- ኣቐዲመ ሎሚ ኩሎም ስውኣትና ንምዝካርን ኣብ እዋን 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስነ 1969 ዓ.ም. ኣብ ሓኽፈን ምስ ኢዱ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ዝተሰውኡ ብፆትና ኣስከሬን ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ዝዓረፈሉን ሓወልቲ ስዉኣት ክልቲኦም ወለዶታት /ወለዶ መስዋእትን መኸተን/ እንምርቐሉን መዓልቲ ብምርኻብና፥ ብስም ውድብና ህወሓትን ስመይን መልእኽቲ እንተመሓላልፍ፥ ዝለዓለ ክብሪ ይስምዐኒ።
- ኣብዙይ ኣስከሬን ስዉኣትና ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ዝዓረፈሉን ሓወልቲ ኩሎም ወለዶ ስዉኣት ንምርቕን ዘለና ኣብ ውግእ ኢዱን ኲናት ጀኖሳይድን ክቡር ሂወቶም ንዝኸፈሉ ስውኣትና ንምዝካርን ሕድሮም ከምዘይነዕብርን ቃል እንኣትወሉ መዓልቲ እውን እዩ።
- መሳፍንቲ ትግራይ ንክፍለ ዘበናት ምምሕዳራዊ ስልጣኖም ሒዞም፥ መሬት ተቖፃፂሮም፥ ጉልበት ሓረስታይ ትግራይ እናመዝመዘ ዘየሕዊ ዘይምውት ዝተወሰነ እቶት ዝቶኽበ·ሉ፥ ዋንነት መሬት ግን ንሓረስታይ ከምዘይምልከቶ ኣብዝውሰደሉ ዝነበረ ስርዓት መስፍንነት ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ዓሚቕ ድኽነትን ድሕረትን ጥሒሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ህወሓት ሓረስታይ በዓል ዋና መሬት ክኸውን ምእንቲ ፀረ መሳፍንቲ ቃልሲ ኣብ ዝተወልዐሉ ጊዜ'ዩ ኣብ ሓኽፈን ውግእ ምስ ኢዱ ዝተገብረ።
- ኣብዚ እዋንዚ ህወሓት ፀረ መስፍንነት ቃልሲ ወሊዓ በብከባቢኡ ዝነበሩ ምምሕዳራት መሳፍንቲ እናፍረሰት ካብ 1968 ዓ.ም. ጀሚራ መሬት ካብ መሳፍንቲ እናሕደገት ንሓረስታይ መሬት ብገመድ እናለክዐት ብምክፍፋል ሓረስታይ ብዓል ዋና መሬት ክኸውን ዝጀመረሉ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ'ውን ምስ ውድብ መሳፍንቲ ትግራይ ዝኾነ ጠራናፊት'ን ምስ ውድብ መሳፍቲ ሃገር ዝኾነ ኢዱን ብቅደም ሰዓብ ብርክት ዝበሉ ውጉኣት ተኻይዶም ነይሮም።
- ኣብ ውግእ ሓኽፈን ንግዚኡ ሓይሊ ኢዱ ፀብለልታ ዝነበሮምኳ እንተኾነ እዞም ውሑዳት ተጋደልቲ ህወሓት ምስ ሽሾ ሰራዊትን ዘመናዊ ብረትን ዝዓጠቑ ሓይልታት ኢዱ ብዘይረብሕ ብረት/ኣወገጭገጭ ዝበሃል ዝነበረ/ ዝገጠሙ ተጋደልቲ ትግራይ ንህዝባዊ ዕላማ ብፅንዓት፥ ብሓድነት፥ ንዕላማ ምስዋእ እንታይን ከመይን ምኳኑ ዘርኣዩ ጀጋኑ ትግራይ እዮም።
- እዚ ሎሚ ዝመረቕናዮ ሓወልቲ ስዉኣትናን ብክብሪ ንዝዓረፉ ኣዕፅምቲ ስዉኣትና መስፍናዊ ስርዓት ከም ስርዓት ኣብ ትግራይ ክቕበር ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ ዝሓለፉ ሃርበኛታት ትግራይ እዮም። እዞም ስዉኣት ሓረስታይ ትግራይ በዓል ዋና መሬት ክኸውን መዝማዛይን ድሑርን መስፍናዊ ስርዓት ካብ ትግራይ ንምፅራግ ስርዓት ኣፍሪሶም ስርዓት ንምህናዕ ዝወደቑ ሰብ ዕላማ እዮም። ሰራዊት ህወሓት ቁፅሩ ዋላ ውሑድ ይኹን ልዕሊ ቁፅሩ ምስ ዝኾኑ ሽሾ ሰራዊት ኢዱ ገጢሙ ህላወ ውድበ ዘረጋግዕ፥ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ዝኸፍል ተጋዳላይ ምዃኑ ዘርኣዩሉ፥ ታሪኽ ብቀይሕ ደሞም ዝፀሓፉ ሃርበኛታት ህዝቢ ትግራይ እዮም።
- ምስ ጠራናፊትን ኢዱዩን ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ላዕለዎት መራሕቲ ውድብ ዝነበሩ ስሑልን ናይ መጀመርያ ወታደራዊ ኮማንደር ውድብና ዝነበረ ሙሴን ካልኦት ብርክት ዝበሉ በላሕቲ ተጋደልቲ ህወሓት ስኢና እያ።
- ምስ ካልኦት ተደረብቲ ፀገማትን ብድሆታትን ውድብ ኣብ ከቢድ ናይ ህልውና ፈተና ዝኣተወትሉ ብውሕሉል ቃልሲ፥ ኣመራርሓን መስዋእቲን ግን ህልውንኣ ኣረጋጊፃ ህወሓት ትጠፍእ ውድብ እንተይኮነትስ ብዙሕ ፈተናታት ሓሊፋ ትግስግስ፥ ትዓቢ ውድብ ምዃና ዘረጋገፀትሉ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ እዩ ነይሩ።
- ሕድሪ ስዉኣቶም ዘየዕበሩ ተጋደልቲ መስፍናዊ ስርዓት መሊኡ ክቕበር፥ ፋሽሽታዊ መንግስቲ ደርጊ ክፈርስን ሓዱሽ ስርዓት ክትከል ጉብኦም ብምፍፃም ናይ ቀዳሞት ስዉኣት ሕድሪ ተሸኪሞም ናብ ዓወት ኣብፂሖሞ እዮም። ቃልስና ነዊሕን መሪርን'ዩ ዓወትና ናይ ግድን'ዩ እናበሉ እናጨርሑ ዝተሰውኡሉ ዕጥቃዊ ቃልሲ መጨረሽኡ ድሕሪ 17 ዓመታት ብዓወት ተዛዚሙ እዩ።
- ሳላ መስዋእቲ ብፆትና ኣብ ትግራይ ይኹን ሃገር ሓዱሽ ህዝባዊ ስርዓት ተተኺሉ ሰላም ነጊሰ፥ ብሕገ መንግስቲ ዝምራሕ ፌደራል መንግስቲ ተተኺሉ ኩሉ በብደረጅኡ ዝተጠቐመሉ ስሉጥ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ተመዝጊቡ በዚ እውን ኩሎም ስዉኣትና ህያው ኮይኖም፥ በዚ ድሙቕ ታሪኮም ድማ ንዘልኣለም ዘይሃስስ ናብ ወለዶታት ዝመሓላለፍ ታሪኽ ብደሞምን ኣዕፅምቶምን ፅሒፎም ሓሊፎም እዮም።
- ናይ መኸተ ወለዶ ትግራይና እውን ሕድሪ ኣቦታቱ፥ ኣዴታቱ፥ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ብፆቱን ከየዕበረ፥ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኸፈተ ኲናት ጀኖሳይድ ንምምካት ብዝኸፈሎ ኩለመዳያዊ መስዋእቲ፥ ዓለም ብዓለሙ ዘስደመመ ታሪኽ ተፃሒፉ እዩ።
- ኩሎም ስዉኣትና ህዝባዊ ዕላማ ንምዕዋት ንክቡር ህይወቶም ከይሰስዑ ኩለ መዳያዊ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሰብ ፍሉይ ታሪኽ ጀጋኑ እዮም።
- ኣብ መወዳእታ በዚ መዓልቲ የዕፅምቲ ስዉኣትና ብኽብሪ ክዓርፍን ሓወልቲ ኩሎም ስዉኣት ወለዶታት ዕጥቃዊ ቃልስናን ህዝባዊ መኸተን እንትንምርቕን ሕድሪ ስዉኣትና ኣይነዕብርን ኢልና ሉኣላዊነት ግዝኣትና ወሑስ ንምግባርን ተመዛበልትና ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምምላስን ሓድነትና ኣሐይልና ሰላማዊን ፓለቲካውን ቃልስና ክንቕፅል ይግባእ።