513657631_1331621334993811_407668171491955745_n

ኣብቲ ዘተ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ውድበና ህወሓት ብፃይ ተኽላይ ገብረመድህን ኣብ ዘስመዖ መልእኽቲ ታሪኻዊ ወርሒ ሰነ ከም ተጋሩ ንዝተኣወጀና ጆኖሳይዳዊ ወራር መኪትና ንመብዛሕትኡ ከባብታት ትግራይ ሓራ ዘውፃናሉ ዕለት ስለዝኾነ እናተዘከረ ዝነብር ዕለት እዩ ኢሉ።
“ህዝቢ ትግራይ ወፅዓ ዘይቕበል ጥራይ ዘይኮነስ ተቓሊሱ ዝስዕር ህዝቢ እዩ፤” ዝበለ ብፃይ ተኽላይ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልስን ብድሕሪኡ ዝገጠሙና ጀኖሳይዳዊ ወራርን ኣመስኪሩ እዩ ኢሉ።
ህዝቢ ትግራይ ደጀንን ግንባርን ተኣሳሲሩ ካብ ትግራይ ወፃእ ዘሎ ዲያስፖራ ተጋሩን ደጋፍቲ ቃልስናን ሓድነቶም ኣጠንኪሮም ሳላ ዝተቓለሱ ንምሉእ ፅንተት ዓጊቱ እዩ ኢሉ።
ምሽጥር እዚ ዓወት ብጠንካራ ሓድነት ስለዝተቓለስና እዩ ኢሉ።
ዕላማ እዚ ዘተ መበል 37 ዝኽሪ ስውኣትን መበል 4ይ ዓመት ዓወት ወፍሪ ኣሉላን ምኽንያት ብምግባር ናይ ትማልን ናይ ሎምን ወለዶ ብሓባር ኮይኖም ብፍላይ ብወፍሪ ኣሉላ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት 21 ሰነ 2013 ዓ/ም መስተንክራዊ ዓወት ዘመዝገብሉ ንምፅምባልን ንቕድሚት ዘሎ ዕማማትና ሓድነትና ኣጠናኺርና እንቃለሰሉ ግንዛበ ንምዕባይ ዝተዳለወ ምዃኑ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ብፂት ዘነበሽ ፍሰሃ ገሊፃ።
ኣብዚ “ሕድሪ ስውኣትና ንምውሓስ ሉኣላውነትና! ህወሓት ናይ ትማሊ፣ ሎምን ፅባሕን ውድብ’ዩ! ሰላም መትከላዊ እምነት ህወሓትን ህዘቢ ትግራይን እዩ!” ብዝብሉ ጭርሖታትን ካልኦት ምድላዋትን ደሚቑ ንሓደ መዓልቲ ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ውድብና ህወሓት፣ ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮን ትካላትን ዝመፁ ኣባላት ውድብናን ነባር ዓቕምን ተሳቲፎም።