መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፍትሓዊ ሕቶ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ብኻልኦት ናይ ፈጠራ ኣጀንዳታት ብምኽዋል ትማሊ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ካብ ዝፍፅምዎ በደል ከይተጠዓሱ ሕዚ እውን ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ኣለዉ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኮነ መሪሕ ውድቡ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ኩሉ ቀዳምነታት ቀዳማይ ኣጀንደኦም ምድሓን ብሰላሕታ ዝፀንት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ህዝብና መልክዑ ካብ ዝቐየረ ጀኖሳይድ ይድሓን፣ ህዝብና ናይ ምንባር መሰሉ ይተሓሎ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ይውፃእ፣ ብሓይሊ ክፈናቐል ዝተገበረ ህዝብና ውሕስንኡ ብዘረገጋፀ መንገዲ ናብ መረበቱ ይመለስ፣ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ይከበር ዝብል ሕቶ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ መንቀሊ ኲናት ክኾን ኣይኽእልን።
ህዝቢ ትግራይ ኮነ መሪሕ ውድቡ ህወሓት ድሌቶም ሰላምን ሰላምን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝገለፅዎን ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ትግራይ መፅዮም ዝነበሩ ልኡኻት ጉባኤ ሃይማኖታት ኢትዮጵያ እውን ዘለዎም ትዕዝብቲ ተመሳሳሊ ምዃኑ ሓቢሮም እዮም። እቲ ኣብ ባይታ ዝረኸብዎ ሓቂ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝንዛሕ ዘሎ ፕሮፖጋንዳ ኣነፃፂሮም ፍፁም ናይ ክልተ ጫፋት ኮይኑ ከምዘፀንሖም እውን ብኣንደበቶም ገሊፆም እዮም። እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ ግን ሕዚ እውን ፖለቲካውን ወታደራውን መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍርራሕ ተፀሚዶም ኣለዉ። እዞም ምፍርራሓት በቲ ሓደ መልክዕ ባዕሎም ንዝሓሰብዎ ቀፃሊ ጥፍኣት ንትግራይ ከም ምኽንያት ጌርካ ንምቕራብ እንትኾን በቲ ካሊእ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ካብቲ ቀንዲ ዋኒን ኣውፂኻ ኣብ ጓል መንገዲ ንምፅማድ ዝመሃዝ ዘሎ እዩ። እንተኾነ ግን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን፤ ሎሚ ይኹን ፅባሕ እውን ዝቕፅል መትከል ኩሎም ኣፈላላያት ብሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምፍታሕ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ እዩ። በዞም በቢዕለቱ ዝንዝሑ ዘለዉ ናይ ከውሊ ኣጀንዳታት ካብቲ ቀንዲ ዋኒና ኣይንወፅን፡፡ ንሕና ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ብጥይት ወረርቲ፣ ጥሜትን ሕማምን ሂወት ወገናትና ኣብ ንኸፍለሉ እዋን ኮይና ደድሕሪ እቶም ናይ ሸፈጥ ኣጀንዳታት ኣይንስዕብን። ሕዚ እውን ሽኻልና መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ዝኣተዎ ውዕል ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍፅምን ሞትን ስቓይን ህዝብና ከብቅዕን ምቅላስ እዩ።
ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝኣተውዎ ውዕል ፕሪቶርያ ክፍፅሙ ዓቐብ ዝኾኖም መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ጥፍኣት ሴፎም ኣብ ምውጥዋጥ ይርከቡ። ህዝቢ ትግራይ ኣትይዎ ንዘሎ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ምኽንያት ኮይኖም ከብቅዑ ኣብ ክንዲ ንሕውየት እዚ ዝተበደለ ህዝቢ ምስራሕ ሕዚ እውን ኣብ ባይታ ትግራይ ዘየለ ናይ ኲናት ኣጀንዳ ብምልዓል ንህዝቢ ትግራይ ካብ ቀንዲ ዋኒኑ ኣውፂኻ ነቲ ዝቕፅል ዘሎ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ ብሜላ ንምቕፃል ዝግበር ዘሎ ናይ ጭካነ ኣካይዳ እዩ።
ህዝብና እዚ ካብ ኣጀንዳና ንምውፃእ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብኣጋ ብምርዳእ ኩሎም ዓቕምታትካ ንምድኻም ዝግበሩ ካብ ውሽጢ ክሳብ ደገ ዝተዋደዱ ምንቅስቓሳት ከም ቀደምካ ብምፍሻል ቃልስኻ ኣጠናኺርካ ከምትቕፅል ኣየጠራጥርን። ደላዪ ሰላም ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎኒ እቲ ንኹሎም በደላት ተፃዊሩ ምእንተ ሰላም ከይረብረበ ሞትን ስቓይን ይኣክል ዝብል ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጰያ ፅዕንቶ ብምግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍፀም እጃሙ ክዋፃእን ብፍላይ ሕብረት ኣፍሪካ ድማ ከይዲ ኣፈፃፅማ እቲ ውዕል ዝግምግም ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ብምፅዋዕ ህልው ኩነታት እቲ ውዕልን ዝምዕብሉ ዘለዉ ሓደጋታትን ከነፅር ይግባእ ንብል።
ብሄራዊ ሓድነት ንምውሓስ ሉእላውነት!
ክብርን መጎስን ንስውኣትና
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ