ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ 21 ሰነ 2017 ዓ/ም ኣብ ፀሊሞይ ዝነበረ ኣስካሬን ጀጋኑ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ ናብ መቓብር ሓርበኛታት ብኽብሪ ኣብ ዝዓረፍሉ እዋን ኣብ ዘስመዖ ዘረባ እዚ ዕለት ኣብ ፀሊሞይን ከባቢኡን ህላወ ትግራይናን ህዝብናን ውሑስ ንምግባር ሉኣላዊነትናን ኩለመዳያዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ክቡር ሂወቶም ንዝኸፈሉ ስዉኣትና ንምዝካርን ሕድሮም ከምዘይነዕብርን ቃል እንኣትወሉ መዓልቲ እዩ ኢሉ።
ኣብ ፀሊሞይ ዝተገብረ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ጀኖሳይድ ከይቕዕል፥ ወረርቲ ንምክልኻል፥ ህዝብና ንምድሓን ክቡር መስዋእቲ ተኸፊሉ እዩ ኢሉ።
ኣብዚ ውግእ ፀላኢ ልዑል ክሳራ ተሸኪሙ ዝሃደመሉን ዝተበተነሉን ብኲናት ንህዝቢ ትግራይ ከጥፍእስ ይትረፍ ከምበርክኽ ከምዘይኽእል ደጊሙ ክሓስብ ካብ ዝገበሩ ውጉኣት መኸተና ሓደ ውግእ ፀሊሞይ እዩ ምስ በለ ኣብዚ ናይ ምክልኻል ውግእ ዝተሰውኡ ብፆትና ካብ ኩሉ ዓይነት ዕድመ፥ ፆታ፥ ከባቢ ዝርከቡዎም መርኣያ ሓድነት ትግራይ ኮይኖም፥ ጭርሖኦም ትግራይ ትስዕር'ዩ ነይሩ ኢሉ።
ህዝቢ ትግራይ ቁፅሩ ዋላ ውሑድ ይኹን ልዕሊ ቁፅሩ ምስ ዝኾኑን ብዙሕ ሃፍትን ጋዕገልጠምን ምስ ዘለዎ ገጢሙ ህላውኡ ዘረጋግፅ፤ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይምብርከኽ፥ ንመሰሉን ድሕንነቱን ኩሉ ዝኸፍል ህዝቢ ምዃኑ ዘርኣየሉ ዓውደ ውግእ ከምዝኾነ ብምግላፅ ስዉኣትና ቅኑዕ ዕላማ፥ ህዝባውነት፥ ፅንዓት፥ ሓድነትን ጠንካራ ኣመራርሓ ሒዝካ ዘይስገሩ ዝመስሉ ክትሰግር ከምትኽእል ንዓለም ዘረጋገፁ እውን እዮም ኢሉ።
ሕድሪ ስዉኣት ኣይንጠልምን ማለት እዞም ብኽብሪ ነዕርፎም ዘለና ኣዕፅምቲ ስዉኣት ዝወደቕሉ ዕላማ ተረዲእና ዝጀመሩዎ ግን ዘይተመልአ ዕላማ ንምዕዋት ምቅላስ ስለዝኾነ ነዚኦም ዝጠለመ ንትግራይ ዝጠለመ፥ ነዚኦም ዝኸድዐ ንትግራይ ዝኸድዐ፥ ነዞኦምን መኸተኦምን ዘመራስሐ ንትግራይን ህዝባን ዘመራስሐ ምኳኑ ተረዲእና ንከዳዓትን ጠላማትን ብምቅላስ ሕድሮም ክንፍፅም ይግባእ ኢሉ።
ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ መልእኽቱ ድሕሪ መኸተ ፀሊሞይን ዝቐፀሉ ከበድቲ ውግኣትን ህዝቢ ትግራይ ብኲናት ከምዘይጠፍእ ጥራሕ እንተይኮነስ ከምዘይምብርከኽ ንኹሉ ግልፂ ምስኮነ ስምምዕ ደው ምባል ተፃብኦ ፕሪቶርያ እኳ እንተተፈረመ ክሳብ ሎሚ ህዝብና ካብ ወረርቲ ሓራ ኣይወፀን፥ ተመዛባላይን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱን ግዝኣቱን ኣይተመለሰን፥ ካልኦት ኣገደስቲ ጉዳያት እቲ ስምምዕ ኣይተፈፀሙን ኢሉ።
ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብክባን ዕፅዋን ህዝቢ ትግራይ ናብ ተወሳኺ ማሕበረ ኢኮኖሚያውን ፓለቲካውን ፀበባ ዘእቱ ስጉምቲታት ብምውሳድ ንትሕዝቶን መንፈስን ስምምዕ ዝፃብኡ ምንቅስቓሳት እናካየደ ከምዝርከብ ብምግላፅ ውድብና ህወሓት ከም ፈራሚ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብዘይምቁራፅ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይተፈፀሙ ጉዳያት ክፍፀሙን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፃብኡ ተግባራት ደው ክብሉን ክእረሙን እናፍለጠ ዝመፀ ኮይኑ ሕዚ'ውን ብዘተን ሰላማዊ መንገዲን መፍትሒ ክረክብ ቀፃሊ ፃዕሪ የካይድ ኣሎ ኢሉ።
ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ምምላስን ናብ ንቡር ህይወቱ ክኣቱ ምግባርን ጊዚኡ ዝሓለፎ ውራይ ብምዃኑ ኣብ ዘየለ ጊዜ ክግበር ዝከኣል ኩሉ ንምግባር ልዕሊ ኹሉ ሓድነት ትግራይ ብምስጥጣም ኩልና ዝለዓለ ፃዕሪ ኣብ ንገብረሉ እዋን ከምዘለና ተረዲእና ኩልና እጃምና ብሓላፍነት ክንፃወት ከምዝግባእ መልእኽቱ ዘሕለፈ ዶ/ር ደብረፅዮን ሉኣላዊነት ግዝኣትና ውሑስ ንምግባርን ተመዛበልትና ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምምላስን ሓድነትና ኣሐይልና ሰላማዊን ፖለቲካውን ቃልስና ንቕፅል ምዃንና ንኹሉ ፈታዊ ቃልስናን ደላይ ሰላምን ደጊምና ክነዘኻኽር ንደሊ ኢሉ።
ሕዚ'ውን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ፥ ሕብረት ኣፍሪካ፥ ኣውሮፓ ሕብረት፥ ኢጋድን ኣሜሪካን ስምምዕ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ክኸውን እጃሞም ከወፍዩ ዝፀወዐ ዶ/ር ደብረፅዮን ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ሰላም፥ ምርግጋእን ናብ ንቡር ምምላስን ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ ስለዘየለ ሰላምና ዘውሕሱ ምንቅስቓሳት ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ህዝብታት ዘሳልጥ ሰላም ከባቢና ንምጥንኻር እምበር ኣብ ልዕሊ ማንም ህዝቢ ዘቕነዐ ሽርሒ ከምዘይኮነ እውን ክፍለጥ ይግባእ ኢሉ።
መልእኽቲ ኣቦ ወንበር ውድብና ህወሓት ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ እዋን ምዕራፍ ኣስካሬን ስውኣት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ደደቢት
እዚ ዕለት ኣብ ፀሊሞይን ከባቢኡን ህላወ ትግራይናን ህዝብናን ውሑስ ንምግባር ሉኣላዊነትናን ኩለመዳያዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ክቡር ሂወቶም ንዝኸፈሉ ስዉኣትና ኣስካሬኖም ኣብ መዕረፊ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ብኽብሪ እንትነዕርፍ ሕድሮም ከምዘይነዕብር ቃል እንኣትወሉ መዓልቲ እዩ ኢሉ ኣቦ ወንበር ውድብና ህወሓት ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል
• June 28, 2025
ተዛማዲ
ፅምብል መበል 50 ዓመት ምስረታ ወርቂ እዮቤልዩ ጋዜጣ ወይን
መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዩ ምስረታ ጋዜጣ ወይን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር እዩ። ዋና ዳይሬክተር ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ብፃይ ተወልደብርሃን ተኽሉ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ወይን ፤ ኣብ 50 ዓመት ሰለስተ ምዕራፍ ተቓሊሳ ዘቃለሰት ልሳን ከምዝኾነት ብምግላፅ ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ መለዓ...
ተወሳኺ ንባብ
ተወከልቲ ብሄረሰብ ኩናማ፣ ነበርቲ ከተማ ሸራሮን ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብን ዝሳተፍሉ ህዝባዊ መድረኽ ይካየድ ኣሎ
ተወከልቲ ብሄረሰብ ኩናማ፣ ነበርቲ ከተማ ሸራሮን ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብን ዝሳተፍሉ ህዝባዊ መድረኽ ይካየድ ኣሎ። መድረኽ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምምዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ኣባል ፈፃሚት ስራሕን ሓላፊት ቤትፅሕፈትን ውድብና ህወሓት ብፂት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄር ከምኡ እውን ኣመ...
ተወሳኺ ንባብ
ብምርምርን ንፁር ስትራቴጂን ዝመረሐ ህዝባዊ መራሒ - ዝኽሪ መበል 13 ዓመት ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ
ዝኽሪ መበል 13 ዓመት መስዋእቲ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ "ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ልምዓት ብምርምርን ንፁር ስትራቴጂን ዝመረሐ ህዝባዊ መራሒ እዩ።" ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኛ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኛው ነዙይ ዝበለ መበል 13 ዓመት መስዋእ...
ተወሳኺ ንባብ