ብፃይ ኣማኑኤል ኣሰፋ እዙይ ዝበለ ኣብ ስነ ስርዓት ምዕራፍ ኣስካሬን ጀጋኑ ስውኣት ናብ መቓብር ሓርበኛታት ኣብ ወረዳ ኣስገደ ጣብያ ደደቢት ተረኺቡ እዩ።

ስውኣትና ብመስዋእቶም እዮም ኣኽቢሮምና ዝበለ ብፃይ ኣማኑኤል ኣሰፋ ንሕና ድማ ሕድሮም ብምውሓስን ቃልና ብምሕዳስን ኢና እነኽብሮም ክብል ገሊፁ።

ስውኣትና ዝተሰውእሉ ህዝባዊ ዕላማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኮይኑ ሓራ ኣይወፅኣን ፣ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ኣይተኸበረን ፣ ህዝብና ተፈናቒሉን ተሰዲዱን ኣብ ሓሳረ መከራ ይነብር ኣሎ ዝበለ ብፃይ ኣማኒኤል ህልውና፣ድሕንነት፣ መሰልን ብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ገና ስለዘይተረጋገፀ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዕላማ ስውኣትና ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ክንቃለስ ይግባእ ኢሉ።

እታ ካልኣይቲ ሕድሪ ስድረኦም እዩ ዝበለ ብፃይ ኣማኑኤል ብድሕሪኦም እዞም ስድራ ስኣን ትምህርቲ፣ምግቢ ፣ ሕክምና፣ ስኣን መፅለሊ ከይብተኑ በቢ ዝኽኣልናዮ ፣ በቢ ከባቢና ክንክን ምግባር ካሊእ ሕድሪ እዩ ክብል ተዛሪቡ።

ስለዚ ህዝባዊ ዕላምኦምን ውልቃዊ መነባብሮ ስድረኦምን ዝምልከት ዕላማታት ስውኣትና ክነኽብር ፣ ኣብ ሽቶኡ ክነብፅሖ እንተኺኢልና ሕድሪ ስውኣትና ኣኺብርናዮን ቃልና ኣሐዱስናዮ ኣለና ማለት እዩ ኢሉ።

ብፃይ ኣማኑኤል ሕድሪ ስማእታትና ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ሓድነትትና ክነጠናኽር ይግባእ ኢሉ።