ብፂት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄር ነዚ ዝበለት ብምምሕዳር ከተማ መቐለን ኣርሚ 22ን ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዝኽሪ ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ተረኺባ ግደ ደጀን ህዝብና ኣብ መኸተ ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘቕረበቶ መበገሲ ዘተ ኣሃዱታት ሰራዊት ትግራይ ውዕሎአንን ጅግነነተንን ኣብ ምስናድ ዝገብርኦ ዘለዋ ምንቅስቓስ ብምንኣድ ቃልሲ ደጀን ህዝብና እውን ብተመሳሳሊ ክስነድ ከምዝግባእ ኣዘኻኺራ ፡፡
ንዝኾነ ህዝባዊ ኩናት እቲ ወሳኒ ዝኸውን ተሳትፎ ህዝቢ እዩ ዝበለት ብፂት ፈትለወርቅ እቲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ናብ ስልጣን ምስ መፀ ኣብ ስልጣን ንኽቕፅል ከም ቀዳማይ ሽትኡ ጌሩ ዝሓዞ ንህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ምውቃዕ ስለዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኣመፃፅኣ እቲ ፅግዕተኛ ሓይሊ እንታይ ዓይነት ኩናት ከምዝተኣወጆ ፣ ባህሪ ናይቲ ኩናት ክርዳእ ግዘ ኣይወሰደሉን ኢላ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ህልውንኡ ከረጋግፅ ክቃለስ ከምዘለዎ ወሲኑ ተመሊሱ ንዓና ኣፅኒዑና እዩ ዝበለት ብፂት ፈትለወርቅ ልዕሊ ኹሉ ስነ-ልቦና ህዝቢ ትግራይ ተቓሊስና ክንዕወት ኢና እናበለ ካብ መስርዕ ዝወፀ ናብ መስርዑ ክኣቱ እናገበረ ፀኒዑ ዘፅንዐ ህዝቢ እዩ ኢላ፡፡
እቲ ጀኖሳይዳዊ ኩናት እንትጅመር እንትጅመር ሴንተራል ኮማንድ ብኣዋጅ ተጣይሹ ብመንግሰቲ ህዝቢ ከኸትት ከምዝተኣወጀ ብምዝኽኻር ድሕሪ ሕዳር 30 ናብ ደባይ ውግእ ክንኣቱ ምሰ ተወሰነ እውን ኣብ ጭላጭቕኒ ሴንተራል ኮማንድ ዳግም ተወዲቡ ኣጠቀላሊ ኩነታት ናይ ወገንን ፀላእን ኩነታት ተገምጊሙ ኣብ ወታደራዊ፣ ደጀንን ዲፕሎማሲን ዝስርሑ ስርሓቲ ሓንፂፁ ክሳብ ሰነ ሙሉእ ትግራይ ሓራ ክነውፅእ ኣለና ዝበለ ሮድ ማፕ ከምዝተዳለወ ገሊፃ፡፡
ካብቲ ዝተሓንፀፀ ሮድ ማፕ ተበጊሱ ንሰራዊትን ንመሪሕነት ደጀንን ኦሬንተሽን እናተወሃበ ደጀን ምስ ሰራዊት ተኣሳሲሩ ኣብ ሓደ ኣመራርሓ ኣትዩ ክውደብ ከምዝተገበረ ገሊፃ፡፡
ተበቲኖም እዮም ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ሳላ ህዝብና ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ ኣርምታት ፈጢርና ዝበለት ብፂት ፈትለወርቅ ህዝቢ ትግራይ ፍልፍል ዕጥቅን ስንቅን ኮይኑ ነቲ ህዝባዊ ኩናት ተሸኪሙ ወሳናይ እጃሙ ዝተዋፅአ ህዝቢ እዩ ኢላ፡፡
ዲያስፖራ ትግራይ እውን ልዕሊ ቁፅሩ ተሰማዒ ኮይኑ ዓለም ክትሪአና ዝገበረን ብዘለዎ ዓቕሚ ንሰራዊትና ኮነ ህዝብና ዓብዪ ደገፍ ብምግባር እጃሙ ከምዘተዋፅአ ገሊፃ፡፡
እዚ ፅንዓትን ጅግንነትን ህዝብና ክውደስ እናተገበኦ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ህዝብና ህዝብና ቅስሙ ንምስባር፣ ብመስዋእቱ ክናሳሕ ንምግባርን ናይ ቃልሲ መንፈሱ ንምቕታልን ዘይተሰርሐ የለን ዝበለት ብፂት ፈትለወርቅ ምሽጥር ዓወትና ናይ ህዝብና መንፈስ ኣይግዛእን በሃላይነት ስለዝኾነ ስነ ልቦና ህዝቢ ትግራይ ሰይርካ ንምንብርካኽን ንምስኳንን ኣብ ደገ ብዘለዉ ፀላእትን ናይ ውሽጥና ከደዓትን ብትልሚ ከም ዝተሰርሐ ገሊፃ፡፡
ካብ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ ሰላም ዝደሊ ኮነ መሪርነት ኩናት ዝርዳእ ከምዘየለ ብምግላፅ እቲ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ደላዪ ሰላም ፣ ደላዪ ኩናት ዝብል ወፍሪ ግን ህዝቢ ትግራይ ሉእላውነቱ ተወሪሩ ንምንብርካኽ ከምዘኾነ ብምግላፅ ህዝቢ ትግራይ ብሓድነት ክሳብ ዝተቓለሰ ዓወትና ዘይተርፍ እዩ ኢላ፡፡