ሰላምን ድሕንነትን ህዝብና ንምርግጋፅ ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሕ ኢና ኢሉ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ብፃይ ሃይላይ ኣረጋዊ

ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ዞባ ሎሚ ቤት ፅሕፈቶም ተረኪቦም ንህዝቢ ግልጋሎት ምሃብ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ኣብ ዝስመዖ ዘረባ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ንነዊሕ ጊዜ እኹል ግልጋሎት ከይረክብ፣ ከየልምዕ ሰላሙ ተዘሪጉ፣ ብሰንፈላል፣ ምጥርጣራትን ምድንጋራትን እናተንገላተዐ ከምዝፀንሐ ብምጥቃስ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ዞባ ምምሕዳር ስሩዕ ግልጋሎት ከምዝተጀመረ ገሊፁ።

ከም ምምሕዳር እንህቦ ግዕልጋሎት ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ መደባት ዝተኸፋፈሉ እዮም ዝበለ ብፃይ ሃይላይ፤ ሰፊሕ ደንገርገር፣ ገበናት፣ዘይሕጋዊ ስራሕትን ፀገማት ፀጥታን ስለዘለው ልዕሊ ኩሉ ቀዳምነት ዝወሃቦ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ምርግጋፅ እዩ ኢሉ፡፡ ውሕስ ሰላም ድማ ብሓይልታት ፀጥታ ጥራሕ ዝረጋገፅ እንተይኮነስ፤ ምስቲ በዓል ዋና ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ተዛቲኻን ተዋዲድካን ንምስራሕ ውዳበታቱ ንምጥንኻር ቁልፊ መደብ ኮይኑ ከምዝስርሐሉ ሓቢሩ።

ልምዓት፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ኣገልግሎታት ብፍላይ ስራሕቲ መስኖን ዕቀባ ሓመድን ማይን ንምስላጥ ምምሕዳራዊ መሓውር ተሰጣጢሙ ከምዝቕፅል ዝገለፀ ብፃይ ሃይላይ ኣረጋዊ ተረባሕነት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብትኹረት ከምዝስረሐሉ ሓቢሩ፡፡

ወረዳታት ዘለወን ሃፍተ ገነት ተጠቒመን ስራሕ ዕድል ዝፈጥራሉ፤ ንስድራ ስውኣትን ምልስ ተጋደልትን ዝግበኦም ግልጋሎት ዝህባሉን መደባት ሒዙ ብስፍሓት ከምዝሰርሕ ብምግላፅ መሓውርና መንግስታዊ ግልጋሎት ብዝግባእ ብምሃብ ዝባኸኑ እዋናት ንምክሕሓስ ምስጥጣምን ምጥንኻር መሓውር ከም ዕማም ከምዝተተሓዘ ገሊፁ።

መሓውር ወረዳን ጣቢያን ንህዝቢ ብግዜን ብፅሬትን ግቡእ ግልጋሎት ክህቡ ናብ ስሩዕ ስረሖም ከምዝኣተዉ ብምግላፅ ምስ ህዝቢ ብምርድዳእ ቀዳምነት ዝወሃቦም ስራሕቲ ተነፂሮም ከምዝስርሑ ገሊፁ።

484825285_1256813192474626_6703804628122847226_n