ምስጋና ካብ ዓብዪ ኮሚቴ ምድላው ኣከባብራ መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ በዓል11 ለካቲት
መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ልደት ውድብና ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ ብሄራዊ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን 11 ለካቲት "50 ዓመት ኣብ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ዓወትን" ብዝብል መራሒ ሓሳብ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ተኸቢሩን ይኽበርን ኣሎ።
መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት፤ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፅእ፣ ልኣላውነትና ክኽበር፣ ተሓታትነት ጀኖሳይድ ክረጋገፅን ዳግመ ህንፀት ትግራይ ክጅመርን ሰለማዊ ፓለቲካዊ ቃልሲ ኣብ እነካይደሉ ከምኡ እውን ንፁር ዕላማ ሒዙ ዝተመስረተ ግን ድማ ኣንፃር ዝውሃቦ ዕላማ ዝተሰለፈን ዝጠለመን ስልጣን ጊዚያዊ ምምሕዳር ዝተቖፃፀረ ጉጅለ ረብሓታት ህዝብና ኣብ ዘሀግረሉ ዘሎን ህዝብና ብመስዋእቱ ዓቂብዎም ዝመፀ ክብርታት ንምሽርሻርን ንምህሳስን ቀንዲ ዋኒኑ ጌሩ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉን እዋን ኮይና ኢና ነብዕሎ ዘለና።በዚ እውን እዚ እነብዕሎ ዘለና መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ባህግታት ህዝብና ክሰምር ብፅንዓት ክንቃለስ ዳግም ቃል እነኣትወሉ እዩ።
እቲ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተቖናጠጠ ጠላም ጉጅለ መቐፀልታ እቲ ዝፍፅሞ ዘሎ ብሄራዊ ክሕደት መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ 11 ለካቲት እንተኽኢሉ ከይኽበር እንተዘይክኢሉ ድማ ንምህሳስ ሰፋሕቲ ናይ ፕሮፓጋንዳ ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ። ኣብ ህዝብና ስግኣት ፀጥታ ክፍጠር ብመግለፅታት ዝተዓጀበ ወፍሪ ኣካይዱ። ህዝብና ነታ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኮይኑ እናኽበራ ዝመፀ በዓሉ ተኣኪቡ ብድምቀት ከየኽብር ዝተፈላለዩ ሽርሕታት ብምእላም ተንቀሳቒሱ። ብሓፈሻ ብተደጋጋሚ መግለፅታት፣ መፈራርሕታትን ካልኦት ዕንቅፋታትን መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ከይኽበር ዝኸኣሎ ኩሉ ጌሩ እዩ።
እንተኾነ ግን መምህር ቃልስና ዝኾንካ ምዑት፣ ለባምን መስተውዐልን ህዝብና ንምፍርራሕ፣ ምድንጋርን ዕንቅፋታትን እቲ ጉጅለ ብምብዳህ ንመበሰሪ እዚ ንሓደ ዓመት ብድምቀት ዝበዓል ወርቃዊ ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ብድምቀት ብምኽባር ንፈታውን ፀላእን ዘሕለፍካዮ መልእኽቲ ዓብዪ ኮሚቴ ምድላው መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ዘለዎ ናእዳን ምስጋናን ይገልፅ።
ብሰንኪ እቲ ጠላም ጉጅለ ታሪኻዊ በዓልካ ከም ኩሉ ኣብ ሓራ መሬት ትግራይ ዝርከብ ህዝብና ብድምቀት ክተኽብር ዕድል ዝሰኣንካን ኣብ ትሕቲ ፀላእቲ ዘለኻን ህዝብና ነታ ታሪኻዊት በዓልካ ኣብ ገዛኻ እውን ኮይንካ ዘኪርካን ኣኽቢርካን ከምዝወዓልካን ተኽብር ከምዘለኻን ንርዳእ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ንምውሓስ ብሄራዊ ህልውናኻን ድሕንነትካን ተካይዶ ዘለኻ ቃልሲ እናነኣድና ቃልስኻ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ኩሎም ኣንፃር ረብሓኻ ዝግበሩ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ኣብ ምፍሻል ወሳናይ ተራኻ ከምትዋፃእ ንተኣማመን።
ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ መዕቖቢ ማእኸላትን ኣብ ሱዳን ኣብ ስደትን ኮይንካ ምእንተ ክብርኻን መንነትካን ሕዚ እውን ዋጋ ትኸፍል ዘለኻ ህዝብና ምስ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ወገንካ ብምዃን መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ብድምቀት ኣኽቢርካ ኢኻ እሞ ሞሳን ክብርን ይብፃሕኻ።
ነባሪ ዝተፈላለለያ ሃገራት ዓለም ዝኾንካ ዲያስፖራ ትግራይ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብመንፈስ ኣብ ጎኒ ህዝብኻ ኮይንካ ንኹሎም ናይ ምድንጋር ሽርሕታት በዲህኻ በዓል 11 ለካቲት ብድምቀት ብምኽባር ኣብ ጎኒ ህዝብኻ ኮይንካ ንእተካይዶ ዘለኻ ቃልሲ ዘለና ናእዳን ክብርን ክንገልፀልካ ንፈቱ።
መላእ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ መቐፀልታ ንዝሓለፉ ዓመታት ህልውና ህዝብኹም ንምውሓስ ዝኸፈልኩሞ መስዋእትን ዝሓለፍኩሞም ፀገማትን ሕዚ እውን ኣብ ዘይተመቻቸወ ኩነታት ኮይንኩም በጃ ህዝብኹም ብምዃን ንእትኸፍልዎ ዘለኹም ኩለመዳያዊ መስዋእቲ ዘለና ናእዳን ክብርን ንገልፅ። ህዝብና ነዛ ታሪኻዊት በዓሉ ከየኽብር ካብ ውሽጥን ደገን ብዝተዋደደ መልክዑ ክግበር ንዝፀንሐ ምፍርራሕን ተግባራት ራዕድን ከምወትሩ ህዝባውን ተጋዳላይን ባህሪኹም ዓቂብኩም ብትዕግስቲ እታ ወርቃዊት በዓልና ብዘይዝኾነ ይኹን ፀገም ፀጥታ ብሰላም ክትበዓል ለይትን ቀትርን ብምስራሕ ንዝተዋፃእኹሞ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘለና ናእዳ እንትንገልፅ ዝለዓለ ፍናን ይሰመዓና። ኣብ ቀፃሊ እውን ብቐንዱ ኣብ ምርግጋፅ ሃለዋትን ድሕንነት ህዝብና ከምኡ እውን ዝህልው መድረኻት ኣከባብራ እቲ በዓል ንዘለኩም ዘይትካእ እጃም ኣጠናኺርኩም ከምትቕፅሉ እውን ንተኣማመን።
ከየንቲ፣ ኩሉኹም ሽፋን ዝሃብኩም መራኸብቲ ማዕኸናት፣ ሰብ ዋናን ሰብ ሞያን ማሕበራዊ ሚድያ ንዝገበርኩሞ ሞያዊ ኣበርክቶ ዓብዪ ኮሚቴ ምድላው መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ብሽም መሪሕ ውድብና ህወሓትን ተቓላሳይ ህዝብናን ከመስግነኩም ይፈቱ።
ብሓፈሻ መላእ ህዝብና፣ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ ኮሚቴታትን ንኡሳን ኮሚቴታን ከምኡ እውን ንድምቀት እቲ በዓል ደገፍ ዝገበርኩም ኣካላት ፣ መበሰሪ በዓል መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ብድምቀት ክኸበር ንዝነበረኩም ዘይትካእ ወሳናይ እጃም ዓብዪ ኮሚቴ ኣከባብራ እቲ በዓል ዘለዎ ዝለዓለ ምስጋና ክገልፅ ይፈቱ፡፡
ሓምሳ ዓመት ኣብ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ዓወትን!
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ዓብዪ ኮሚቴ ምድላው መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት
መቐለ
ለካቲት 2017