መግለፂ ቅዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብና ህወሓት
ሓዳጋ ብሄራዊ ክሕደት፣ ምልክን ብተናን ዝምከት ብመሪሕነት ህወሓት እዩ!!
መእተዊ
ንሕና ኣብዚ መድረኽ ክሳተፍ ካብ ዝግበኦ ላዕለዎት ኣመራሓ ውድብናን ኣባላት ኮሚሽን ማእኸላይ ቁፅፅርን 95%/ ኣብዚ “ወፍሪ እምቢታ” ብዝብል ስያመ እናተምረሐ ካብ ዕለት 09-11 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ተረኺብና ዕውት ምይይጥ ኣካይድና ኣለና።
ውድብና ህወሓት ውፅኢት ዝተሓላለኸ ቃልሲ ዝኾነ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ብምክያድ ንውድብና ካብ ምፍራስ ብምድሓን ዝሓሸ ቁመና ክሕዝ ኣኽኢልዎ እዩ፡፡ ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ውድብና ብጉባኤ ብምትዕርራይ ከም ብሄር ሽኻል ክህልወና ገይሩ እዩ፡፡ እዚ ውፅኢት እቲ ፀዋርን ፅኑዕን ኣብ ውሽጢ ዓድን ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብር ተባዕ ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይ፣ ካብ መትከላዊ እምነቶም ነቕ ዘይብሉ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይና፣ መላእ ኣባልናን ካድረናን እዩ፡፡ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤና ንውድብና ካብ ብተና ኣድሒኑ ነቲ ብቐንዱ ብሰንኪ ስእነት ዝተዋደደ ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያ መሪሕነትን ሽርሒ ናይ ግዳም ፀላእትን ስቓዩ ክናናዋሕ ዝፀንሐን ዘሎን ህዝብና ንምሕፃርን ናብ ቀፃሊ ባህግታትና ክንስጋገር ነዚ እንርከበሉ መድረኽ ሰለማዊ ፖለቲካቂ ቃልሲ ንምዕዋት ዘኽእሉ ውሳነታት ኣሕሊፉ ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ እዩ፡፡
እቲ ገበናቱ ከይቕላዕን ብዝፈፀሞም ገበናት ከይሕተት ምእንቲ ካብ ጉባኤ ዝሃደመ ነገር ግን ቅድሚ ጉባኤ ብገምጋምን ፅሬትን ዝተቓለዐን ሕዚ ብግልፂ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ብሄራዊ ክሕደትን ጥልመትን ዝፈፀመ ጉጅለ ልዕሊ ኩሎም ፖለቲካውን ሕጋውን ውሳነታትን ኣሰራርሓታትን ብምዃን ብኢደ ወነንነት ካብቲ ብውድብና ህወሓት ዝተውሃቦ ቦታ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዛጊድ ስለዘይትኣለየ ካብ እዋን ናብ እዋን ቅሉዕ ሓደጋ ብሄራዊ ህልውናና እናኾነ መፂኡ ኣሎ፡፡ ከይዱ ከይዱ ንኹሎም ናይ መኸተ ዓቕምታትና ዝብትን ናይ ግዳም ምትእትታው ብምፅዋዕ ብምስልዩነት እውን ኣብ ስልጣን ክቕፅል ኩሉ ዓይነት ክሕደት ዝፍፅም ሓይሊ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እዚ መርአይኡ ስልጣንን ብስልጣን ዝርከብ ረብሓን ጥራሕ ዝገበረ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ሓይሊ ኩሎም ትካላዊ ዓቕምታትና በቲኑ እቲ ብወራር ዘይተዛዘመ ጆኖሳይዳዊ ኲናት በዚ ናይ ጥልመት ጉጅለ ኣቢሉ እቲ ሓደጋ ከምዝቕፅል ብምእማን ነዚ ዝተደገሰልና ናይ ጥፍኣት ድግስ ንምብርዓን ቃልስና “ወፍሪ እምቢታ” ብዝብል ተሰይሙ ምልኣተ ህዝብና ዘነቓንቕ ወፍሪ ክነካይድን ቃልስና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክነሰጋግርን ወሲና ኣለና፡፡
ዝተመያየጥናሎም ኣጀንዳታት
ኣብዚ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብና ብቐዳምነት ዝተመያየጥናሉ ዛዕባ ድሕሪ ጉባኤ ዝተኻየዱ ፖለቲካዊ ስራሕትን ምስ ስትራቴጂካዊ ዓቕምታትና ዝተፈጠረ ምርድዳእን ዝምልከት እዩ፡፡
ብኻልኣይ ብርኪ ኣብዚ መደርኽ ዝረአናዮ ኣጀንዳ ህወሓት ንምድኻምን ንምፍራስን ዝካየድ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ሽርሒ ዝምልከት እንትኾን እቲ ጉጅለ ክሕደት ሓድነት ህዝብና ብኸባቢ ንምብትታን ክሰርሕ ድሕሪ ምፅናሕ ሕዚ ድማ ኣብ ትግራይ ብመልክዕ ሕብራዊ ናዕቢ ህዝብና ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ንምእታው ብግልፂ ናይ ምውዳብ፣ ምስልጣንን ምልዕዓልን ተግባራት ይፍፅም ምህላዉ እውን ብትኹረት ርኢናዮ ኣለና፡፡
መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብና ብትኹረት ካብ ዝረአዮ ካልእ ነጥቢ ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረመ ውድብ ህወሓት እናሃለወ እቲ ስምምዕነት ብዓል ዋና ብምስኣን ክፈርስ ንምግባር ዝካየድ ዘሎ ሽርሒ ዝምልከት እዩ፡፡ እቲ ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዘሎ ምንም ዓይነት ህዝባዊ ድጋፍ ዘይብሉ ድሕረት እናሰራሰረ፣ እናዳጭበርበረን ብገንዘብ እናደለለን ድጋፍ ዘለዎ ንምምሳል ዝፅዕር ዘሎ ብሄራዊ ክሕደትን ጥልመትን ዝፈፀመ ጉጅለ ጉጅለ ስልጣኑ ብምንዋሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምስልየነት ስርዓት ምልኪ ክተክልን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጉጅለ እግሪ ክተክልን ካብ ዘለዎ ሓላፍነት ከይእለን ኩለመዳይ ፃዕርን ደጋዊ ድጋፍ ይግበረሉ ከምዘሎ እውን ምስ መበገሲ ምኽንያቱ ርኢና ኢና፡፡ ኣብ መወዳእታ ብትኹረት ዝተመያየጥናሉ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ በቲ ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዘሎ ክሕደትን ጥልመትን ዝፈፀመ ጉጅለ ቅሉዕ ብሄራዊ ክሕደት ዝተፈፀመሉ ምዃኑን ሓደጋ ብሄራዊ ክሕደት፣ ምልክን ብተናን ንምምካት ብወፍሪ እምቢታ ተሰይሙ ቃልስና ክነብርኽ ወሲና ንኣቱ ከምዘለና ዝምልከት ኣጀንዳ እዩ፡፡ ብምዃኑ እውን ነዚኦምን ካልኦትን ነጥብታት ከም መበገሲ ብምውሳድ ኣብዚ መድረኽ ዝወሰናዮም ውሳነታትናን ዝወሰድናዮም ቅዋማትን ዘንፀባርቑ ዝስዕብ በዓል 12 ነጥቢ ዝሓዘ መግለፂ ቅዋም ኣውፂእና ኣለና፡፡
መግለፂ ቅዋም
- ሕዚ ኣብ ትግራይ ገጢሙ ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ ኣብ ኣሰላልፋን ብሄራዊ ረብሓን ናይ ዕላማ ኣፈላላይ እዩ፡፡ እቲ ፍልልይ ከምቲ ገለ ኣካላት ንሸቐጥን ምድንጋርን ዝብልዎ ናይ ስልጣን ዘይምቅድዳው ወይ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ዘሎ ባእሲ ኣይኮነን፡፡ እቲ ፍልልይ ኣብ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ዘተኮረ እዩ፡፡ ውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ድማ ብሄራዊ ዕብለላን ውርደትን፣መከራን በደልን ህዝብና ዝወለዶ ውላድ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ህዝቡ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ንክብርን ብሄራዊ ረብሓን ህዝብና ገዚፍ ዋጋ ከፊሉ፣ ብወርቂ ቀለም ዝተኸተበ ታሪኽ ሰሪሑ ክብርን ረብሓን ህዝብና ዘረጋገፀ ንፃት እውን ኣብ ብሄራዊ ረብሓን ክብርን ህዝብና ዘይዋገ ውድብ ምዃኑ ክነዘኻኽር ንፎቱ፡፡ ስለዝኾነ እውን ወሎዶታት ትግራይ ዓቂቦሞ ዝፀንሑ ብሄራዊ ንሒን ሓቦን ከምኡ እውን ውድብና ህወሓት ዝተኸለቶ ብሄራዊ ክብርታታ ብምዕቃብ ኣብዚ እዋን መሰረታዊ ዓቕምታትና ዝብሃሉ ሓድነት ህዝብና፣ ዓቕምታት መኸተናን ክብርታትናን ብምብታን ኣብ ትግራይ ውልቀ ምልክነት ንምትካል በቲ ዝጠለመ ጉጅለን መሻርኽቱን ይግበር ንዘሎ ኢ ሕገ መንግስታውን ፋሉልን ምንቅስቓስ እምቢ ንብሄራዊ ክሕደት፣ እምቢ ንምልኪ፣ እምቢ ንብተና ኢልና ብመልክዕ ወፍሪ እምቢታ ንዘተደገሰልና ጥፍኣት ንምብርዓን ምልኣተ ህዝብና ዘነቓንቕ ወፍሪ እምቢታ ክነካይድን ቃልስና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክሰጋገርን ወሲና ኣለና፡፡
- ውድብና ህወሓት ናይ ህዝብና ብሄራዊ መፅቀትን መከራን ምስ በዝሐ ዝተወለደ ህዝባዊ ውድብ እዩ፡፡ ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ መለሽ ዘለዉ ኩሎም ኣማራፅታት ቃልሲ ዘይክኣሉን ዘይሕሰቡን ስለዝነበሩ ጥራሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣካይዱ ታሪኽ ትግራይና ዘሐደሰን ዘበረኸን ውድብ እዩ፡፡ እዚ ውድብ ናይ ሰላም፣ ናይ ልምዓትን በብእዋኑ ናይ ዝምዕብል ዴሞክራሲን ውድብ እዩ፡፡ እዚ ውድብ እዚ ናይ ኲናት ውድብ ኣይኮነን፡፡ ናብቲ ናይ ፅንታ መኸተ እውን ተገዲድና ዝኣተናዮ መኸተ ኣንፃር ጄኖሳይድ እምበር ዝመረፅናዮ ኲናት ኣይነበረን፡፡ ሕዚ እውን ውድብና ህወሓት ኣብ ሰላም ኣመልኪቱ በቶም ሓይልታት ጥልመት ይውዝዑ ንዘለዉ ምድንጋራት እናኾነና ህወሓት ኣብ ሰላም ዘለዎ ቅዋም ዘይቀያየር ምዃኑ ነረጋግፅ፡፡ ሰላም ምስ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፣ ሰላም ምስ ህዝቢ ዓፋር፣ ሰላም ምስ ህዝቢ ኣምሓራ፣ ሰላም ምስ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሰላም ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ህዝብታት ፅኑዕ እምነትን ባህግን ውድብና ህውሓት ምዃኑ ደጊምና ነረጋግፅ፡፡
- ውዕሊ ፕሮቶርያ ውፅኢት መሪር ቃልስን መስዋእትን ህዝብና እዩ፡፡ እዚ ውዕሊ ኣብ መንጎ ውድብና ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ዝተኸተመ ኮይኑ ተፈጥራውን ሕገ መንግስታዊን መሰል ህዝብናን ትግራይን ናብ ንቡር ዝመልስ እዩ፡፡ እዚ እውን ኮይኑ ዛጊድ ብሓይሊ ህዝብናን ልኡላውነትናን ዝጎበጡ ወረርቲ ሓይልታት ኣይወፁን፣ ብምዃኑ ህዝብናን ሉኡላውነትናን ሓራ ኣይወፅአን፤ መሬትና ኣይተመለሰን፣ ተመዛበልትናን ዝተሰደዱ ወገናትናን ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን፣ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ኣይተረጋገፀን፣ በቲ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ዝዓነወት ትግራይ ናይ ዳግመ ሕውየት መደባት ብስሩዕ ኣይተመርሑን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ዝምጥን ስራሕ እውን ኣይተጀመረን፡፡ ነዚ ክመርሕ ዝተጣየሸ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ኩሎም መደባቱ ራሕሪሑን ነቲ ብሄር ጠሊሙን ነዚ ውዕል ብኣግባቡ ንክፍፀም ንዝቐርቡ ሕቶታት ምፍራስ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣምሲሉ የቕርቦም ኣሎ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ህወሓት ብምፍራስ እቲ ውዕል ብዓል ዋና ዘይብሉ ኮይኑ ክተርፍ እውን ዝተዋደደ ሽርሒ ይስራሕ ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ ነቲ ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ቅሉዕ ብሄራዊ ክሕደትን ጥልመትን ዝፍፅም ዘሎ ጉጅለ እናኾነና መንግስቲ ፈደራል ነቲ ውዕል ከይሸራረፈ ክፍፅም ሕዚ እውን ኣጥቢቕና ንሓትት፡፡ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምፍፃም ድማ ሰላም የፅንዕ እምበር ኲናት ማለት ከምዝኾነ ተገይሩ ንዝቐርብ ምድንጋር ኣጥቢቕና ንኹንን፡፡ እቶም ዝወደቑ መደባት ጊዚያዊ ምምሕዳር ዝስተኻኸሉን ዝተሓናኾል ዘሎ ውዕሊ ፕሪቶርያን ብኣግባቡ ክፍፀም ዝኽእል ድማ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ብምትዕርራይ ኣቢልካ ከምዝኾነ እውን ደጊምና ውሳነና ነረጋግፅ፡፡
- ተመዛበልትን ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዓዶም ሓዲጎም ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ወገናትናን ብመሰረት ስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶርያን ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሙሉእ ምሕደረኦም ተማሊኡ፣ ውሕስ ሰላምን ድሕንነቶም ተረጋጊፁ ናብ መረበቶም ክምለሱ ንመግስቲ ኢትዮጵያ እናፀዋዕና ንሕና ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብና ህውሓት ድማ እዚ ውዕል ከይተሸራረፈ ክፍፀም ብትረት ክንቃለስ ወሲና ኣለና!
- ኣመራርሓ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክፍፅሞዎም ዝተውሃብዎ መደባት ሙሉእ ንሙሉእ ወዲቖም እዮም፡፡ ሕዚ ድማ ቅሉዕ ብሄራዊ ሓደጋና ኮይኑ መፂኡ ኣሎ፡፡ ውድብና ህወሓት፣ እዚ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ውሽጣዊ ሕቱኽቱኽ ፀሚዱ ብሄራዊ ናይ መኸተ ዓቕምታትና ኣብ ምሕንሻሕ ዝተፀመደ ሓይሊ ብምትዕርራይ ኣቢልካ እዩ ካብቲ ፀገም ወፂእና ናብ ቀንዲ ዋኒና እንስጋገር ብምባል ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዘለዋ ቦታ ክተስተኻኽል ውሳነ ኣሕሊፋ እያ፡፡ ሕሶትን ምጭብርባርን ከም ቀንዲ መለለይኡ ገይሩ ዝወሰደ እዚ ናይ ጥልመት ጉጅለ ህወሓት ካብቲ ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዘለዋ ሓሙሽተ ሰባት ጥራሕ ኣልዒላ ስለዝመደበት ብምፍራስ ጊዚያዊ ምምሕዳር እንትኸስስን እንተወናብድን ይስማዕ ኣሎ፡፡ እዚ ኣብታ ስልጣን ንምቕናይ ካብዘለዎ ባህጊ ዝብገስ እምበር ምስ ምፍራስ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዝተኣሳሰር ጉዳይ ዘይምዃኑ ብምርዳእ ህወሓት ብመሰረት ውሳነታት መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ 50 +1 ቦትኡ ናይ ምትዕርራይ መሰልን ግቡእን ስለዘለዎ ኣብዚ ብሄር ኣንፀላልዩ ንዘሎ ሓደጋ ህልውና ንምብርዓን ናብ ድርድር ዘየእትዎ ዝተወሰነን ቀያሪ ነጥቢ ናይቲ ዘንፀላወና ሓደ ምዃኑ ደጊምና ነረጋግፅ፡፡
- ሰራዊት ትግራይ፣ ህዝቡ ካብ ብርሰት ከድሕን ዝተፈጠረ ናይ መኸተ ሓይሊ እዩ፡፡ ብሄራዊ ኵርዓትን ዋሕስ ህልውናን እዩ ድማ! እዚ ናይ ትግራይ ናይ መኸተ ዓቕሚ መሰረታዊ ረብሓታት ትግራይ ኣብዘይተመለሰሉ ኩነታት እናሃለና በቲ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ብሽም DDRን ካልኦት ናይ ምድስካል መንገድታትን ኮነ ተባሂሉ ክብተን ተበይንሉ ኣሎ፡፡ ንሰራዊትና ከም ትካል ምውንጃል፣ ስም ምጥፋእ፣ ኣብ ጉዳይ ዓዱን ዝተዋደቐሉ ዕላማን ብፅሒቱ ከየበርክት ሰፊሕ ወፍሪ ይካየድ ኣሎ፡፡ ዓርሱ ዝኸኣለ ናይ መኸተ ዓቕምን ተጋዳላይን ኮይኑ እንተብቅዕ ከምዘይምልከቶ ተገይሩ ክርአን ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ውልቀ ሰባት ወዲቑ መሳርሒ ውልቀ ምልኪ ክኸውን እውን ይፀዓር ኣሎን፡፡ ስለዝኾነ እውን ሃለዋት ሰራዊትና ምስ ሙሉእ ትግበራ ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ ነዚ ናይ መኸተ ብህራዊ ዓቕምና ብዝተፈላለዩ መንገድታት ንምብታንን ንምድስካልን ይግበሩ ንዘለዉ ወፍሪ ፀለመን ናይ ተግባር ምንቅስቓስን ኣትሪርና ንኹንን፤ ኩለ መዳይ ሰለማዊ ቃልሲ ከምእንገብር እውን ነረጋግፅ፡፡
- ካቢኔ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሽም ጊዚያዊ ምምሕዳር ካብ ዝተውሃቦ ተልእኾታት ወፃእ ንህወሓት፣ ኣብያተ ምኽሪ ወረዳታት፣ ከተማታትን ጣብያታትን ከምኡ እውን ንሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝሓዞ መርገፂ ኮነ ዘመሓላልፎ ውሳነ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ባይታ ዘይትግበርን ስለዝኾነ ኩለን ኣብያተ ምኽርን ንሕገ መንግስታዊ ስልጣነን ተጠቒመን ብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ክፍፅማ፣ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ድማ ህዝባዊ ውግንነኦም ሓልዮም ዋርድያ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ኮይኖም ሕድሪ ስውኣት ክሕልዉ ይግባእ፡፡ ንሕና ላዕለዎት መራርሓ ህወሓት ድማ እቲ ብህራዊ ክሕደትን ጥልመትን ዝፈፀመ ከዳዕ ጉጅለ ብሽም ካቤኔ ጊዚያዊ ምምሕዳር ካብ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ወፃእ ዝወስዶ ዘይሕጋውን ፋሉልን መርገፅን ውሳነን እናኾነንና ብወፍሪ እምቢታ ብትረት ከምእንምክቶ ነረጋግፅ! እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ዓቕመታት መኸተ ዘይሻራዊ ኮሚቴታት ተጣይሸን ኣብ ገምግጋማት ንዝተልዓሉ ጉዳያት ንምፅራይ ናብ ተግባር ተኣትዩ እዩ፡፡ ብመሰረት ውፅኢት ምፅራይ ኣብ ገበናት ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ነበር ኣመራርሓ ህወሓት ተፈልዮም እዮም፡፡ በዚ መሰረት ተሓታትነት ክረጋገፅን ነዞም ኣካላት ዝወሃብ ሹመትን ምድባታትን ዘይሕጋዊን ፋሉልነትን ምዃኑ ተፈሊጡ ጠጠው ክብል ብትረት ክንቃለስ ኢና፡፡
- ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ካብቶም መሰረታዊ ትካለዊ ዓቕምታት ህዝብና ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ፡፡ ኣብ ታሪኽና እውን ናይ ዓወትናን ውድቀትናን መግለፂ እዩ፡፡ እዚ ኮይኑ እንተብቅዕ እዚ ኣንፃር ብሄራዊ ሃለዋት ትግራይ ተሰሊፉ ዘሎ ዝጠለመ ከዳዕ ጉጅለ፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ዲያስፖራን ዝርከብ ህዝብና ብድሕረትን ብኸባብን ንምክፍፋል ብዘይምንም ሰኸፈት ኣብ ሚድያን ኣደባባያትን ከይተረፈ ሓድነት ህዝብና ኣብ ምክፍፋል ተፀሚዱ ፀኒሑን ኣሎን፡፡ እዚ ዝጠለመ ጉጅለ በዚ ከይተሓፀረ ሕዚ ድማ ኣብ ትግራይ ብመልክዕ ሕብራዊ ናዕቢ ህዝብና ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ንምእታው ብግልፂ ናይ ምልዕዓል፣ ምውዳብ፣ ምስልጣንን ምውፋርን ካልኦት ተግባራትን ይፍፅም ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ እውን እዚ ዝጠለመ ጉጅለ ነቲ መሰረታዊ ዓቕሚ ትግራይ ዝኾነ ብሄራዊ ስምረትና ብምብታን ናብ ቅሉዕ ሓደጋ ከእትወና ቆሪፁ ዝተልዓለ ከዳዕ ጉጅለ ስለዝኾነ እምቢ ንብተና ኢልና ተግባራት እዚ ብሄራዊ ክድዓት ዝፈፀመ ጉጅለ ብትረት ንምቅላስን ብሄራዊ ስምረትና ንምድልዳልን ቆሪፅና ተላዒልና ኣለና፡፡
- ከባብያዊ ኣብያተ ምኽሪ ዓርሰን ዝኸኣላ ሕገ መንግስታዊ ስልጣን ዘለወንን ውክልና ህዝቢ ዝተሸከማን መንግስታት እየን፡፡ ኣብያተ ምኽሪ ወረዳታት፣ ከተማታት፣ ክፍላተ ከተማን ጣብያን ናይ ከባቢአን ኣመራርሓ ክሾማን ከውርዳን ኮነ በጀተን ኣፅዲቐን ከመሓድራ ሕገ ምንግስታዊ ስልጣን ዘለወን እየን፡፡ እንተኾነ ግና ነዘን ኣብያተ ምኽሪ ንምፍራስ ኮነ ስልጣነን ንምጥሓስ ዝግበር ምንቅስቓስ ይርአ ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ ኣብዚ ተግባር ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ፣ ከባብያዊ መንግስታት ድማ ስልጣነን ፀንቂቐን ንምጥቃም ይገብረኦ ንዘለዋ ምንቅስቓስ ዘድሊ ኩሉ ሓገዝ ክንገብርን ወሲና ኣለና፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዚ እዋን እታ ውላድ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነት ትእምት ትግራይ ንምፍራስ ከም መሳርሒ ምጥቃምን ሃፍቲ ትእምት ሒደት ሰባት ብዘይኣግባብ ክምዝምዝዎን ይግበር ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ እውን ትእምት ካብ ኢድ ውሕዳት ጠላማት ድሒና ናብ ብዓል ዋናኣ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ክትምለስ ብትረት ከምእንቃለስ ወሲና ኣለና፡፡
- መዓድንን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወርቂን ካልኦት ክባራት መዓድናትን ካብ ስርዓትን ኣግባብን ወፃእ ኬሚካልን ሜሻናትን ተጠቒምካ ይበርስን ይጉሓልን ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ እውን እዚ ዘይሕጋዊ ኣብ ሃፍቲን ተፈጥሮን ብኽነት፣ ብኽለትን ጉሕለትን ተሓታትነት ብዝፈጥርን ስርዓት ብዘተሕዝን መንገዲ ተፃርዩ መልክዕ ክሳብ ዝሕዝ ካብቲ ብባህላዊ መንገዲ ብጉልበት መናእሰይን ካልኦት ናይ ሕብረተሰብ ክፍሊን ክግበር ዝፀንሐ ዓይነት ዕደና ወፃእ ሜሽንን ኬሚካል ተጠቒምካ ዝግበር ዕደና ደው ንምባል ብትረት ከምእንቃለሶ ወሲና ኣለና፡፡ ኣብዚ መዳይ ይፍፀም ንዝፀንሐን ዘሎን ኩለ መዳይ ዘይሕጋዊ ተግባር ተፃርዩ ሕጋዊ ተሓታትነት ክረጋገፅ ድማ ከምእንቃለስ ነረጋግፅ!
- ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን እትርከቡ ኣብ ዘፈር ኮሚኒኬሽንን ሚድያን ትግራይ እትነጥፉ ኣካላት ኣብቲ ፀልማት እዋን ማለት ‘ውን ክሳብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዝነበረ መሪር ተጋድሎ ዘካየድኩምዎ ግጥምን ዝኸፈልኩምዎ ኩለ-መዳይ መስዋእትን ኣብ መኸተ ትግራይና ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ኮይኑ ተመዝጊቡ እዩ። ይኹን እምበር ካብ ፅባሕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ምስረታ ጊዚያዊ ምምሕዳር ንፁርን ዝተማእኸለን ኣንፈት ክትረኽቡ ስለዘይከኣልኩም በቢውልቀኹም ከምዝመሰለኩም ንኽትጎዓዙ ዘገድድ ኩናታት ብምፍጣሩ ገለይኹም ድማ ብሰንኪ ኣብተን ሚድያታት ዘለዉ ምስቲ ዝጠለመ ጉጅለ ዝተሓሽከሩ መሪሕነት ንህዝባዊ መኸተና ዝጎድእ፣ ሓድነት ህዝብና ኣላሕሊሑ ነንባዕልትና ክንጠራጠር ኣብ ዝገብር ስራሕቲ ተፀሚድኩም ኣለኹም። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሓድነትና ዘጠናኽሩን ናይ ህዝብና ረብሓ ኣብ ዘረጋግፁን ዛዕባታት ኣድሂብኩም ክትንቀሳቐሱን ዝተወደበ ሞያዊ ዓቕምኹም ክተበርክቱን እናፀዋዕና ከም ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ድማ ኣድላይ ዘበለ ድጋፍ ከምንገብር ነረጋግፀልኩም። ሕዚ እውን ነቲ ኣብ መኸተ ዝነበረ ታሪኽ ዘይርሰዖ ተጋድሎ ዓቂብኩም ኣብ ጎኒ ህዝብኹም ተሰሊፍኩም እትጋደሉ ንዘለኹም ሚድያታትን ጋዜጠኛታትናን ድማ ዘለና ክብሪ ንገልፅእ!
- እዚ እናካይዶ ዘለና መድረኽ ኣብ ድሮ ውድብና ህውሓት ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረሉ መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤሊዮ በዓል 11 ለካቲት ንምኽባር እንሸባሸበሉ ዘለና መድረኽ እናካይዶ ዘለና ምስ ምዃን ተኣሳሲሩ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ኣዕሲሉ ኣብ ዘካየዶም ናይ ፍርቂ መዋእል ጉዕዞና ዝረኸብናዮም ናይ ቃልሲ ተመኩሮታት ዓቂብና ንዘገጠሙና ፈተናታት በዲህና ናብ ካልእ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ንምስግጋር ዘኽእሉና ተግበራት ንምፍፃም ከምቲ ልሙድ ንመላእ ህዝብና ሒዝና ሰለማወቂ ፖለቲካዊ ቃልስና ከም እነሐይልን ሕድሪ ሰማእታትና ብምኽባር ንክብርታት ለካቲት ዓቂብና መፃኢ ብሩህ ጉዕዞና ከምእነብስር ቃል ንኣቱ!
ዝኸበርካ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን እትነብር ተቓላሳይ ህዝብና፣ ሃለዋትን ድሕነትን ህዝብኹም ዘገድስኩም ኩሉኹም ብሄራውያን ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን፣ ሲቪክን ሲቪልን ማሕበራትን ከምኡ እውን መናእሰይ ትግራይ እቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ ኣብ ረብሓን ሃለዋትን ትግራይ ዝተመስረተ ናይ ዕላማ ኣፈላላይ እዩ፡፡
ኣብዚ እዋን ኩለ መዳይ ዓቕምታት ትግራይ በቲኑ ሕልሚ ትግራይ ንሓዋሩ ዘቕህም ዘሎ ጉጅለ ብብሄራዊ ክሕደት ትግራይ ናይ ምስሌነ ምልኪ ንምትካልን ነዚ ብሄር ናብ ሓደጋ ንምእታውን ቆሪፁ ተላዒሉ ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ እውን ከምቀደምኩም እምቢ ንብሄራዊ ክሕደት! እምቢ ንምልኪ! እምቢ ንብተና! ኢልኩም ብስምረት ተላዒልኩም ዓድኹም ካብ ዝተደገሰላ ጥፍኣት ከምእተድሕኑ ንተኣማመን፡፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ድማ ኣብ ጎንኹም ኮይንና ነዚ ሓደጋ ንምብርዓን ብመልክዕ ወፍሪ እምቢታ ቃልስና ንምብራኽን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከምእነሰጋግሮን ነረጋግፀልኩም!
ጎረባብቲ ህዝብታት፣ መንግስቲ ፌደራልን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብዚ ዞባ ዉሑስ ሰላም ክነግስ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክረጋገፅ ናይ ባዕልትኹም ግደ ክትፃወቱ እናፀዋዕና ከም ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብና ህወሓት ድማ ዉሑስን ሰላማዊን ሃዋህው ንኽፍጠር ዝከኣለና ዘበለ ኹሉ ከምእንገብር ነረጋግፀልኩም።
ዘልኣለማዊ ክብሪ ንኹሎም ሰውኣትና!!
ሓዳጋ ብሄራዊ ክሕደት፣ ምልክን ብተናን ዝምከት ብመሪሕነት ህወሓት እዩ!!
እምቢ ንብሄራዊ ክሕደት! እምቢ ንምልኪ! እምቢ ንብተና!
ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት!
ታሕሳስ 2017 ዓ/ም
መቐለ