናብ ጎንፂ ከእትዉዎ ይሰርሑ ኣለዉ። ነዚ ኢና እምቢ ንብሎ ዘለና።
- በቢእዋኑ ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ክብሩ ኣሕሊፉ ዘይሃበ ቁፅሩ ስለዝበዝሐ ወይ ካብቶም ፀላእቲ ንላዕሊ ኣፅዋር ስለዝነበሮ ኣይኮነን። ዋና ምሽጥር ዓወቱ ሓድነቱን ጠንካራ መሪሕ ምርካቡን እዩ። ነዘን ዓቕምታት ህዝቢ ትግራይ ከፍርሱ እዮም ብከባቢ ዝኸፋፍልዎ ዘለው። ነዚ ከም ፕሮጀክት ሒዞም እዮም ዝሰርሕሉ ዘለው። እዞም ፀላእቲ ፈለማ ነቲ መሪሕ ንበትን እሞ ቀፂልና ድማ ነቲ ህዝቢ ብከባቢ እናኸፋፈልና ንበትኖ ኢሎም ይሰርሑ ኣለው።
- ህወሓት ኣብ ውሽጢ 50 ዓመት ብዙሓት ፈተናታት እናጋጠምዎ መፂኦም እዮም። ናይ ሎሚ ግን ካብ ውሽጢ እውን ዝጠለመ ጉጅለ ናይ ደገ ኢድ ምትእትታው እውን ዝነበሮ ብምዃኑ ከቢድ ናይ ምጥፋእን ምብትታንን ሓደጋ ዘውድቕን ከቢድን ገይሩዎ።
- እቲ ካብ ህወሓት ተነፂሉ ዝወፀ ጉጅለ ብህዝበኝነት፣ ብግዕዝይና፣ ብክሕደት፣ ስርቂ፣ ድሕረትን ከባብያውነትን ዝተገምገመ እዩ። ስለዝኾነ ከዓ ብጉባኤ ካብቲ ውድብ ክባረር ተወሲኑ፤ መተካእታ እውን ተገይሩሉ።
- እቲ ዝጠለመ ጉጅለ ኩሎም ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ናይ ሰራዊትና ምሽጥራት ከይተረፈ ኣሕሊፉ ዝሃበ እዩ። ትካላትና ዘፍርስ ዘሎ እዩ። ብከባቢ እናኸፋፈለ ሓድነትና ክዘርግን ናብ ህውከትን ዕግርግርን ንክነኣቱ ውሽጣ ውሽጢ ብዙሕ ይሰርሕ ኣሎ።
- እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ህዝባዊ ልኡኹ ክፍፅም ኣይከኣለን። ኣብ ምሕደራ ፋይናንስ ግልፅነትን ተሓታትነትን የለን። ምንጩ ዘይፍለጥ ሃፍቲ ኣሎ።
- ስለዚ እቲ ጥልመትን ብሄራዊ ክሕደትን ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በፂሑ ስለዘሎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ይኣቱ ከምዘሎ ፈሊጡ ክቃለሶ ኣለዎ። ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ፀገማት በቢግዚኡ እናኣረመ ቖቛሕ ኮይኑ ነቲ ኩነታት በቢእዋኑ እናገምገመ ኣብ ጎኒ ውድቡ ህወሓት ኮይኑ ከመዓራርዮ ይግባእ። ከምህዝቢ ናብ ከቢድ ሓደጋ እናኣተና ሱቕ ኢሉ ክርኢ የብሉን። ብሰላማዊ ቃልሲ ዝግበር ክሉ ክገብር ኣለዎ።