ክሳብ ዘበነ ሃፀይ ሃይለስላሴ ቀዳማዊ ዝነበሩ ገዛእቲ ደርቢ መሬት ንነጋሲ፣ መሬት ንወዳሲ፣ መሬት ንቐዳሲ፣ መሬት ንሓረስታይ ዝብል ስርዓት ነይርዎም። በዚ ድማ ሓረስታይ ሓሪሱ፣ ኣለስሊሱ፣ ዘሪኡ፣ ፅህዩ፣ ዓፂዱን ኣብ ዓውደ ኣኺዱን ብደመረሃፁ ንዝሓፈሶ ምህርቲ ኣብ መወዳእታ ሲሶን ርብዕን ጥራሕ ብዘርክብ ብፂሒት ይምዝምዝዎ።
እዚ ኢ-ፍትሓዊ ብዝኾነ ስልሒት ዝረኸቦ ብፅሒት ንባዕሉ ጥራሕ እንተዝጥቀመሉ’ውን ሓደ ፈፀግ ምኾነ። እንታይ ዳኣ ካብታ ዝርካባ ብፅሒቱ ዓይነቶም ንምፅራሕ ብዝከብዱ ክፍሊታት ግብሪ እንደገና ይምንዝዕዎ። ኣደንቍሮምን ኣሕሚሞምን ብዝገዝእዎ ግብሪ-ትምህርትን ጥዕናን ወዘተ…. እናበሉ ነታ ዝተረፈት ብፅሒቱ ወሲኾም ይምንጥልዎ።በዚ’ውን ኣየብቅዕን። ሓረስታይ ነታ ዝተረፈት እቶት ምስ ስድርኡ ከየጠዓዓመ መሳፍንትን ምስለኔኦምን ናብ ገዝኡ ብምኻድ መሸንቀቖም ፈቲሖም ከም ኣንበጣ ይወርዎ። ምስ ስድርኡ ናብ መሬትን ሓመድን ብምውራድ ንሶም ኣብ መገዛ መደቡን ማእሱን ይድቅሱ። ንዝበልዕሉ መሶቡን ንዝደቀስሉ ማእሱን ምስግና ምሃብ ተሪፉ ኣብ ክንድኡ ናይ መሶብን ናይ ማእስን ብዝበሃሉ ዓይነታት ግብሪ እንደገና ሕቖኡ ይሰብርዎ።
ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ወፅዓን ደርባዊ ምዝመዛን ይበፅሖ ነይሩ እንትበሃል እዚኦም’ማ ብተነፃፃሪ ቀለልቲ እዮም ዝበሃሉ ልዕል ክብል ዝተጠቐሱ ዓይነታት መግለፂ ከም መርኣያ ብምውሳድ እዩ። ንከምዚ ዝበለ ዋርድያ ድሕረትን ድኽነትን ንዝኾነ መስፍናዊ ስርዓት እንተ ብሰላማዊ እንተዘየለ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ምውጋድ ንውልደት(ንምስረታ) ማሕበር ገስገስቲ ትግራይ (ማገብት) መሰረታዊ ምኽንያት ኮይኑ ይጥቀስ።
ገዛእቲ ደርቢ ማዕርነት ፆታን ሃይማኖትን ንከይኽበርን ኣብ መንጎ ዜጋታት ምክፍፋል ተፈጢሩ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ልዕለ-ትሕትነት ፆታን ሃይማኖትን ኮነ ኢሎም ኣንጊሶም።ህዝቢ ኣብ ቀረብኡ ፍትሒ ብምስኣኑ ክሳብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብእግሩ ተጓዒዙ “ዝባን ሕጊ፣ ስልጣን በላይ” ኢሉ እንትጠርዕ ፀማም እዝኒ ይህብዎ ነይሮም። ተስፋ ቆሪፁ፣ ስንቍ ወዲኡ ብዝመፆ ናብ ዓዱ እንትምለስ ድማ ግዳይ ስቓይን ሞትን ይኾን። በዚ ፍረ-ኣልቦ ውፅኢት ኣብ ክንዲ ዝሓዝንሉ “ክቝነና ከይደንስ ተላፅየን ተመለሳ” ብዝብል ምስላ ኣባጪዎምሉ። ናይ ውልቀን ናይ ሓባርን ዝበሃሉ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ብሙሉእነት ሕሩም ገይሮም። ነዚኦም ከም ሕቶ ምልዓል ድማ ከም ገበን ኣቝፂሩ ምኽኒት መእሰሪ፣ መግረፍን መቕተልን ብምግባር ሰብ ምዃንካ እተፅልእ ሃገር ፈጢሮም።
ሓረስታይ በዓል ዋናን ተጠቃምን መሬት ንከይኾን ኣብ ርእሲ ምኽልካሎም ነታ ዝርካባ ፍርያት ብዝመሰሎ ዋጋን ኣብ ዝሓረዮ ዕዳጋን ከይሸይጥ ኣጊዶም ብኣንፃሩ ንሶም ንፍርያቱ ተመንቲ ዋጋን መረፅቲ ዕዳጋን ኮይኖም ሓረስታይ ኣብ እግሮም ወዲቝ ክልምኖምን ረኣዪ በላዕቲ ክኾንን በይኖምሉ።
ህዝቢ መራፅን ተመራፅን ኮይኑ ብድልየቱ ዘድይቦን እንተዘይደልዩ ዘውርዶን ዓይነት ስልጣን ከልኪሎም ብፈጣሪ ዝተውሃበና ንግስና እዩ ብዝብልዎ ኮረቻ-ስልጣን ብኣምሳል ፈጣሪ ንዝተፈጠረ ወዲ ሰብ ከም ኣድገ-በቕሊ ቸቸ ኢሎምዎ።ህዝቢ ንመሬት፣ ንትምህርቲ፣ ንጥዕና፣ ወዘተ… ዝበሃሉ ዓይነታት ግብሪ ፈትዩ ኮነ ተገዲዱ ይግብር’ኳ እንተነበረ ኣድኪኻ፣ ኣደንቍርካን ኣሕሚምካን ግዛእ ብዝብል መትከሎም ሃፍቲ፣ ፍልጠትን ጥዕናን ንክሓርሞ ብናይ ጥፍኣት ኣፃብዕቶም ኛው ቱቱ ተፃዊቶምሉ።በዞም ዝተጠቐሱን ዘይተጠቐሱን መግለፅታት ደርባዊ ምዝመዛ ንዝሳቐ ህዝቢ ትግራይ ሓራ ምውፃእ ንውልደት (ንምስረታ) ማሕበር ገስገስቲ ትግራይ (ማገብት) ካሊእ መሰረታዊ ምኽንያት ነይሩ።
* * *
ብደርባዊ ምዝመዛ ዝበየንዎ ልዕለ-ትሕትነት ብብሄራዊ ወፅዓ ዘንገስዎ ልዕለ-ትሕትነት ኣዚዩ መሕመማይን መስካሕክሕን ነይሩ። ብምዃኑ’ውን “ኢትዮጵያ ቤት ማእሰርቲ ብሄራትን ብሄረሰባትን እያ” ዝበሃል ዝነበረ ኣገላልፃ ሓቂ እዩ ነይሩ ጥራሕ እንተይኮነስ ልዕሊ ሓቂ’ውን እዩ ነይሩ። ምኽንያት እቲ ብሄራዊ ወፅዓ ልዕሊ ማእሰርቲ ስለዝነበረ። ብመንፅር እዚ ኩነታት ትግራይን ተጋሩን እንትረአ ንኣየናይ ኣልዒልካ ንኣየናይ ትገድፍ’ኳ እንተኾነ ንመርኣያ ውሱን ነገር ምግላፅ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ብቋንቁኡ ከይጥቀም ስለዝተኸልከለን ስለዝተንቋሸሸን ይትረፍ ቋንቁኡ ክፅሕፈሉ፣ ክጥበበሉ፣ ቋንቋ ስራሕ ክገብሮን ክመራመረሉን እታ ወለዱ ዘውፅእሉ ሽም’ኳ መሕፈሪትን መሸቍረሪትን ኮይና ሽሙ ናብ ኣምሓርኛ ክቕይር ዝተገደደ ወለዶ ገዝኡ ይቝፀሮ።
ካብ ትግራይ ሓሊፉ ንመላእ ኢትዮጵያ ዝመላላእ ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ብብዕራይ ወለዶ ጠቐነኦም ዘዅርዕ ታሪኽ ከምዘይብሉ ጥራሕ እንተይኮነስ ዘሕፍር ታሪኽ ከምዘለዎ’ውን ንምምሳል ኣብትርቲ ፀለመ ኣዕሪፎምሉ። በዚ ተግባራቶም እናሓረርካ ፀኒሕኻ ግን ድማ ተመሊስካ እትስሕቐሉ ሓቂ ኣሎ። ዘሕፍር’ምበር ዘኹርዕ ታሪኽ የብሉን ናይ ዝበልዎ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕልቶም ክገብሩ ዓይንኹም ዓምቱ’ሞ ክነዕሽወኩም ብዝዓይነቱ ናይ ሓሶት ፀዋታ ምስዕስዖም እዩ።
“እግዚኣብሄር ዘፈን ሲያምረው ትግሬን ይጠግባል”። “እግዚኣብሄር ደርፊ ቃሕ እንትብሎ ንተጋሩ የፅግብ” ይብሉ ነይሮም ኣጋፈርቲ እቲ ድሑር ስርዓት። እዚ ኣበሃህላ ጥምየት ተጋሩ ብትእዛዝ ፈጣሪ ከምዝኾነን ፈጣሪ ንርውየት ቃሕትኡ እንትብል ጥራሕ ንተጋሩ ከምዘፅግብን ዝገልፅ እዩ። ገዛእቲ ደርቢ ኣምሓራ ትግራዋይ ባህሉ ከየማዕብልን ብባህሉ ከይኾርዕን ሓልኪ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ትግራዋይ ንክጠሚ ብውነ ዝፈፀምዎም እለይ ተግባራት ትእዛዝ ፈጣሪ ንምፍፃም ከምዝኾነ’ውን ብምስባኽ ንትግራዋይ የመና ጎዲኦምዎ።
ህዝቢ ትግራይ ትግራዋይ ስለዝኾነ ጥራሕ ጥርጡር፣ ግሉል፣ ኣድልዎ ዝበፅሖ፣ ብውነ ዝደኪ ገይሮምዎ። ባህሉን ታሪኹን ዝናሾ፣ ኣብ ናይ ባዕሉ ጉዳይ ባዕሉ ዘይውስን፣ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ዘይግበኦ፣ ስለዚ ካልኣይ ዜጋ ዝኾነ ፍጡር፤ ከምዚ ዝበለ ዓካት ብሄራዊ ወፅዓ ንክተርፍ ምንቅስቓስ እንትጅምር ድማ ይኣስርዎ፣ ይገርፍዎን ይቐትልዎን።
ስለዚ ብምሒር ብሄራዊ ወፅዓ ህልውንኡ ክስእን ዝተፈረደ ዜጋ ኣርዑት ወፅዓ ሰይሩ ህልውንኡ ከረጋግፅ ምግዳዱ ንውልደት ማገብት እቲ ቀንዲ ዝበሃል መሰረታዊ ምኽንያት ነይሩ።
* * *
ህዝቢ ትግራይ ንደርባዊ ምዝመዛን ብሄራዊ ወፅዓን ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለሉ እዋን የለን። እኳ ዳኣስ ሓንሳብ ዝሕል ካሊእ ግዘ ርስን ብዝብሉ ተቓውሞታት እንቢትኡ የረጋግፅ ነይሩ። ብደረጃ ዓመፅ ብዝግለፁ ኣገባባት ቃልሲ ዘይተመለሱ ሕቶታቱ ንምምላስ ተቓሊሱ እዩ። ንኣብነት ካብ 1935 ክሳብ 1936ዓ.ም ዝተኻየደ ቃልሲ ንመንበር ስርዓት ሃ/ስላሴ ኣነቓኒቝ ነይሩ። ከም ውፅኢት ድማ እቲ ብሄራዊ ወፅዓ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝተደደ ማዕቢሉ።ክሳብ ዓመፅ ቀዳማይ ወያነ ዝተኻየዱ እንቢታታት ሽቶኦም ዘይወቕዕሉ ምኽንያት ብዋናነት ስጡም ውዳበታትን ብቝዕ መሪሕነትን ዘይምንባሮም እዩ። ስጡም ውዳበታትን ብቝዕ መሪሕነትን ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ ንውልደት ማገብት ካሊእ መሰረታዊ ምኽንያት ነይሩ።