መልእኽቲ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ውድብና ህወሓትን ኣካቢት ዓብዪ ኮሚቴ ምድላው መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤል 11 ለካቲትን ብፂት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄር

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ውድብና ህወሓትን ኣካቢት ዓብዪ ኮሚቴ ምድላው መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤል 11 ለካቲትን ብፂት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄር ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል ዘስመዐቶ መልእኽቲ

  • ዝኸበርካ ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቦ መንበር ውድብና ህወሓት
    • ዝኸበርካ ብፃይ ኣማኑኤል ኣሰፋ ም/ኣቦ መንበር ውድብና ህወሓት
    • ዝኸበርኩም ኣመራርሓን ኣባላትን ውድብና ህወሓት
    • ዝኸበርኩም ስድራ ስውኣት፣ ሓርበኛታትን ነባር ዓቕምን ቃልስና
    • ዝኸበርኩም ካብ መላእ ትግራይን ካብ ወፃእን ወኪልኩም ዝመፃኹም ኣጋይሽ
    • ዝኸበርኩም መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣመራርሓ ስቪክ ማሕበራት፣ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይን ደገፍቲ ቃልስናን
    • ዝኸበርኩም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለምና ትነብሩ ዳያስፖራ ደቂ ትግራይ
    • ዝኸበርካ ነባሪ ከተማ መቐለ
    • ዝኸበርካ በዓልዋና’ዚ በዓል ዝኾንካ ህዝቢ ትግራይ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን
ኣቐዲመ እንኳዕ ናብ’ዛ ታሪኻዊት ዕለት 11 ለካቲት መበል 50 ዓመት በዓል ወርቃዊ እዮቤልዩ ልደት መሪሕ ውድብና ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ ብሄራዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይን ኣብፀሐና፤ እንኳዕ ኣሐጎሰና ክብል ይፎቱ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝበፅሑ ዝተፈላለዩ ዓይነታት በደል፣ ኣድልዎ፣ ግፍዕን መከራን “ኣሜን” ኢሉ ተቐቢሉ ዘይፈልጥ ናይ “ኣይግዛእን!” በሃላይነት ክብሩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ መንነቱን ክብሩን ሓልዩ ሃለዋቱ ንምርግጋፅ ናይ ዘየቛርፅ ቃልሲ ታሪኽ ዝወነነ ህዝቢ’ዩ።

ኣብ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ዝተጀመረ ቃልሲ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ ዝፍለየሉ መሰረታዊ ጉዳይ ዘካይዶ ዝነበረ ታሪኽ ቃልሲ ህዝብና ናብ ዝለዓለ ብራኸ ሓፍ ክብል ብምግባር ብዝተወደበ መንገዲ መሪሑ ዝቃለስ ህዝባዊ ዕላማ ዝተሓንገጠ ቅኑዕ ውዱብ ህወሓት ዝፈጠረሉ ዕለት ብምዃኑ እዩ። ኣብ’ዛ ታሪኻዊት ዕለት ዝተወለደት ውድብና ህወሓት’ውን ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመት ሓዳራ ህዝባ ንፃት’ውን ከይሰሓተት ንዝገጠምዋ ፈተናታት ብውሕሉል ቃልሲ እናኣለየት ብዓወት ናብ’ዚ ናይ ሕዚ መድረኽ ኽትበፅሕ በቒዓ ኣላ።

ህወሓት ካብ ህዝቢ ዝተፈጠረት ኣብ ፅላል መስመራ ህዝቢ ኣዕሲላ ንመሰረታዊ ረብሓታቱ ክቃለስ ዝገበረትትን ትገብር ዘላን ውድብ ስለዝኾነት ናይ ህዝቢ ውድብ እያ። ዋላ’ኳ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመት ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ረኺቦሞ ብዘለዉ ጉልበት ንግዝኡ እንተተኾለፈ፤ ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕነት ህወሓት ኣብ ህይወቱ ረኺብዎም ዝነበረ ለውጢ ማንም ነጋሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ስለዝኾነ’ውን’ዩ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ከም ልደቱ በቢዓመቱ ካብ ልቢ ዘኽብራ። ህዝቢ ትግራይ ጊዜን ኩነታትን እናመረፀ 11 ለካቲት ዘኽብር ዝመስሎም ወገናት ትርጉም 11 ለካቲት ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ምዃኑ ዘይርድኡ ወይ ክወሓጠሎም ዘይከኣለ ጥራሕ እዮም።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ሕዚ ዘለናዮ መድረኽ ተደራረብቲ ፈተናታት ዘለዎ ምዃኑ ንኹሉ ግልፂ’ዩ። ብፍላይ ንውድብና ህወሓት ንምድኻምን እንተኽኢሎም እውን ንምፍራስ ካብ ውሽጥን ደገን ብዝተዋደደ ኣግባብ ዝተኻየደን ዝቕፅል ዘሎን ውዲት ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ’ዩ። ህወሓት ከም ውድብ ንኸይቕፅል ሕጋዊ ሰብነት ንዘይምምላስ ዘይሕጋዊ ውሳነ ካብ ምብያን ጀሚሩ ህወሓት ኣብ ክልተ ክትምቀልን ህዝቢ ትግራይ ብዘይ መሪሕ ብሄራዊ ውድብ ንኽተርፍን ከቢድ ምርብራብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና።

ብፍላይ ትግራዋይ መንነት ኣለና ዝብሉ ነዛ ብዓዕምትን ደምን ደቂ ትግራይ ዝተሃንፀት ውድብ ህወሓት ንምብታን በይኖምን ምስ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ተሻሪኾምን ተላኢኾምን ለይቲ ምስ ቀትሪ ድቃስ ስኢኖም ዝርከቡ ዝረባረቡ ዘለው ኣካላት እቲ እኩይ ተግባሮም ብቓልሲ ህዝብን ኣባላትን መኺኑ ከምዝተርፍ ዘጠራጥር ተዘይኮነ ብታሪኽ ይቕረ ዘይበሃል ክሕደትን ጥልመትን ይፍፅሙ ከምዘለው ተገንዚቦም ካብዚ ተግባሮም ንኽቑጠቡ ሕዚ’ውን ኣይረፈደን።

ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝገጠመና ፈተና ከምዘለዎ ኮይኑ፤ መበል 50 ዓመት በዓልና ከይነኽብርን ወይ እንተተኸቢሩ ድማ ክድብዝዝ ንምግባር ብዙሕ ሸርሒ’ዩ ተፈፂሙ። ህወሓት ነዚ በዓል ንምኽባር መሰል ከምዘይብላ ብዕሊ ብመግለፂ ተኣዊጁልና’ዩ። ብሓሳብ፣ ብማተርያል ይኹን ብገንዘብ ነዚ ታሪኻዊ በዓል ብድምቀት ንምኽባር ህወሓት ድጋፍ ንኸይትረክብ ብግልፅን ብሕቡእን ክልከላታት ተጌሩላ እዩ። ህዝቢ ተረጋጊዑ በዓሉ ከየኽብር ናብ ስግኣት ንኽኣቱ ናይ “ብዕራይ ወለደ i” ወረታት ብምንዛሕ ዕንቅፋታት ንምፍጣር ተፈቲኑ’ዩ። በዓል 11 ለካቲት ግን ህዝባዊ በዓል’ዩ። ነዚ ኹሉ ፈተናታት፣ ነዚ ኹሉ ዕንቅፋታት ሰጊሩ ህዝቢ ትግራይ፣ መላእ ኣባላት ህወሓትን ደገፍትን ነዛ ብሃንቀውታ እናተፀበይዋ ዝፀንሑ በዓሎም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ኩለን ከተማታት፣ ወረደታትን ጣቢያታትን ትግራይ፣ ኣብ ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለምና ፣ ኣብ መቖቢ ስደተኛታት ዘለውን ኩሎም በቢዘለውዎ ኮይኖም ብዝገርም ድምቀት፣ ብልዑል ናይ ቃልሲ ሓድነት መንፈስ እናኽበርዎ ቀንዮም’ዮም። እንሆ ድማ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ብሄራዊ በዓልና ብድምቀት ንምኽባርን በፂሕና ኣለና።

በዓልና ሙሉእ ከይኸውን ዝገብሮ ግና ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝነብር ዘሎን በቲ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ጉጅለ ኣብ ዝመሓደር ዘሎ ከባብታት ዝነብር ህዝብና ነዚ በዓል ብዕሊ ከየኽብር ዝተገደደ ምዃኑ’ዩ። ይኹን’ምበር ህወሓት ኣብ ልቢ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝሰፈረትን 11 ለካቲት’ውን ናይ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ በዓል ስለዝኾነት ዋላ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ዘኪርዋ ከምዝውዕል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ካብ ኩሎም ዓይነታት ዓፈናታት ርሑቕ ኣብ ዘይበሃል ግዜ መላእ ህዝብና ሓራ ወፂኡ ብስምረትን ሓድነትን ምትሕውዋሱ ዘይተርፍ እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
50 ዓመት ኣብ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ዓወትን! ብዝብል መራሒ ሓሳብ ዝበዓል ዘሎ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዩ በዓልና ንዝሓለፈ ኣርባተ ወርሒ ምድላዋት እናተገበረሉ ዝፀሐ’ዩ። ብዋና ቤት ፅሕፈት ህወሓት ትምራሕ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ዝሓቖፈት ብብርኪ ትግራይ ዓባይ ኮሚቴ ክትቀውም ተጌሩ ኣብ ትሕቲኣ ድማ ሸሞንተ ኮሚቴታትን ብርክት ዝበላ ንኡሳት ኮሚቴታትን ተሓቒፈን ምድላዋተን እናወገና ፀኒሐን’የን።

እተን ዝቖማ ኮሚቴታት:-
ኮሚቴ ምልዕዓለን ባህልን፣ ኮሚቴ ካርኒቫልን ሰልፍታትን ፣ ኮሚቴ ኤግዚብሽንን ዑደትን
ኮሚቴ ስፖርታዊ ካልኦት ውድድራትን ፣ ኮሚቴ ታሪኽ፣ ክብርታት፣ ባህልን ባህግን ትግራይ፣ ኮሚቴ ዳያስፖራ፣ ኮሚቴ እቶትን ዕደጋን፣ ኮሚቴ ፀጥታን እየን።

እዘን ኮሚቴታትን ንኡሳት ኮሚቴታትን ዘጋጠሙወን ዕንቅፋታት እናኣለያ ለይትን ቀትርን ብምስራሕ በዓልና በዚ ኩሉ ህዝብና ዝምስክረሉ ዘሎ ድምቀት ክኽበር ስለዝገበራ ንኹሎም ኣብዘን ኮሚቴታትን ንኡሳት ኮሚቴታትን ተወዲቦም ዝተዋፈሩ ኣብዚ ታሪኻዊ በዓል ዝለዓለ ምስጋናይ ከቕርብ ይፈቐደለይ።

ብዝበፅሐኩም ፅዕንቶታት ንድሕሪት እንተይበልኩም ነዚ በዓል ናይ መላእ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ መበል 50 ዓመት በዓልና ንምኽባር ብሓሳብ፣ ብሞያ፣ ብጊዜ፣ ብነዋት፣ ብገንዘብ ወዘተ---ዘይተቖጠበ ሓገዝ ዝገበርኩም ሰራሕተኛታት መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት፣ ውልቀ ሰባትን ሰብ ሃፍትን ብሳላ ተሳትፎኹም’ዩ ፅምብል በዓልና ከምዚ’ሉ ደሚቑ እሞ ኩሎም ብስም መዳለዊት ኮሚቴ በዓል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዩ ዘለኒ ክብርን ምስግናን ክገልፀልኩም ይፎቱ።

ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ትነብር ህዝብና ብፍላይ ድማ ብሄራዊ በዓልና ትኽበረላ ናይ ዘላ ርእሰ ከተማና ከተማ መቐለ ነባሪ ህዝብና በዓል 11 ለካቲት ብድምቀት ንምኽባር ብዘርኣኻዮ ህልኽን ተበግሶን ኩሉ ፈታዊ ህዝቢ ትግራይ ተሓቢኑልካ’ዩ ‘ሞ እንኳዕ ደስ በለካ።

እዚ ሎሚ ነኽብሮ ዘለና በዓል 11 ለካቲት መብሰሪ በዓል 50 ዓመትና እዩ። እዚ ወርቂ እዮቤልዩ በዓልና ካብ ለካቲት 2017 ዓ/ም ክሳብ ለካቲት 2018 ዓ/ም ንሓደ ዓመት ሙሉእ ክኽበር እዩ። ድሕሪ’ዚ መብሰሪ በዓል ድማ ዓመት ሙሉእ ዝተፈላለዩ ምድላዋትን መድረኻትን ክህልዉና’ዮም። ዝርዝር ተመክሮ ታሪኽ ቃልሲ 50 ዓመት ፀሚቑና ትምህርቲ ንወስደሉ፣ ታሪኽናን ክብርታትናን ብግቡእ እንስንደሉን እንዕቅበሉን፣ ሓድነት ህዝብና ክጥንክርን ክብርታት ህዝብናን ህዝባዊ ወያነናን ጎሊሆም ዝወፅሉን፤ ነታ ክንሃንፃ እንብህጋ ትግራይ ዝምልከት ኣብ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን ጊዜ ክስርሑ ዝግበኦም ምስ ህዝብና ብምምኽኻር ሓሳባት ንውድበሉን ኣንፈታት ነቕምጠሉን ክኸውን እዩ። ለካቲት 2018 ዓ/ም ድማ መዛዘሚ በዓል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዩ በዓልና ከኮይኑ ክጠቓለል እዩ።

ከምቲ ብድምቀት ዝጀመርናዮ ብድምቀት ክንዛዝሞ ድማ እምነተይ ዝለዓለ እዩ። 50 ዓመት ኣብ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ዓወትን!

ዘልኣለማዊ ክብርን መጎስን ንስውኣትና!

የቐንየለይ