ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ኣንፃር ከንበርክኽዎን ክጎብጥዎን ዝብገሱ ወረርቲ ብቕብብል ወሎዶታት እናመከተ ህልውንኡ ዘረጋገፀን ዘረጋግፅ ዘሎን ህዝቢ እዩ። ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ቃልሲን ዓወትን ኮይኑ እንትዝንቶ እውን በቢመዋእሉ ክጎብጥዎን ከንበርክኽዎን ንዝወፍሩ ወረርቲ ንምምካት ተገዲዱ ብዝኣትዎ መማረፂ እምበር ኣብ ታሪኹ ንዝኾነ ይኹን ህዝቢ ክብድል ኮነ ክወርር ዘካየዶ ኲናት የለን።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘካየዶ መኸተ እውን ኣካል እዚ ታሪኽ እዩ። ከም ህዝቢ ድሕሪ ዘካየዶ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ቃልሲ ነቲ ዝነበረ ሰርዓት ቀይሩ መሰል ዓርሰ ምሕደርኡ ዘረጋገፅ ስርዓት ተኺሉ ኣብ ወፍሪ ልምዓትን ህንፀት ሰላምን ዲሞክራስን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ልዕሊኡ ቅሉዕ ጀኖሳይድ ምስ ተኣወጀ ልክዕ ከም ትማሊ ሃለዋቱ ንምውሓስ ዘካየዶ ቃልሲ እዩ።
ኣብዚ ወሎዶታት ትግራይ ኣብ ሓደ መስርዕ ረቢቦም ዘካየድዎ መስተንክራዊ ቃልሲ ካብ ዝጥቀሱ ስርሒታት ሓደ ድማ ብወፍሪ ኣሉላ ተሰይሙ ንዝተኻየደ ወፍሪ ስዒቡ ንመቐለ ሓዊሱ መብዛሕትኡ ከባብታት ትግራይ ሓራ ዘውፀ ስርሒት መኸተ ህዝቢ ትግራይ እዩ።
ወፍሪ ኣሉላ ኮነ ስዒቦም ዝተኻየዱ ወፍርታት መኸተ ህልውና፤ ጅግንነትን ተፃዋርነትን መንእሰይ ወለዶ ትግራይ ዘመስከሩ መስተንክራዊ ስርሒታት እዚ ወለዶ እዮም።
እቲ መስርዕ ጅግንነት ወለዱ ዝሎቆመ መንእሰይ ትግራይ ምስ ነባር ዓቕሚ ቃልስና ተዋዲዱ ንህልውና ህዝቢ ትግራይ ኩሉ መልክዕ መስዋእቲ ብምኽፋል ዝሰርሖ ቅያን ጅግንነትን ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንዘለኣለም ብኽብሪ እናተዘከረ ዝነብር ህያው ታሪኽ እዩ።
21 ሰነ 2013 ዓ/ም ህዝቢ ትግራይ ተንበርኪኹ ከምዘይነብርን ህልውንኡ ኣብ ሰናይ ፍቓድ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ከምዘይምርኮስ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሰንሰለታዊ ምትእስሳር ወሎዶታት ክብርን ሃለዋትን ህዝቢ ትግራይ ተኸቢሩ ከምዝነብር ዳግም ዝተመስከረላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት፣ ዕለተ ተስፋ ሓርነትን ነፃነትን ትግራይ እያ! ዕለተ ተዓዋተይነት እያ !
ህዝቢ ትግራይ ነቲ ካብ ቀደሙ እውን ተገዲዱ ዝኣተዎ ኲናት ክባር ዋጋ ከፊሉ ውግእ ደው ክብል ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ክፍረም ገይሩ እዩ። እንተኾነ እቲ መንቀሊ መኸተና ዝኾነን በቲ ስምምዕ ክረጋገፅ ዝነበሮን ሃለዋት ህዝቢ ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። ሕዚ እውን ሉእላዊ መሬት ትግራይ ተወሪሩ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝነብር ህዝብና ይቕተልን ይግፋዕን ኣሎ፣ ብሓይሊ ካብ መረበቱ ዝተፈናቐለ ህዝብና ሕዚ እውን ኣብ ማእኸላት መዕቖብን ስደትን ይሞትን ይሳቐን ኣሎ። ስለዚ መልክዕ ቃልስና ተቐይሩ እምበር ሕዚ እውን ሃለዋት ህዝብና ኣይተረጋገፀን ሉእላዊ መሬትና ኣይተኸብረን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ነቲ ዘይፀዓድ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሓድነትና ብምሽርሻርን ኣብ ወሰንቲ ዓቕምታት ትግራይ ወፍሪ ብምክያድን ህዝቢ ትግራይ ክስኮን ብዝተዋደደ መልክዑ ይስራሕ ኣሎ። እቲ ትማሊ ጀኖሳይድ ዝፈፀመ ሓይሊ ሎሚ ድማ ካብ ትግራይ ንዝመልመሎም ጠላማት ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ተጠቒሙ ኩሉ መልክዕ ርብርብ የካይድ ኣሎ። እዚ እውን ኮይኑ ሕዚ እውን ህዝብና፣ ውድብና፣ ግዝያዊ ምምሕዳርናን ኩሎም ስትራቴጂክ ዓቕምታት ትግራይ ሰላም መትከላዊ እምነቶም ገይሮም ውዕሊ ፕሪቶርያ ከይተሸራረፈ ክፍፀም ይፅውዑን ይቃለሱን ኣለው።
ኣብ መወዳእታ ዝኽሪ እዚ መስተንክራዊ ቅያ እንትንዝክር ሃለዋት ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ፣ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ክኸበር ፣ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ኣብ ትሕቲ ፀለኢ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፅእ ዓቕምታትና ወዲብና ክንቃለስ በዚ ኣጋጣሚ ህወሓት ኣብ ውሽጥን ደገን ንዘሎ ህዝብና ፃውዒት የቕርብ። እቲ ቃልሲ ከቢድን ዝተሓላለኸ ዋላ ይኹን ተዓዋታይነት ህዝቢ ትግራይ ግን ናብ ጥርጥር ከምዘይኣቱን ህወሓት ድማ መሪሕ ተርኡ ከምዝፃወትን ኣብዛ ነባርን ሓዱሽን ወለዶ ትግራይ ተኣምር ዝሰርሑላ 21 ሰነ ኮይና ነረጋግፅ !
ሕድሪ ስውኣትና ንምውሓስ ሉኣላውነትና !
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!