ተዘክሮታት በዓል 11 ለካቲት

"ዘይተወደበ ተበታናይ እዩ፣ ዘይዓጠቐ ተስዓራይ እዩ ፣ ዘይነቅሐ ተደናጋራይ እዩ! " ~ ብታደለ ኣለምሰገድ (ካብ ጭርሖታት ቀዳማይ ጉባኤ ኣብ ማይ ኣባይ (1971))

እታ ናይ መጀመርታ 11 ለካቲት ናይ ምስረታ በዓል ዝተኻየደትላ ኣብ ዴማ ነይራ፡፡ ንሕና ኣብ ከተማ ስለዝነበርና ናይ ዴማ በዓል ኩነታት ሓበሬታ ኣብ ከተማ ኾይንና ኢና ሰሚዕና፡፡ እኒ ኣግኣዝን ስዩምን ‘ዮም እቲ ኣብ ዴማ ዝነበረ ኩነታት ነጊሮምና፡፡ ኣብ ኩሎም ናይ ህወሓት ጉባኤታት ብድምፂ ተመሪፀ ተሳቲፈ እየ፡፡ ግን ቐዳማይ ጉባኤ ኢልና እንፅውዖ እቲ ናይ ማይ ኣባይ ጉባኤ ‘ዩ፡፡ እቲኣ መስራቲት ስለዝነበረት ከም መጀመሪት ነይራ ‘ምበር ቀዳማይ ጉባኤ እትብሃል ኣብ ማይ ኣባይ እያ፡፡

ስለዚ ን11 ለካቲት ከም ምዝካር ክዝክር ከለኹ ኩሉሻብ ካብ ዓይነይ ዘይትፍለየኒ ናይ ማይ ኣባይ ጉባኤ ምስ ምክያዱ ዝተኸበረት 11 ለካቲት እያ፡፡ ከበድቲ ፀገማት ሰጊርና ዘብዐልናዮ ናይ 1971 ዓ/ም 11 ለካቲትን ቀዳማይ ጉባኤን።

እዚ ፍሉይ ዝገብሮ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ወሰንቲ እማማት ዝነበርሉ ብምዃኑ’ዩ። ሓደ ሕንፍሽፍሽ ናይ1969 ዓ/ም ዝነበርሉ ብምዃኑ’ዩ። ኣብ ጥቅምቲ 1970 ዓ/ም ፅርየት ተኻይዱ ኣብ ገርሁ ስርናይ ምርግጋዕ ዝተፈጠረሉ ኩነታት’ዩ። እዚ እቲ ዝዓበየ ወሳናይ መድረኸ ነይሩ፤ ሕማቕን ፅቡቕን ነናብ ዝውግነሉ ደምበ ዝተፈለየሉ።

ካልእ ኣብ1971ዓ.ም ከምእኒ ኢዱ፣ ኢህኣፓ ንቲ ውድብ ናይ ምጉዕፃዕ ወራራት ኣካይዶም፣ ኣብ ልዕሊ`ዚ ናይ ደርጊ ወራራት እዚኦም ኩሎም ኣብኒ ኣሰፈ | 27ለካቲት/ ፣ ኣብ መሬቶ፣ /5መጋቢት/ ብዘት /19 መጋቢት | ከባብታት ዝተገበረሉን እኒ ኢህኣፓን መኢሶንን ኣብ ከተማ ስዕረት ተጐልቢቦም ምስኒ ደርጊ ዝወሰንሉ ጊዚያት’ዩ ነይሩ። ስለዚ እዚያት ነቲ ናይ ሽዑ ናይ ለካቲት እዋናትን ናይ ማይኣባይ ቀዳማይ ጉባኤ ምክያድን ብፍሉይ ክትዝክሮ ይገብረካ፡፡ ብሩህ ጉዕዞ ዝተርኣየሉ እዋን’ዩ ነይሩ። ደርጊ ኾይኖም ክወግኡና ዝኸእልሉ ዕድል እንተዘይኾይኑ ዝተፈላለየ ሽም ሒዞም እኒ ኢዱን ኢህኣፓን ዝዋግእሉ ዕድል ዘይህልወሉ ኩነታት’ዩ ተፈጢሩ ኣብቲ እዋን።

ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ዝተወሰኑ ዓበይቲ ውሳነታት ነይሮም፡፡ «ገፅ ገድልናን ሰራዊትናን ገፅ ህዝብና ክመስል ኣለዎ! » ዝብል እቲ ዝዓበየ ናይቲ ጉባኤ መትከል ነይሩ። ደሓር « ሓፋሽ ይንቃሕ! ‘ ይወደብ’ ይታዓጠቕ! » ዝብል ጭርሖ ተታሒዙ «ዘይተወደስ ተበታናይ እዩ! ‘ ዘይዓጠቐ ሰዓራይ እዩ፣ ዘይነቕሐ ተደናጋራይ እዩ! » ዝብል ሓደ ምስቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ናይ ሕንፍሽፍሽ ኩነታት፡ ካልኣይ ድማ ምስቲ ጠቕላላ ናይ ፀላእቲ ኩነታት እቲ ህዝቢ ናይ ኢዱ፣ ናይ ኢህኣፓ፣ ናይ ደርጊ ፈልዩ ብምፍላጥ ክነቅሕ፣ ክውድብን ክዕጠቕን ዝግብኦ ምዃኑ ዘነፀሩ ናይቲ ጉባኤ ጭርሖታተ ነይሮም።
ብድሕሪ እዚ`ውን ካብዚ ውሳነ እዚ ተበጊሱ 1972 ዓ/ም ብበዝሒ ሰራዊትና ሰራዊት ገባር ኮይኑ፡፡ ከቲቱ፡፡ ነብሲ ወከፍ ቁሽት ብፍላይ ኣብ እንዳባፃሕማ፣ ዛና፣ ዓዲ ኣሕፈሮም፣ ማይቅነጣልን ናዕዴርን ቅጥዒ ዘይብሉ ዳርጋ ብስድርኡ’ዩ ተጋዲሉ ክትብሎ እትኽእል፡፡ ካልኦት እውን በብደረጅኡ፡፡

ብካልኣይ ደረጃ እንታይ ነይሩ ጥራሕ ካድረታት ብበዝሒ ምፍራይ ዝብል’ውን ነይሩ፡፡ ደሓር ካድረታት ምምልማል ፍራይ ቐፂሉ፡፡ ብዘይካ እዚ እቲ ዓብዪ ነገር « ኣብ ሓራ ቦታታትና ምምሕዳር ንትከል! » ዝብል ናይ ባይቶታት ምምስራት ጭርሖ ተጨሪሑ ካብኡ ጀሚሩ ብሸራሮ፣ ብዛናን እንዳባፃሕማን ከባብታት ተጀሚሩ፡፡ ባይቶታት ምትካልን፣ ምምሕድዳር ምጥንኻርን ሓራ ቦታታት ምግፋሕን ብከራቢት ኣቢልኻ’ውን ሚሊሻ ምጥንኻርን ናብ ቦጦሎኒታት ዝድይቡ ናይ ሰራዊት ኣወዳድባ ምፍጣርን እዚያት ነይሮም እቶም ዓበይቲን ዘይርስዑን ናይ ማይ ኣባይ ጉባኤ ፍፃመታት።


ፍልፍል ብምኽንያት መበል 25 ዓመት 11 ለካቲት ዝተኣሓተመት መፅሄት ወይን

መስመርና ዓቲርና ንመኸተ!
ሰናይ ቀንያት 11 ለካቲት!