ሓሶት ብምድግጋም ሓቂ ክኸውን ኣይኽእልን!

ኣብ ትግራይ ዝቦቐለ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ቅድሚ ኣዋርሕ ዝጠጅኦ ሓሶትን ፀለመን፤ ሕዚ ሃገራውን ዓለም ለኻውን መልክዕ ንምትሓዝ ብምፍታን ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ተቐባልነት ዘይብሉ ጠቐነ እዩ።

ብሽም ኣፍሪካ ኢንተሊጀንስ፣ ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ (OMN) ከምኡ ‘ውን ብላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘለዉ ኣባላት ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን፤ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስላፍ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይራኸቡ ኣለዉ ዝብል መቋረፂ ዘይብሉ ጠቐነታት ብምግዋሕ ኣንፃር ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ቅሉዕ ምንቅስቓስ ክገብሩ ይርኣዩ ኣለዉ። “ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣባ ጉምባሕ ዛግራ ይብልዋ” ከም ዝብሃል፤ እቲ ጠቐነ ሕቡእ ሽርሒ ዝተሰከመ ኣንፃር ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምዃኑ ህዝቢ ትግራይ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ብግቡእ ክግንዘቦ ይግባእ።

ህወሓት፣ ሰራዊት ትግራይ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ብምፍፃም ኣብ ፍትሕን ልዕልነት ሕግን ዝተሰረተ ውሑስ ሰላም ካብ ምርግጋፅ ወፃእ፤ ካልእ ሕቡእ ድልየት ኣይብሎምን። እንተኾነ ግና ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ብግቡእ ብምፍፃም ሃገራውን ከባብያውን ውሑስ ሰላም ዘምፅእ ዕድል ኣብ ክንዲ ምፍጣር “ብዕራይ ወለደ” ዝኾነ ጠቐነ ብምግዋሕ ንህዝብን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ብምድንጋር ካልእ ሕቡእ ድልየትካ ክትፍፅም ምፍታን ፍፁም ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካይዳ ምዃኑ ህወሓት ከዘኻኽር ይደሊ።

ህወሓት፣ ሰራዊትን ህዝብን ትግራይ ካብ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክሳብ ሕዚ፤ ንሰላም ዘለዎም ባህግን ቆራፅነትን ብተግባር ንምርኣይ ንኹሉ ዓይነት በደላትን ፀገማትን ተፃዊሮም ብተስፋ እዮም ዝፅበዩ ዘለዉ። “ኣብ መስርሕ ሰላም ተስፋ ኣይንቖርፅን” ኢልና ንውሽጣውን ግዳማውን ሽርሕታት ተፃዊርና ኣብ እንሰርሐሉ ኩነታት እናሃለና፤ ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ዘይኮነ ምስሊ ብምትሓዝ ኣንፃር መስርሕ ሰላም ምንቅስቓስ ቀልጢፉ ክእረም ይግባእ።

ከም ውድብ፤ ሕዚ ‘ውን ንሰላም ዘለና መትከላዊ መርገፂ ብዝኾነ መልክዕ ኣይልወጥን። ካብ’ዚ ብምብጋስ ምስ ኩሎም ናይ ጎረባብቲ ክልላትን ሃገራትን ህዝብታት ሰላምና ንምርግጋፅን ንምውሓስን ፃዕርና ክቕፅል እዩ። ክልላዊ፣ ሃገራውን ከባብያውን ፀገማትና ንምፍታሕ እቲ ቁልፊ ነገር ድማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ምፍፃም ስለ ዝኾነ፤ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብዕቱብ ንኽሰርሑ ፃዊዒትና ነቕርብ።

ዘለኣለማዊ ክብርን መጎስን ንስዉኣትና!

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)

19 ለካቲት 2017 ዓ.ም

መቐለ