ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ ትግራይ ከብቅዕ ማሕበረሰብ ዓለም እጃሙ ይዋፃእ!

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛልቲ መቐለ ወዲ ሓደ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ዕሸል ናኦድ ሃይለስላሰ ብኣራዊት ሂወቱ ምሕላፉ ስዒቡ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ይገልፅ፡፡ እዚ ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ወገናትና ዘጋጠመ ዘሕዝንን ዘሰካሕኽሕን ሓደጋ ሂወት ወገናትና ኣብ ከመይ ዝበለ ዝተሓላለኸ ፀገማት ጥሒሉ ከምዘሎ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ እዩ፡፡

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ተመዛበልቲ ወገናትና ዛጊድ ናብ መረበቶም ክምለሱ ይግባእ ኔሩ፡፡ እንተኾነ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ብዘቕፅሎ ዘሎ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ ምኽንያት ናብ መረበቶም ከይተመለሱ ብሕማም፣ ጥሜትን ቁርን በቢዕለቱ ካብ ዘጋጥም ሞት ሓሊፉ ሕዚ ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ካብ ዘገልገለ ኬንዳ ኣራዊት ዕሸላት ካብ ሕቑፊ ኣዲኦም ኣብ ዝምንጥልሉ ኩነታት በፂሑ ኣሎ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣደራደርቲ ኣካላት ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትግበር ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ክፍፅሙ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ፃውዒት እኳ እንተቕረቡ ዛጊድ ዝኾነ ይኹን ተግባራዊ ምንቅስቓስ ብዘይምህላዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝኣተዎ ውዕል ንጎኒ ገዲፉ ብሞትን ስቓይን ህዝብና ሽካዕልለሉ ሃዋህው ክፈጥር ኣኽኢልዎ ኣሎ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝኣተዎ ውዕል መሰረት ወረርቲ ሓይልታትን ኣባይቲ ተመዛበልቲ ወገናትና ዝሓዙ ሰፈርቲን ካብ ሕገመንግስታዊ መሬት ትግራይ ከውፅእ እናተገበኦ ዛጊድ ከውፅእ ኣይከኣለን፡፡ ይትረፍ ተመዛበላይ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ዘኽእል ውሑስ ኩነታት ክፈጥር ነቲ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና እውን ዕጡቓት ብምውዳብን ብምስልጣንን ብመንነቱ ክቕተል ፣ ክጭወን ክሳቐን ኣብ ምድጋፍ ተፀሚዱ ይርከብ፡፡

ስለዚ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ፣ ኣደራደርቲ ሃገራትን ውዳበታትን ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዘይምፍፃሙ ኣብ ህዝብና ዝቕፅል ዘሎ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ ከብቅዕ እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ፡፡

ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝግምግም ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ እውን ንተደጋጋሚ ፃውዒት ውድብና ህወሓት ኣወንታዊ ምላሽ ብምሃብ ህልው ኩነታት ኣፈፃፅማ እቲ ውዕል ከግምግምን ዘለዎ ደረጃ ንማሕበረሰብ ዓለም ከፍልጥን ይግባእ፡፡

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)