ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት - ህፁፅ ዘላቒ መፍትሒ ዝጠልብ ዘሎ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ
ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ዝርከብ ህዝብና ከም ህዝቢ ከይበረሰ ህፁፅ ዘላቒ መፍትሒ ክግበረሉ ወግሐ ፀብሐ ይሓትት ኣሎ። እዚ በቢመዓልቱ ብጥሜትን ሕማምን ዝሃልቕ ዘሎ ህዝቢ ምስቲ በቢእዋኑ እናነከየ ዝኸድ ዘሎ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝን ኮነ ተባሂሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ክልከላ ነዳድን መሰረታዊ ሸቐጣትን ተወሲኽዎ ናብርኡ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ተሰጋጊሩ ኣሎ። በዚ እውን ህዝብና ካብዚ ንላዕሊ ምፅባይ ከም ህዝቢ ምህላቕ ስለዝኾነ ውሕስንኡ ተሓልዩ ብህፁፅ ናብ መረበቱ ክምለስ ይምሕፀን ኣሎ።
ህዝብና ኮነ ውድብና ህወሓት ንሰላማዊ ፍታሕ ካብ ዘለዎም ፅኑዕ ቅዋም ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትግበርን ህዝብና ውሕስንኡ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ክምለስን ዋጋ እናኸፈሉ እውን እንተኾነ ብትዕግስቲ ይሓቱ ኣለው።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ንሱ ዘዋፈሮም ወረርቲ ሓይልታትን ድማ ብኣንፃሩ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዝጥሕሱን ዝጀመርዎ ጀኖሳይድ ክቕፅል ኣብ ዘኽእሉ ተግባራትን ተፀሚዶም ይርከቡ። ናይዚ ተግባር መቐፀልታ ድማ ኣካል እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝፈፀምዎ ጀኖሳይድ ትግራዋይ መንነት ገበን ኮይኑ ንህዝብና ብኣልማሚት ይኸስዎ ኣለው። እዚ ተግባር በቲ ሓደ ገፅ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ እናበፅሖ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝፀንሐ ህዝቢ ምኽንያት ጌርካ ንምስቓይን ጠቕሊሉ ካብ መረበቱ ክወፅእ ንምግባር እንትኾን በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ነቲ ሎሚ ዶ ፅባሕ ዘላቒ ፍታሕ ይረክብ ኢሉ ዝፅበ ዘሎ ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ዝርከብ ህዝብና ተስፋ ንምቑራፅ ዝግበር ዘሎ ኣረሜናዊ ምንቅስቓስ እዩ። ጎና ጎኒ እዚ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ብምድንጋር ኣቢልካ ድምፂ ስቓይ ህዝብና ንምኽዋልን ዝጀመርዎ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ ንምቕፃልን ከም ስልቲ ብምሕንፃፅ ምስ ሓደ ሓደ ከደዓት ተጋሩ ተዋዲዶም ኣብ ምጭብርባር ይርከቡ። ህዝብና እዚ ብዋጋ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምጭብርባር ጠጠው ይበል ይብል ኣሎ። ከም ህዝቢ እናረኣና ክንበርስ ኣይግበኣን ይብል ኣሎ። ጠወርቲ እምበር ተጠወርቲ ኣይነበርናን ብሕማምን ጥሜትን ከይሃለቕና ውሕስናና ተሓልዩ ብህፁፅ ናብ መረበትና ክንምለስ ይግባእ ይብል ኣሎ።
ስለዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብዚ ልሙድ ስልቲ ምጭብርባር ወፅዩ ዝፍፅሞ ዘሎ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ ጠጠው ብምባል ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘዋፈሮም ዕጡቓትን ኣባይቲ፣ ንብረትን ሕርሻን ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ዝወረሱ ሰፈርቲን ብህፁፅ ከውፅኦም ይግባእ። ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝቐፀለ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ ከብቅዕ እቲ ዘላቒ ፍታሕ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ሕገመንግስታዊ ሉእላውነት ትግራይ ውሑስ ኮይኑ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም እንትምለሱ ምዃኑ ኣብ ግምት ዘእተወ ፀቕጢ ክገብር ይግባእ ንብል።
ብሄራዊ ሓድነት ንምውሓስ ሉእላውነት!
ዘለኣለማዊ ዝኽርን መጎስን ንስውኣትና!