ብዙሓት ክፋላት ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ደረጀኦም ዝፈላለዩ ተቓውሞታትን ዓመፃትን የካይዱ ነይሮም። ብስርዓት ሃይለስላሴ ይበፅሖም ካብ ዝነበረ ደርባዊ ምዝመዛን ብሄራዊ ወፅዓን ንምንጋፍ፤ ሓረስቶት፣ ተምሃሮ ዩኒቨርስትን ላዕለዋይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን፣ መምህራንን ሰብ ታክስን ከም ኣብነት ይጥቀሱ። ብፍላይ ተቓውሞን ዓመፅን ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ዝለዓለ ቦታ ነይርዎ።
ኣብ ተቓውሞን ዓመፅን ልክዕ ከም’ቶም ናይ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ተራ ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ’ውን ታሪኽ ብእወንታ እናዘከሮ ዝነብር እዩ። ምዝመዛን ወፅዓን ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተጋደደ ጠርዚ ሰማይ ስለዝበፅሐ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ይመሃሩ ብዝነበሩ ወገናት ብ1962ዓ.ም ማሕበር ተጋሩ ዩኒቨርስቲ (ማተዩ) ተመስሪቱ። ብፍላይ ካብ 1964/1965ዓ.ም ንደሓር ብዝሓሸን ብዝተወደበን ኣገባብ ይበፅሕ ንዝነበረ ምዝመዛን ጭቆናን ዘጋውሕ መልእኽቲ እናሕለፈ መንፈስ ቃልሲ ኣጎሃሃረ።
ማሕበር ተጋሩ ዩኒቨርስቲ (ማተዩ) ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብ ውሽጢ እቶም ንጉስ ዝነብርሉ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ብድፍረት ፀረ-ስርዓት ሃይለስላሴ ንክቃለሱ ኣኽኢሉ። ኣብ እዋን ዕረፍቲ ናብ ዓዶም እንትምለሱ ድማ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ቦታታት እናተረኸቡ ብገለፃ፣ ብደርፍታትን ብተዋስኦን ንቕሓት ፀረ-ዘውዳዊ ስርዓት ንክምዕብል ፅዒሮም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ፣ ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ግረባ፣ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት፣ ዝዓነዉ ትካላት ህዝቢ ኣብ ምፅጋንን ኣብ ካልኦት ሰናይ ተግባራትን ብምስታፍ ህዝቢ ፀገማቱ ዝያዳ ንክርዳእን ንክዕምፅን ኣለዓዒሎም።
ብከምዚ ዝበለ ምንቅስቓስ እዩ፡-
“. . . .ትግራይ ኩሕሎ፣
ሽዋ ኮይንካ’ዶ ክትሕሎ፣
ሎሚ ዘበን ሓዲኡ ኣሎ።” ዝብል ደርፊ መዝሙር ሓፋሽ ነይሩ ብዝበሃል ደረጃ ዝተዜመ።
ዓባይ ትግራይ ናብ ዝነበረቶ ንክትምለስ’ውን ማለት ናብ ጎንደርን ወሎን ብሓይሊ ዝተወሰዱ መሬታ ትግራይ ንክምለሱ፡-
“. . . . ትግራይ ዓደይ ወሊዳ ዓሰርተ፣
ኣዕቢያ ሾሞንተ፤” ዝብል ደርፊ ኣብ ብዙሓት ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ ይጋዋሕ ነይሩ።
ንገዛእቲ የገልግሉ ንዝነበሩ ውሑዳት ተጋሩ’ውን፡-
“. . . .ወሓጥ ክሳብ እንትዋሓጥ፣
ስተ ክሳብ እትስተ፤” ብዝብል መንጉሕ ዜማ ናብ ውነኦም ንክምለሱ ዝምዕድ ደርፊ ተደሪፉ።
ብምኽንያት ዝተፈጠረ ውዑይ ናይ ቃልሲ መንፈስ ህዝቢ ትግራይ ካብ ካሊእ እዋን ብዝደመፀ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላቱ ክኽበር ሓተተ። ብቋንቍኡ ክጥቀም፣ ታሪኹን ባህሉን ክኽበረሉ፣ ከም ካልኣይ ዜጋ ዝረኣየሉ ወፅዓ ከብቅዕ ጠለበ። ኩሎም ባህግታቱ ንክሰምሩ ድማ መሪሕ ውድብ ናይ ምርካብ ጉዳይ ተባራዒ ሕቶ ኮነ። ማ.ተ.ዩ መሪሕ ውድብ ኮይኑ ከይቕፅል ካብ መጀመርትኡ ብብሄራዊ ስምዒት እንተዘይኮይኑ ብዝደልደለ ሓበራዊ ኣረኣእያ ዝተመስረተ ኣይነበረን። ብብዝበዛን ወፅዓን ዝተኣኻኸበ’ምበር ብዝፀረየ እምነት ዝተርነዐ ኣይነበረን። ካብዚ ብተወሳኺ ብደረጃ ሃገር ዝነበረ ምዝመዛን ወፅዓን ዝወለዶ ናዕቢ-ህዝቢ ብናህሪ ተጕዓዘ። ስለዚ ማ.ተ.ዩ ብቅልጡፍ ዝሓሸ ኣመራርሓ ናብ ዘርክብ ለውጢ ክሰጋገር ብምግዳዱ ካብ ውሽጡ ዝደልደለ ሓበራዊ ኣረኣእያን ዝፀረየ እምነትን ዝነበሮም ሸውዓተ ተጋሩ ተምሃሮ ኣብ ወርሒ መስከረም 1967 ዓ.ም ሓደ መሪሕ ውድብ ፈጠሩ። ሽሙ ከዓ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) በልዎ።
* * *
ግዘ ዘይሃቡ ምንቅስቓሳት ማገብት
ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ንፖለቲካዊ ምልዕዓል ህዝቢ ትግራይ ዝምጥን ኣመራርሓ ንክህሉ ኣብ ዝፅዕረሉ እዋን ወትሃደራዊ ደርግ ንዓመፅ ህዝቢ ተበሊፁን ብዕልዋ መንግስትን ናብ ኮረቻ ስልጣን ደየበ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ፍፁም ፀረ-ህዝቢ ዝኾኑ ኣዋጃት ብምእዋጅ ገባርን ሓዳግን ኣነ እየ ኢሉ ብተግባር’ውን ዝተደገፈ ሰይፊ ምልክነትን ራዕድን መዘዘ። እዚ ተርእዮ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ህፁፅ ቀዳማይ ኣኼባ ከካይድ ደፋኢ ምኽንያት ኮይንዎ።
ህፁፅ ቀዳማይ ኣኼባ ማገብት
ህፁፅ ቀዳማይ ኣኼባ ማገብት ኣብ ወርሒ መስከረም 1967ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮነ ህዝቢ ትግርይ ንዘበናት ዝተቓለሰሎም ሕቶታት ሓዱሽ መላኺ-ደርቢ ብዝኾነ ወትሃደራዊ ደርግ ከምዘይምለሱ ስለዝኣመነ ነይሩ ህፁፅ ቀዳማይ ኣኼባ ምፅውዑ። ኣብዚ ኣኼባ ዝተልዓለ ዓብዪ ሕቶ ጉዳይ ምንፃር መቃለሲ መስመር ጥራሕ እንተይኮነስ ምኽታል ዝግባእ ኣገባብ ቃልሲ’ውን ዝጠመረ ነይሩ። ማለት’ውን ካብ መንጎ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ቃልሲ ንሓዲኡ ምምራፅ፤ ሰላማዊ ወይ ዕጥቃዊ ኣገባብ ቃልሲ።
ወትሃደራዊ ደርግ ብሓይሊ ዝሓዞ ስልጣን ብፍቓዱ ኣይገድፎን። ብሰላማዊ መገዲ ዝካየድ ቃልሲ ከምዘይቅበል’ውን ከመ ቅፅበት ብኣዋጅን ብተግባርን ኣረጋጊፁ እዩ። ስለዚ እቲ ኣማራፂ ወይ ቃልሲ ምግዳፍ ወይ ከዓ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምክያድ ኮነ። ሽዑ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ንቃልሲ ቅሩብ ስለዝነበረ እዚ ርሱን ወነ ህዝቢ ብሓደሽቲ ገዛእቲ ደርቢ ከይጭወን ብሄራዊ መልክዕ ብዘለዎ ደርባዊ ቃልሲ እናተሰነየ ብዝተናውሐ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክካየድን ወሰነ ህፁፅ ቀዳማይ ኣኼባ ማገብት።
ኣብዚ ህፁፅ ኣኼባ ካልኦት ጉዳያት’ውን ተዘቲዮምሎምን ተወሲኖምሎምን እዮም። ዕላማታት ቃልሲ ብሙሉእነት ንምንፃርን መፅናዕቲ ንምክያድን ምድላዋት ከምዝተዛዘሙ ኣብ ሓደ ምርድዳእ ተበፅሐ። ንምልመላ ኣባላት ዝኸውን መፅናዕቲ ተወገነ። ምስ ውድባት ኤርትራ ርክብ ንምፍጣር ተረዳድአ። ዝተናውሐ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣበይ ክጅመር ከም ዘለዎ መፅናዕቱ ስለዝወደአ ድማ በረኻ ደደቢት ክኾን ተወሰነ።
ካልኣይ ኣኼባ ማገብት
ካልኣይ ኣኼባ ማገብት ኣብ ወርሒ ሕዳር 1967ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣኽሱም እዩ ተኻይዱ። እዚ ኣኼባ ብዋናነት ማገብት ቀልጢፉ ናብ ሜዳ ንክወፅእ ዘገድድ ኩነታት ከምተፈጠረ ዝገምገመሉ ነይሩ። ፋሽሽታዊ ጨፍጫፍ ስርዓት ደርግ ስለዝተጋደደ ማገብት ዕማሙ ከይፈፀመ ዝጭፍለቐሉ ዕድል ክህሉ ከምዝኽእል ብዝግባእ ኣብረሀ። ካብዚ ብተወሳኺ መሳፍንቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ውዑይ ብሄራዊ ስምዒት ህዝቢ ትግራይ ዝሑል ማይ ንምፍሳስ ንድሕሪት ንምምላስን ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ሓደጋ ክኾን ከምዝኽእል ናብ ሓደ ግንዛበ ተበፅሓሉ። ስለዚ’ውን በዞም ክልተ ከበድቲ ኩነታት ማገብት ቀልጢፉ ናብ ሜዳ ንክወፅእ ተሰማምዑ።
ካልኣይ ኣኼባ ማገብት ኣብ እዋን ቅንያት በዓል ሕዳር ፅዮን ብምክያዱን ዕላማታት ማገብት ዝሓዘ ማኒፌስቶ(በራሪ ፅሑፍ) ካብ መላእ ሃገር ንዝመፁ ወገናት ስለዝተዓደሉን ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ከም ፖለቲካዊ ውድብ ከምዝተመስረተ ብዕሊ ዝተገለፀሉ እዋን’ውን እዩ ነይሩ ምባል ይከኣል።
ሳልሳይ ኣኼባ ማገብት
ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንዝተፈፀሙ ተግባራት ዝገምገመ ነይሩ ሳልሳይ ኣኼባ ማገብት። እቲ ቦታ ኣብ ከተማ ኣስመራ እንትኾን እቲ እዋን ድማ ወርሒ ጥሪ 1967ዓ.ም። ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝጅመረሉ እዋን ብምቅርራቡ ማገብት ንኣባላቱ ከምዝስዕብ ኣብ ሰለስተ ብምምቃል መደብ ዓውዲ ምግዳል ሂቡ።
ሀ. ናብ ኤርትራ ዝኸዱ፤
ለ. ኣብ ከተማታት ዝሰርሑ፤
ሐ. ናብ በረኻ ደደቢት ዝወርዱ፤
ይቕፅል